ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብኣውነት ምክንኻን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ዕለት 2 – 3 ሚያዝያ ኣብ ማልታ ዘካየድዎ መበል 36 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ናብ ሮማ ሓዋርያዊ መንበሮም ቅድሚ ምምላሶም፡ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ናብቲ ኣብ ሃል ፋር ናብ ዝርከብ ዮሓንስ መበል 23 - ናይ ሰላም ቤተ ምርምር እተሰምየ መእለዪ ስደተይናታት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም ኣብኡ ዝእለዩ 200 ስደተይናታት ተራኺቦም፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ሰባት ከም ቍጽሪ ገይርና ኣይንርኣዮም። እቶም ብጀላቡ ባሕሪ መዲትራኒያን ኣቋሪጾም ምስ ዝስደዱ ደቅና ነይሮም እንተዝኸውን ቢልና እስከ ንሕሰብ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ዘይፍትሓውን ዘስካሕክሕን ውግእ ካብ ዩክረይን ዝሃድሙ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንዘክር” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃል ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣምላኽናን ጐይታናን . . . ነፍሲ ወከፍ ሰብ እቲ ዘይሓልፍ ክብረቱ ዝኽበረላ ዓለም ምእንቲ ክትምዕብል ካብ ፍርህን ቅድመ ፍርድን ከይመርመርካ ብሕማቕ ካብ ምፍራድን ባህርይ ሓራ ኣውጽኣና!
ቅዱስ ኣቦባ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ምስ ኣርባዕተ ደቂ ዘለውዋ ስድራ ቤት ስደተይናታት ብሓባር ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ደው ቢሎም ነቶም ብርቱዕ ዘጨንቕ ጒዕዞ ተሳጊሮም ኣብ መሬት ማልታ ኣእጋሮም ዘዕረፉን ካልኦት ብዙሓት ኣብ ተመሳሳሊ መሪር ጒዕዞ ዝርከቡ ገለ ገለ እዋን እውን ብምምሽጣር ሰበ ስልጣናት ሰብኣዊ መሰላቶም ዝተጋህሶም” እንክብሉ ምስ ዝገለጽዎም ሓቢሮም ኵላዊ ጸሎት ደጊሞም ኣስዒቦም ምልክት እምነትን ተስፋን ዝኾነ ጻዕዳ ሽምዓ ኣብሪሆም፡ እዚ ብርሃን እዚ ናብታ ብምግምማዕ ስቅያት ዝርኣየላ ኤውሮጳ - ምዑቕ ሰብኣውነት ክምለስ ዝብል ምልክት እውን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሰባት - ቍጽሪ ኣይኰኑን
ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “መጻኢ ስድራ ቤት ደቂሰብ ኣብዛ ዓውሎማዊት ዝኾነት ዓለም - ኣብ ሰብኣውነት እዩ። ሰባት ከም ኣሃዝ ዘይኮነስ እንታይ ምዃኖም ማለት ወጅህን ዛንታታት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ኣሕዋትን ኣሓትን ጥራይ ምዃኖም ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ሰብ ቍጽሪ ኣይኮነን። ብጀልባ ንኽስደዱ ክጓዓዙ ዝዛረብን ዘርእን ብመርበብ ሓበሬታን ብተለቪዥንን ብስእልን ጥራት ዘይኮነስ ኣነ ኮይነ ነይረ እንተዝኸውን ወይ ወደይ ጓለይ ኣብኡ እንተዝህልዉ ቢልና ንሕሰብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጥሕለት ስልጣነ
ቅዱስነቶም ኣብ ማልታ እንከለዉ ዝተሰምዐ ልዕሊ ተስዓ ዝግመቱ ስደተይናታት ዝጓዕዙላ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ሊቢያ ባሕሪ መዲትራኒያን ብዘጋጣመ ሓደጋ ምኽንያት ኣርባዕተ ጥራይ ከም ዝተረፉ ዝገልጽ ሓበሬታ ጠቒሶም፡ ምእንቲ እዞም ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝሞቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንጸሊ፡ ካብ እተሰብረት መርከብ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ ዝተሰብረ እሞ ኣብ ምጥሓል ዘሎ ስልጣነ ክንድሕን ንጸሊ” . . .
እዚ ዝተሰምዐ ሓበሬታ ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዘጋጥም ሓደጋ ጀላቡን ምጥሓልን ሞት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዕን ዘሕዝን ተመክሮ እዩ። እቲ ናይ ጀላቡ ምጥሓልን ሞት ብዙሓትን ናይ ስልጣነ ስብራትን ምጥሓልን ከም ዘሎ እዩ ዘመላኽት። ካብታ እተሰብረት ጀልባ ስልጣነ ከመይ ጌርና ኢና ገዛእ ርእስና ከነድሕን ንኽእል? ክንድሕን ንድሊ እንተድኣ ኴይንና ናብ መገዲ ሰብኣውነት ምምላስ ጥራሕ እዩ ዘድሊ!
ኣብ ዩክረይን ዘይፍትሓውን ዘስካሕክን ውግእ
ውግእን ስደትን ካልእ ኵሉ ቅልውላው “ስልጣነ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ሓባሪ እዩ - ንወንጌል እሙን ዝኾነ ክርስትና እውን ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ዝገልጽ ምልክታ እዩ። ዓለም ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ዜስካሕክሕ ወግእ ክህሉ ይኽእል ቢሉ ኣብ ዘይሓሰበሉ እዋን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ለስቦ ዝበልዎ፡ ድሮ ጀልባ ስልጣነ ትስበር ከም ዘላ ኣቐዲሞም ገሊጾም ከም ዝነበሩን ናይቲ ኵሉ ቅልውላው ጠንቂ ምስባር ስልጣነ እዩ። “ታሪኽኩም ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሰንኪ ዘይፍትሓውን ዘስካሕክን ውግእ ካብ ዩክረይን ንኽስደዱ እተገዱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም እንሓስብ ይገብረና” ቢሎም ነቶም ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተይታት፥ “ልብዅምን ሕይወትኵምን ከፊትኩምላ ኢኻትኵም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ነዕይንት ምጥማት
ቅዱስነቶም ነቶም ስደተይናታት ከምቲ ኣብ ግሪኽ ደሴት ለስቦ ምስ ስደተይናታት ተራኺቦም ዝበለዎ ነቶም ኣብ ማልታ ዝተራኸብዎም ስደተይናታት ደጊሞም “ቀረባዅም እየ . . . ገጽኵም ክጥምት የዕንትዅም ክርኢ እየ ዝመጻእኩ። ካብታ ላምፐዱዛ ዝኸድኵላ መዓልቲ ኣትሒዘ ፈጺመ ኣይርስዓኵም። ኵሉ ሳዕ ኣብ ልበይ ህልዋን ኢኻትኵም፡ ኣብ ጸሎተይ እውን ዝኵራት” ዝብላ ቃላት ቅዱስነቶም፡ ኣብቲ ኣብ 1971 ዓ.ም. ብፍራንቸስካዊ ካህን - ሓው ዲዮንይሱስ ሚኖቶፍ እተመሰረተ ማእከል ስደተይናታት ኣቃሊሖም። ንስደተይናትት ቀረባ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ቅዱስነቶም ምስቶም ስደተይናታት ዘካየድዎ ርክብ ቃል ሰላምታ ብምስማዕ ዝኸፈቱ ናይቲ ናይ ስደተይናታት ማእከል መሰራቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብዕድመ ዝደፍኡ ፍራንቸስካዊ ሓው - ኣባ ዲዮንይሱስ ምዃኖም የዘኻኽር።
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ነቲ ናብ ማልታ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ “ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዘይልሙድ ሰብኣውነት ተኸናኸኑና” ዝብል መርሕ ቃል ጠቒሶም፡ ማልታውያን ሓዋርያ ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ 60 ዓ.ም. ናብ ሮሜ ዝጓዕዘላ ዝነበረት መርከብ ምስ ተሰብረት ኣብ ደሴት ማልታ ሓንጓፍይ ቢሎም ከም እተቐበልዎ ዝገልጽ ካብ ግብሪ ሓዋርያት ዝተወስደ ጥቕሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ “ማልታ ነቶም ናብ ገማግም ባሕራ ንዝመጹ ብሓቂ ውሑስን መድሕናዊ ወደብ ክትከውን ወትሩ ከምቲ ንጳውሎስን ብጾትን ገይራ ዘአንገደቶም ብልክዕ ከተእንግዶም እምነ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ዝተጋህሰ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተሰብሩ ሕልምታትን
“ሕልሚ ናጽነትን ደሞክራስን” ዝብላ ቃላት ኣብቲ ናይቶም ስደተይናታት ቃል ምስክርነት ዝተሰመረለን ቃላት እናሓሰቡ፥ ሕልምታት ጭካነ ምስ ዝመልኦ ክውንነት መብዛሕቲኡ ግዜ ኸኣ ሓደገይና ምስ ዝኾነ ኢሰብኣዊ ኵነት ይጋጮ። ንስኻትኵም ነቶም መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ነቲ መሰረታዊ መሰሎም እተጋህሶም ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ስደተይናታት ዘቕርብዎ ጻውዒት ድምጺ ኢኻትኵም፡ እቲ ዘሕዝን ግን ሓድሓደ ግዜ እቲ ግህሰት መሰሎምን ክብረቶምን ምምሽጣር ሰበ ስልጣን ዘለዎ እዩ ዝመልስ። ንሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምምእካል የድሊ፡ ንስኻትኵም ቍጽሪ ኣይኰንኩምን የገዳስ ስጋ ዝለበስኩም ወጅሂ ዘለኵም ሓድሓደ ግዜ ሕልምታቶም ዝተሰብሮም ኢኻትኵም።”
ካብ ሰብ ምብጋስ
ስለዚህ ካብ ሰብ - ካብ ሰብኣዊ ክብረትን መሰልን ክንብገስ ኣሎና፥
በቶም ገለ እኳ ክግበር ኣይከኣል እዩ እዚ ካባና ዝዓብየ ጸገም እዩ ንዓይ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኰነን ብዝብል ምኽኒታት ኣይንታለል። ኣይፋል! ኣብዚ መጻወዲያ እዚ ኣይንውደቕ፡ ነቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዜጋጥሞም ብድሆ፥ ሰባት ብዘማሙቑን ክትንስእን ተስፋ ኬጐሃህርን ዝድርኽ ናይ ሕውነት ሽግ ብዝዅልዕ ኣገባብ ሰብኣውነት ምላሽ ዝህቡ ንዅን!
ካብ መበቈልካ ገዛእ ርእስኻ ምምሓው ስቓይ እዩ
. . . ምናልባት ኣብዚ ዘለናሉ እዋን እዚ እውን ከይተረፈ ጀላቡ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ይሰግራ ኣለዋ . . . ስለዚ ምእንቲ ኵሎም ተስፋ ኣሚቶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ባሕሪ ዘእትዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንጸሊ” እንክብሉ ዓዲሞም፥ ብዙሓት ሰባት ዝሓሸ ቦታ ንምርካብ ካብ ዓዶምን መሬቶም እስያን ኣፍሪቃን ኣመሪካን ክስደዱ ተገዲዶም እዮም . . . ብዛዕባ ሮሂንግያ እሓስብ፥
ነፍሲ ወከፍኵም ከምዚ ዓይነት እዚ ተመክሮ ዘሕለፍኵም ኢኻትኩም። ስምብራት ዝሓድግ፡ ንብዓት ግዝያውን ስምዒታውን ስቓይ ጥራይ ኣኰነን። ኣብ ህይወት ንእትዓቢ መንእሰይን ንዝዓቢ መንእሰይ ዓሚቝ በሰላ ሓዲጉ ዝሓልፍ ቍስሊ እዩ። ነዚ ቍስሊ እዚ ንምሓዋይ ግዜ ይሓትት። ምስቶም ብኸመይ ከም ዚስምዑን ከም ዚርድኡን ከም ዘሰንዩን ምእንጋድን ዚፈልጡ ሓንጐፋይ ቢሎም ዚቕበሉ ምዕቡል ሰብኣውነት ምስ ዘለዎም ስቓይኵምን ጾርኵምን ናቶም ዚገብሩ ኣቝሳል ምስ ዘሕዉዩ ሰባት ንምርኻብ ግዜ ይሓትት፡
ናይ ር.ሊ.ጳ. ሕልሚ
ቅዱስነቶም “ስደተይናታት ድሕሪ እቲ ብሕውነትን ሰብኣውነትን ሃብታም ዝኾነ እንግዶት ተመክሮኦም፡ ብግዴኦም ሓንጉፋይ ቢሎም ዝቕበሉ ናይ ሕውነትን እንግዶትን ኣንቀሳቐስቲ ክዀኑ” ዝብል ሕልሚ ከምዘለዎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እንክሕብሩ፥
ናይቶም ስደተይናታት ኣቝሳል ሓንሳእ ምስ ሓወየ ነዚ ኣብ ውሽጥዅም ሒዝክምዎ ዘለዅም ምዕባለ ማለት እዚዩ ክቡር ውርሻ ሰብኣውነት ክትገልጽዎን ከተርእዮም ምስቲ ዘአንገደኵም ሕብረተሰብ ከተላልይዎን ከተወሃሃድዎን ትክእሉ ኢኹም። እዚ መገዲ ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን እዩ
ዝኽሪ ዮሓንስ መበል 23
ስለዚ እቲ ናይ መእለይን መአነገድን ማእከል “ውጥረትን ድርቀትን” እናሃለወ ከነሱ ኣካሊት ማሕበራዊ ዕርከትን ናይ ምርኻብ ባህሊ ንምድልዳል ናይ ሰብኣውነት ማእከል ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ እቲ ናይዚ መእለዪ ስደተይናታት ዮሓንስ መበል 23 ናይ ሰላም ቤተ ምርምር” ዝብል መጸውዕ መእለዪ ስደተይናታት ዘመላኽቶ እውን። እቲ ሰላም ዝብል ቃል እውን ኣብታ ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ዓዋዲ መልእኽቲ ዝጸንዔ እዩ ምስ በሉ፥ “ኦ ጐይታ ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ሰላም ንሓደጋ ዘቃልዑ እለዮ፥ ናይ ሓቅን ፍትሕን ፍቕርን መሰኻኽር ንኽኸውን ለውጦ። መራሕቲ ህዝብታት ብዛዕባ ሓጐስ ዜጋታቶም ኪሓስቡን ነቲ ዓቢይ ውህበት ሰላም ውሕስነት ምእንቲ ኪህቡን ኪጣበቑን ብርሃንካ ኣብርሃሎም” ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።