ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለም ንቃኤል እኳ እንተ ሓረየ ኣምላኽ ግና ካብ ምድሓን ኣየቋረጸን! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለም ንቃኤል እኳ እንተ ሓረየ ኣምላኽ ግና ካብ ምድሓን ኣየቋረጸን! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለም ንቃኤል እኳ እንተ ሓረየ ኣምላኽ ግና ካብ ምድሓን ኣየቋረጸን!

ዓርቢ ስቕለት፥ ኣብ ቅድሚ ስቑል ኢየሱስ ኴንካ በቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ልብኻ ክትትንክፈ ምፍቃድ የድሊ፥ ምኽንያቱ ንሱ ብጥልቂ ጽሞናኡን ስቓዩን ኣቢሉ ስለ ዝዛረበና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ተለቪዥንን ረዲዮ ኣገልግሎት ሓበሬታ ጨንፈር ራይ ኡኖ ብዝመሓላለፍ “ብኣምሳሉ” ናይ ዘርእስቱ መደብ ጋዜጠይና ሎረና ቢያንከቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናውን ኣገደስትን ኣርእስታትን፥ ብዛዕባ ውግእ ኣብ ዩክረይን ግደ ደቀንስትዮ ጒዳይ ስደተይናታት ለብዒ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓሓሊፉ ዝርአ ግብሪ ናይ ዓለም ምዃንን ካልኦትን ኣብ ዝምልከቱ ዘቕረባሎም ሕቶታት መሰረት ዘካየድዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ዕለት 15 ሚያዝያ ከም እተመሓላለፈን ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብ ክርስቲያናዊ ጒዕዞ ይቕረ ምባልን ተስፋ ምግባርን ዘለዎ ኣገዳስነት ብሰፊሕ ከም ዘብርሁን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብዚ እዋን በዓለ ትንሳኤ እዚ ምእመናን ተስፋ ከይቖርጹ ተማሕጺኖም፥ ተስፋ ትጽቢት ዘሕድረልካ እውን እንተዀነ ፈጺሙ ጓሂ ኣየሕድረልካን እዩ ቢሎም፥ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝፍጠር ዓሚቕ ጸጥታ ብፍላይ ድሕሪ ቐትሪ ድሕሪ ሰዓት ሰለስተ ማለት ወዲ ኣምላክ ብዅሉ በቡኡ እውን ተጠንጢኑ ኣብ መስቀል ኪመውት እንከሎ ዝፈጥሮ ጭቡጥ ኵነት እዩ። እዚ ጽሞናን ጥልቂ ጸጥታን እዚ ነቶም ዚነብዑን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ቦታ ዚህብ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኢየሱስ ክዛረበካ ፍቓድ ምግባር

ዓርቢ ስቕለት፥ ኣብ ቅድሚ ስቑል ኢየሱስ ኴንካ በቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ልብኻ ክትትንክፈ ምፍቃድ የድሊ፥ ምኽንያቱ ንሱ ብጽሞናኡን ጥልቂ ጽሞናኡን ስቓዩን ኣቢሉ ስለ ዝዛረበና። ኣብ መንጐ ውግእ ለብዒ ካልኦት ተዛማዲ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሳቕዩ ኵነታት ኮታ ኣብ መንጐ ዘሕዝን ፍጻሜታት እምነት ምዕቃብን፡ ከምኡ እውን ጽንዓት ደቀ ኣስንትዮ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ብሰፊሕ መርብሂ ከም ዝሃቡን፥ በዓለ ትንሳኤ ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነት እዚ ተስፋ ክህልወናን ናይ ሓጐስ ንብዓት ንኽንነብዕ ይድርኸና። ስለዚ ተስፋ ኣየደናግርን እዩ እሞ ቀቢጸ ተስፋ ንኸይንኸውን እምነት የድልየና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ መንጐ ውግእን ካልኦት ተዛማዲ ኵነታትን እዚ እነብዕሎ በዓለ ትንሳኤ “ናይ ሓጐስን ምጽንናዕን ተስፋን ንብዓት ንኽንነብዕ መታን ናይ ምንባዕ ጸጋ እንሓተሉ እዩ። ደጋጊመ ከም ዝበልክዎ ሰብኣዊ ፍጥረት ምንባዕ ዝረሰዖ እዩ ዝመስል። ብኸመይ ከም እንበኪ ረሲዕናዮ ዘሎና ንመስል፥ ንብዓትን ብኽያትን ጴጥሮስ ንዘክር፥ ስለዚ በማላድነቱ ናይ ምንባዕ ጸጋ ንለምን ምንባዕ ክምህረና ንሕተቶ። . . . ኣብ ቅድሚ ስቓይ ሓው ካብ ምዝራብ ጽሞና ከም ዘድሊ ኣብ ህይወተይ ሓደ ካብቲ ዝተመሃርክዎ ነገራት እዩ።

ህልው ኵነታት

ኣብቲ ቃለ መሕትት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝርአ ውግእ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ኣማእኪሎም፥ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ልዕሊ 4.7 ሚሊዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ መረበቶም ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም። ንስደተይናታት ብትርኢቶምን ዓሌቶም ምንባቦም ምግላጾም ከተእርክኖም ብፍጹም ዘይቅቡል እዩ። . . .  ዓሌታዊ ጽልኢ ምውጋድ የድሊ። ኢየሱስ ናብ ምስሪ ተሰዲዱ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም ሕማም ጽልኢ ዘስዓቦ እዩ። “ሕማም ጽልኢ” ክንዋግኦ ኣሎና ቢሎም ኣተሓሒዞም፥ ብዛዕባ ውግእን ጭካነ ወግእን ዘንቅሎን ዘስዕቦን ኵነታት ብሰፊሕ ምስ እዋናዊ ኵነት ብምትሕሓዝ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዲያብሎስ መስሓቲ እዩ . . . ምስትውዓል የድሊ

ዲያብሎስ መታለሊ ብምዃኑ ናብ ሓጢኣት ከስድዓና ድማ ከም ዝፍትን ኣጒሊሖም፥

            ዲያብሎስ ጽውጽዋይ ኣይኮነ ጋህዲ እዩ!

ምስ ዲያብሎ ዘተ ኣየድልን ምኽንያቱ ኣብኡ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የልቦን የግዳስ ምስቶም ዝጐድኡና ሰባት ክንዛረብ ግንድ እዩ ግብረ ክፋእ ኢና ኣይፋል ክንብል ዘሎና እምበር ነቲ ዝእብስ ሰብ ኣይኮነን ክንነጽጎ ዘሎና። ምኽንያቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽቡቕ ዘርኢ ስለ ዘሎ፥ . . . ድሕሪ እዚ እውን ብዛዕባ ውግእ ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ . . . ብዙሕ ዓይነት ውግእ ከም ዘሎን በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ውግእ . . . ካልእ እውግእ እውን ኣሎ፡ ምዝመዛ ንገዛእ ርእሱ ውግእ እዩ፡ ብታንክታት ዝተሰነየ ኣይዅን እምበር ንገዛእ ርእሱ ኣዕናዊ እዩ። ስለዝ ንዅሉ ዓይነት ውግእ ኣይፋል ክንብል እዩ ዘሎና . . . ።

ግደ ደቀ ኣንትዮ

ደቂ ኣንስትዮ ብርቱዓት እያተን . . . ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ክሳዕ መወዳእታ ከተሰንዮ ከም እትኽእል ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ። ጓለ ንስተይቲ. . . ህይወት ምድላው ከምኡ እውን ሞት እንታይ ምዃኑ እንታይ ትርጒሙን ኣጸቢቓ እያ እተፈልጦ። . . . ድምጺ ስግኣት ኣቐዲመን ናይ ምስማዕ ክእለት ኣለወን።

ጽምዋ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ነዊሕ ቃለ መሕትት ካብ ዝተንከፍዎም ኣርእስታት ሓደ እውን ብዛዕባ ጽማዋ ዝምልከት ኮይኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዕን ዝኸበና ዘፍርሕ ሃዋሁ ውግእን ወረ ውጋን ንኸድሕነና ንበይኖም ዘዕረግዎ ጸሎትን ንሮማ መላእ ዓለም ዝፈጸምዎ ስነ ስርዓት ባርዀት ዘኪሮም . . . ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራዩ ክኸውን ብፍጹም ኣይግምቶ እየ ነይረ . . . እቲ ዝነበረ ጽምዋ፥ ህልው ጽምዋ ብዚግባእ ንኽንርዳእ ካብ እግዚኣብሔር ዝተላእከ ጸጋ እዩ ነይሩ!

ኣምላኽ ሰናይ ገይሩለይ እዩ

ኣብ ኣገልግሎትኵም ፍጹም ጽምዋ ተሰሚዑኩም ይፈልጥ ዶ? ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ “ኣይፋል . . . ኣምላኽ ሰናይ ገይሩለይ እዩ . . . ገዛእ ርእሱ ህልው ዝገብርን ለጋስን ኣምላኽ . . . ምናልባት እውን በይነይ ክገብር ስለ ዘይኽእል ይኸውን በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ሰናይ ኵሉ ዝገበረለይ። . . . ኣስዒቦም ንቤተ ክርስቲያን ዝጸለዋ በሰላ ብምጥቃስ መንፈስ ዓለማዊ እተሓሳስባ ንቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ሃስይዋ እዩ . . . ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ዓለም መንፈስ ምስ እትወድቕ ድማ ትሰዓር . . .

ጽምዋ ዓርቢ ስቕለት

ኣብቲ ነዊሕ ቃለ መሕትት ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ዓርቢ ስቕለት  -  ሰዓት ሰለስተ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝወረደ ጽማዋ ጐይታ፡ ብኸመይ ክንነብሮ ከም ዘሎና እንክምዕዱ . . . ነቲ ንኢየሱስ ዝወረዶን ዘጓነፎን ቀረባ ንምዃን ነቶም ካልአ ኢየሱስ ኮይኖም ኣብ ሎማዊ ዓለም ዝሳቐዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ቀረባ ምዃን ንኣኦም ምግልጋል ተስፋ ትንሳኤ እዩ ቢሎም ንዅሉን ኣብ ኵሉን ርሑስ በዓለ ፋሲኽእ ተመንዮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትቶ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Apr 2022, 17:08