ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤተ መንግስቲ ማልታ
ቅዱስነቶም ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣብ እኩባት ደሴት ማልታ ኣብ ዘካይድዎ መበል 36 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ፥ ላ ቫለታን ራባትን ፍሎሪያናን ጎዞን ክበጽሑ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ቅዱስነቶም ናብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራምመልእኽቲ፥ ናብታ ኣብ ማእከል መዲትራኒያን እትርከብ ብብርሃን ኵልዕቲ ሃገር ዘካይዶ ምብጻሕ ብእምነት ኣሕዋት ምስ ዝኾኑ ክራኸብ ብሓቂ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓኒ - ቢሎም - ንብምሉእ ህዝቢ ኢጣሊያ ህድኣትን ሰላምን እምነ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ብነፋሪት ነቒሎም ሰዓት ዓሰርተ ማልታ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም ኣብኡ ብናይ ረፓብሊካዊት ሃገረ ማልታ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ዊሊያም ቨላን በዓልቲ ቤቶምን ብኽልተ ባህላዊ ልብስ ብዝለበሱ ዕንባባ ብዝሓዙ ክልተ ሕጻናት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናይ ሃገረ ቫቲካንን ረፓብሊካዊት ማልታን ሰንደቓዊ መዛሙር ምስ ተሰምዔ ክቡር ዘበዓይና ንክብሮም ድሕር ዘቕረበሎም ሰላምታ ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶም ምስ ዝተሰነዩ ብርእሰ ብሔር ማልታ ተዓጂቦም ኣብቲ ኣብ 1571 ዓ.ም. እተሓንጸ ቤተ መንግስቲ ዓቢይ መምህር ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብኡ ምስ ርእሰ ብሔር ማልታ ጆርጅ ዊሊያም ቨላ ግላዊ ርክብ ኣካይዶምን ኣስዒቦም እውን ምስ መራሔ መንግስቲ ሮበርት ኣበላ ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ሕንጻ ዓቢይ መምህር ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ሃገረ ማልታ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ሃይማኖታት መራሕትን ኣብ ማልታ ናይ ወጻኢ ሃገራት መንግስታት ልኡኻን ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ርክብ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ዊሊያም ቨላ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም መደረ፥
ቅዱስነትኵም ኣብ ክንዲ መንግስትን ህዝቢ ማልታን ሓጐፋይ ኢለ ክቕበለኩም ብምኽኣለይ ዕድለይና እየ። እዚ ነዊሕ ትጽቢት እተገበረሉ ምብጻሕ እዩ። ኵላትና ድማ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ዝነበረ እዩ። እዚ ምብጻሕ እዚ እውን ነቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማልታን ዘሎ ጥብቂ ክሌኣዊ ርክብ ዘደልድል እዩ። . . . እቲ ንማልታውያን ዝፈልየና ባህርያትን ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ዘለኵም ብሕታዊ ምርዳእ ልቢ ህዝቢ ማልታ ዝትንክፍ እዩ። . . . ኣብ እተፈላለየ እዋን እውን ዝገለጽክምዎ ብምዃኑ ብሓቂ ሓጐስ የሕድረልና።
ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ በቲ ንጥዕናን ቝጠባን ዘዕንው ዘሎ ለብዒ ተዋሒጡ እዩ፡ እዚ እውን ፈጺምና ክንርስዖ ዘይብላ ሰብኣዊ ሓድነት ክህሉ ዝብል ትምህርቲ ኣቕሪቡልና ኣሎ። ዓለም ለኻዊ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምድልዳል ብፍላይ ከኣ ኣሰብኣዊ ይኵን ስጋዊ ጥሪት ንምክፋል ኣበርቲዕና ክንዓዪ ከም ዘሎና ምሂሩና እዩ። ብቑጠባውዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ስራሕን ትምህርትን ምንቕቓሕ ሰብኣዊ መሰላት ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ደሞክራሲን መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዘሎ ዓቢይ ፍልልያት ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ውልቃውነት ምንጻልን ብሔርተይናዊ ህዝብነትን ጽልእ ብዓሌት ጽልእ ጓኖትን ጭቆናን ንምጥፋእ ዝለዓለ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ዘህልው ሓደስቲ መምዘንታት ክንሓስበሉን ክንትግብሮን ወሳኒ እዩ። እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንዓለም ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት ኮነ ንዅላትና ኣሰንቢዱና ኣሎ . . . ኤውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተመሊሳ ካልእ ዘስካሕክሕ ውግእ ኣብ መሬታ ትርኢ ኣላ . . . ንጹሓን ዝቐትል ኣባይትን ንብረትን ዘዕንው ምዝብልናን ስደትን ዘስዕብ ውግእ . . . ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ክኽሰት ቢሉ ዘይሓስቦን ዘይግምቶም እዩ። . . . እቲ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ውግእ ዝሓለፈ ታሪኽና ዝረሳዕናዮ ምዃና እዩ ዘረጋግጽ . . . ።
ውግእን ምስኡ እተተሓሓዘ ኵሉ ብእዋናዊ መዐቀንታት ተቐባልነት ስለ ዘይብሉ ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብ የመን ሩዋንዳ ሶርያን ካልኦት ሃገራት ዓለም ውግእ እናሃለወ ከመይ ገይርና ኢና ቀሲንና እንነብር? . . . ውግእ ክውገድን ነቶም ኣዚዮም ተነቀፍቲ ዝዀኑ ግዳያት ውግእን ግዳያት ናይቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክንሕግዞምን ነዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዘይ ምድንጓይ ደው ንኽብል ኵሉ ክነጥፍ ከም ዘለዎ ኣብ እተቕርብዎ ተደጋጋሚ ጻውዒት እሓብር . . .
ቅዱስነትኵም እንነብረሉ ዘሎና መሬት እውን ይሳቐ ኣሎ . . . ብዙሕ ምልክታ እውን የቕርበልና ኣሎ . . . ነቲ ዘቕርበልና ምልክታ ዕሽሽ ክንብሎ ዝከኣል ኣይዅን። . . . ፍጥረትን ተፈጥሮን ተማራዃሲ እዩ።
ካብ ዞባናን መላእ ዓለምን ምስ ቅዱስነትኵም ምሉእ ብምሉእ ብምስምማዕ ምህርቲ ኣጽዋር ውግእ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ምንካይን ናብ ምውጋድን ዝብል መስርሕ ዘይምህላው እዚ እውን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ክቐርብ ዝግብኦ ሓገዝ ከይህሉን ኣንፈቱ ክቕይርን ዝድርኽ ብምዃኑ እዚ ዅሉ እዚ ተወጊዱ ብጥምየትን ብስእነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምኽንያት ሰብ ዘይሞተላ ዓለም ክርኢ ምደለዅ ቢልኵም ኣብ ዝገለጽክምዎ ሓሳብ ኣሕብር። . . .
ቅዱስ ኣቦና
እዚ ጸገም እዚ ክሳብ ክንደይ ከም ዝስምዓኵም ንፈልጦ ኢና። ኣብ ገማግም ባሕሪ መዲትራኒያን ብተደጋጋሚ ዝርአ ሞት ስደተይናታትን ካብ ዘስካሕክሕ ኵነት ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንኸድሕኑ ዝስደዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስቓይ ናትኵም ገርኵም ዝስምዓኵም ስቓይ ይስምዓና እዩ! ማልታ ህይወት ንምድሓን ዝኣተወቶ መበጽዓታትን ቁርጺ ፍቃድ ኵሉ ፈጺማ ኣይከሓደቶን . . . ክትቕጽለሉ እያ። ማልታ ነዚ ጉዳይ እዚ ንበይና ክትብድሆ ኣብ ገዛእ ርእሳ ምሕዳግ ዓቢይ ጥፍኣት እዩ። እተን ንስደተይናታት ንምቕባል ዓቕምን ተኽእሎን ዘለወን ሃገራት ክሓብራ ንሓትት። ቅዱስነትኵም ናይዚ እተካይድዎ ዘለዅም ምብጻሕ መርሕ ቓል “ዘይልሙድ ሕያውነት ኣርእዮምና ኢዮም” ዝብል ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ደሴት ማልታ እተገብረሉ ኣቀባብላ ሎሚ እውን ናይ ማልታ ሰብኣውነት መግለጺ እዩ . . .
ነቲ ኣብ ዓለም ኣብ ከባቢ መዲትራኒያን ዝርአ ጸገም ንምውጋድ ኵላትና ካብቲ ኣዘውቲርኵም ንዓለም ኣተመሓላልፍዎ ዜነቓቕሕ ጽሑፋትኵም ዘቕርቦ ጥበብ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና . . . ከም ኣብነት ኵላትና ኣሕዋት ከምኡ እውን ይሴባሕ ዘርእሰተን ዓዋዲ መልእኽትታትኵም ክጠቕስ እፈቱ . . .
ካልእ ሓድሽ ምዕራፍ ንገንጽል፥ ብዘተን ብምትእምማንን ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ እዚ ነበግሶ፡ ኣብ መንጐ ወለዶታት ብዚግመር ምቕርራብን ነቲ ኣብ መንጐ ትምህርትን ሰላምን ዘሎ ምትእስሳር ከነደልድል ኣሎና። ከም መሰረት ፍትሕን ሓድነትን መጠን ሰብኣውነት ዓቐን ዘለዎ ስራሕ ክነህልውን ክንከናኸንን ኣሎና። ነቲ ደቀ ኣስንትዮ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ሕብረተሰብ ዘለወን ግደ ብዝሓሸ መገዲ ክንጥቀመሉ ንመንእሰያትና ድማ እወታዊ ለውጢ ኣብ ምግባርን ሰላማዊ ህላወ ኣብ ምርካብን ብዝያዳ ክንጥቀመሉ ኣሎና። እዚ ብሓባር ክነካይዶ ዝግብእ ጒዕዞ እዩ። እዚ ነቲ ዘለኵም ሲኖዳውነት ዝብል ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ዘጒልሕ እዩ!
ሓይልና ኣብቲ ድምጺ ኵሉ ዝስምዓሉን ዝሰፍሐ ተሳትፎ ዚግበረሉን ኵላውነትን ንዅሉ ዚሓቍፍን መስርሕ ኣብ ምፍጣር ከነወፍዮ ኣሎና። ልዕሊ ኵሉ ድማ ማልታ ነቶም ኣብ ማሕበረሰብና ዘለዉ ተኣፋፍያን ማለት ነቶም ኣብ በይናውነት ዝርከቡ ብኣካልን ስነ ኣእምሮን ዝሳቐዩ ዘይቁብላት ኰይኑ ንዝስምዖም ኣብ ስቓዮም ንኸይሕደጉ ኣብ ዝኣተወቶ መብጽዓን እተሳልጦ ህርኵት ጻዕሪ እምንቲ ኰይና ክትቕጽል እያ።
ቅዱስነቶም ፍቑር ኣቦና ፍራንቸስኮ
ኣብ ክንዲ ህዝቢ ማልታ ነዚ ዝገበርኵምልና ምብጻሕ ነመስግን ሞሳን ድማ ዓሚቝ ምዃኑ እረጋግጸልኩም ብዓቢይ ፍቕሪ ድማ ንቕበለኵም . . . ሳላ እዚ እተገብሩልና ምብጻሕ እዚ ኣብ መንጐናን ኣብ ዞባናን ሓድነት ንኺህልወና ኣበርቲዕና ክንዓዪ ኢና። ልዕሉ ኵሉ ድማ ኣብ ሓሳባትና ህልው ክትዀኑ መብጽዓና እዩ። ከምቲ ኵሉ ሳዕ እትሓቱና ድማ ምእንታዅም ብቐጻሊ ንኽጽሊ ተመባጺዕና ኣሎና።
እንቋዕ ብደሓን መጻእኵም እንክብሉ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ማልታ ጆርጆ ዊሊያን ቨላ ንኽብሪ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም።