ድለ

ር.ሊ.ጳ. ካዛኪስታን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኵለን ሃይማኖታት ክሳተፉ ዘለዎም ድላይ ር.ሊ.ጳ. ካዛኪስታን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኵለን ሃይማኖታት ክሳተፉ ዘለዎም ድላይ 

ር.ሊ.ጳ. ካዛኪስታን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኵለን ሃይማኖታት ክሳተፉ ዘለዎም ድላይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ዚቕጽል መስከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ካዛኪስታን - ኑር ሱልጣን ኣብ ዝካየደ ሻብዓይ ናይ ኵለን ሃይማኖታትን ባህላውያን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፍሳውያን መራሕቲ ኣብ ዘራኽብ ዓውደ ርክብ ክሳተፉ ሓሳብ ከም ዘለዎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ካዛኪስታን ርእሰ ብሔር ቶካየቭ ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኵለን ሃይማኖታት ክሳተፉ ድላይ ከም ዘለዎም ከም ዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ዚቕጽል መስከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ካዛኪስታን - ኑር ሱልጣን ኣብ ዝካየደ ሻብዓይ ናይ ኵለን ሃይማኖታትን ባህላውያን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፍሳውያን መራሕቲ ኣብ ዘራኽብ ዓውደ ርክብ ክሳተፉ ሓሳብ ከም ዘለዎም ምስ ርእሰ ብሔር ካስይም ጆማርት ቶካየቭ ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከም ዝገለጹሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣረጋጊጾም።

እቲ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ መራሕቲ ኵለን ሃይማኖታትን ባህላውያን ሃይማኖታት ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ ኣስታና ነቲ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ኣብ መንጐ ህዝብታትን ሃይማኖታትን ዘተን ስኒትን ክህሉ “መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም” ብዝብል ምርሕ ቃል ኣብ 2002 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ዓውደ ርክብን ጸሎትን ከም ኣብነት ዝሰዓበ ኮይኑ ምክያዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኑር ሱልጣን ዝካየድ ናይ ኵለን ሃይማኖታትን ባህላውያን ሃይማኖታትን መራሕቲ ሻብዓይ ዓውደ ርክብ፥ “ናይ መላእ ሃይማኖታትን ባህላውያን ሃይማኖታትን መራሕቲ ኣብ እዋን ለብዒ ኣብ ማሕበራውን መንፍሳውን ምዕባለ ደቅሰብ ዘለዎም ግደ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጒዳይ ዘተኵር ከም ዝኸውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Apr 2022, 09:21