ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ድኻታት ሃገራት ህሙማን ንምሕካም ዘለወን ዓቕሚ ትሑት ብምዃኑ ረዚን ፖለቲካ የድሊ

ቅዱስነቶም ምስ ህሙማንን ሰብ ሙያ ክንክ ጥዕናን ዘለዎም ጥብቂ ርክብን ንህሙማንን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ነተነቀፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ጸሎቶም ኮነ ኣብ ምዕዳኖም ህሉዋን ሰራሕተይናታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝኩራት ምዃኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ዘቕርቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዓለም ንዘለዉ ሰራሕተይናታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ሕክምናን እተወፈየ ክኸውን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ “ሃብቲ ብግቡእ ዘይምቍጽጻርን ምብኻንን” ኮኒኖም መንግስታት ንማሕበረሰባቶም እውን ናይ ሓኻይምን ኣለይቲ ሕሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታትን ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘገልግሉ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝህብዎ ህርኵት ጻዕርን ኣገልግሎት ንህሙማንን ኣረጋውያንን ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፉ ይሓትቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሉስ ዕለት 5 ሚያዝያ ብዓለም ለኻዊ መረብታዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ኣብ ዝተፈነዎ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ዓለም ንዘለዉ ሰራሕተይናታት ኣገልግሎት ሕክምናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና እተወፈየ ክኸውን ዘቕረብዎ ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ፥ “ኣብዚ ለብዒ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን ተወፋይነት ክሳብ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተዋፊሮም ናይ ዘገልግሉ ካህናትን ደናግልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ወለንተይናታትን ልግሲ ኣርእዩና እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ምእንቲ ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕና ክንጽሊ ተማሕጺኖም፡ ነቲ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ብሰንኪ ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ዝፍተን ዘሎ ኣገባብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጠቒሶም፡ ሓገዝ ከም ዘድልየንን ነዚ ዝድግፍ ረዚን ፖለቲካ የድሊ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ተወፋይነትን ለጋስነትን

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ብዓለም ለኻዊ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ኣብ ዝተፈነወ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ ነቲ ወለንተይናታት ኣለይቲ ህሙማን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓኻይምን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ወትሩ ኣብ እዋን ህጹጽ ኵነታት ጥዕና ዝፍጽምዎ ተወፋይነትን ርእስኻ ምእንቲ ካልእ ኣሕሊፍካ ምሃብን ዘጉልሕን ልዑል ክብሪ የዘኻኽረና፥

            እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ተወፋይነትን ለጋስነትን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና እርእዩና እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ ክሱት መልእኽቲ፥ “ኮቪድ - 19 ኵሉ ሰብ ግቡእን ውሑስን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከም ዘይብሉ ኣቃሊዑ እዩ” ከም ዝበሉን ብመሰረት ዓለም ሓቆፍ ውድብ ቁጠባዊ ምትሕብባር ንምዕባለ ዘካየዶ መጽናዕቲ፥ “ህሙማን ዝረኽብዎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ዓቕሚ ኣባይቲ ሕክምና ድሩትን ዋሕዲ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን መሳርዕ ሕክምናን ዘተሓሳስብ እዩ” ከም ዝበለን እተን ኣብ ድኽነት ዝርከባ ተኣፋፍያን ሃገራት “ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሳቕይ ዘሎ ኮነ ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ዓይነት ህማም ንምብዳህ ብቑዕን ኣገዳስን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከቕርባ ኣይክእላን” ቢሎም፡ ብዙሕ እዋን እዚ ጸገም እዚ “ካብ ጉድለት ብግቡእ ምጥቃም ሃብትን ምብኻን ሃብትን ብሰንኪ ኣልቦ ረዚንን ቘራጽን ፖለቲካ ዘጋጥም እውን እዩ ፡ ስለዚ መንግስታት ኵለን ሃገራት ዓለም፡ ኩሉ ሰብ ኪረኽቦ ዝኽእል ግቡእ ክንክን ጥዕና ቐዳምነት ክህብሉ ከም ዘለዎም ኣይረስዑ ሓደራ” እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝዓበየ ፍቕሪ፥ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ!

“ክንክን ጥዕና ውዳቤ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቶም ንጥዕና ካልኦት ሰባት ንምክንኻን ህይወቶም ዘወፍዩ ሰብኡትን ኣንስትን እውን ዚምርኮዝ እዩ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ኵነታት እዚ ብዙሓት ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕና “ኣብዚ ለብዒ ንብዙሓት ኣብ ዘጥቅዓሉ ዘለሉ እዋን፡ ነቶም በዚ ሕማም እዚ ዝተለኽፉ ንኸሕውዩን ንምሕጋዝን ህይወቶም ክሳብ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም፡ ገና እውን ይቕጽል ኣሎ” ቢሎም ምእመናን ብፍላይ ኣብተን ዝደኻያ ሃገራት ንዝሓመሙን ንኣረጋውያንን ዘገልግሉ ንዘለዉ ክጽልዩን፡ ብመንግስታትን ብማሕበረሰባትን እዅል ደገፍ ክረኽቡ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጥብቂ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ህሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን

ነቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ወርሃ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ መሰረት ናይቲ ዓለም ለኻዊ መረብታዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎኖስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ቅዱስነቶም ምስ ህሙማንን ሰብ ሙያ ክንክ ጥዕናን ዘለዎም ጥብቂ ርክብን ንህሙማንን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ነተነቀፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ጸሎቶም ኮነ ኣብ ምዕዳኖም ህሉዋን ሰራሕተይናታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝኩራን ምዃኖም እነስተውዕሎ ሓቂ ምዃኑ የመላኽቱ።

ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ኣብቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስዒቦም፥ እዚ ለብዒ እዚ ኣገባብ ክንክን ጥዕናን ሰራሕተይናታት ኣግልግሎት ክንክን ጥዕና ንማሕበረሰብ ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘጉለሐን ቅዱንቶም ነዚ ሓቂ እዚ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ የዘኻኽሩና። ብፍላይ ኣብተን ተነቃፊ ኣገባብ ክንክን ጥዕና ዘለወን ድኻታት ሃገራት ዘሎ ኣግልግሎት ክንክን ጥዕና ብዝለዓለ ደረጃን ብዝዓበየ ሃብቲ ኪድገፍ  ቅዱንቶም ኣብ መልእኽቶም ከም ዝሓተቱን እንተዘይኮይኑ ግን ካልእ ለብዒ ከጋጥም ምዃኑ የጠንቅቑ፣ ነዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ ንጐይታ ሕድሪ ክንህቦን ማዕረ ማዕረ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ነገልግሎት ክንክን ጥዕናን ንምስፋሕን ንዅሉ ንምብጻሕን ጭቡጥ ስጒምቲ ክንወስድ ቅዱስነቶም ጻውዒት የቕርቡ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Apr 2022, 13:10