ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ሃንጋሪ መራሔ መንግስቲ

ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፥ ቅዱስነቶም ንመራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፥ “ኣብዚ ምርኻብኩም የሐጒሰኒ” እንክብሉ ከም እተቐበልዎምን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሚያዝያ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃንጋሪ መራሔ መንግስቲ ቪክቶር ኦርባን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥ መራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ንጻዕርታት ሰላም ክድግፉን ኣብ ሃንጋሪ ምብጻሕ ከካይዱን ከም ዝሓተትዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቡዳፐስት ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ንኸዛዝሙ ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ምስ መራሔ መንግስቲ ኦርባን ተራኺቦም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ነርብዓ ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ሃንጋሪ ነቶም ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ካብ ዩክረይን ዝስደዱ ንዘለዉ ዩክራይናውያን እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ነዚ ግብረ ሰናይ ሃንጋሪ እዚ ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ኣብዚ ብበዓልቲ ቤቶም ኣኒኮ ለቫይን ብኻልኦት ሰለስተ ዓበይቲ ናይ መንግስቶም ሰበ ስልጣናት ተሰንዮም ኣብ ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራከቡ ኣፍሊጡ።

ሃገረ ቫቲካን-ሃንጋሪ

ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፥ ቅዱስነቶም ንመራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፥ “ኣብዚ ምርኻብኩም የሐጒሰኒ” እንክብሉ ከም እተቐበልዎምን፥ “ኣምላኽ ንኣዅምን ስድራ ቤትኵምን ሃንጋርን ይባርኽ” ከም ዝበልዎምን መራሔ መንግስቲ ኦርባን እውን ብወገኖም፥ “ኣብ ሃንጋሪ ንጽበየኵም ኣሎና” እንክብሉ ቅዱስነቶም ንሃንጋሪ ክበጽሑ ከም ዝዓደምዎምን ድሕሪ እቲ ርክብ እውን ናይ መራሔ መንግስቲ ኦርባን ወሃቢ ቃል ዞልታን ኮቫችስ፥ ድሕሪ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ መራሔ መንግስቲ ኦርባን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃንጋሪ ምብጻሕ ንኸካይዱ ብወግዒ ከም ዝዓደምዎም ኣፍሊጦም ዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ - ስርዓት

ርእሰ ብሔር ኦርባን ንቅዱስነቶም ናይ ሃንጋርያዊ ናይ ስነ ሙዚቃ ሊቅን ናይ ሙዚቃ ደራስን ቤላ ባርቶክ መጽሓፍን ብዛዕባ እዞም ዓቢይ ሚዚቀይና ዝገልጽ መጽሓፍን ከምኡ እውን ናይ 1750 ዓ.ም. ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃን ኣብ እዋን ሰሙነ ሕማማት ናይ ሰዓታት ጸሎት ብእንግሊዘይናን ቋንቋ ላቲትን ዝተደርሰ ሙዚቃ ገጸ በረኸት ከም ዘቕርቡሎምን፥ ቅዱስነቶም እውን ናይ ፓኖኒያ እዋናዊት ሃንጋሪ ተወላዲ ናይ ቅዱስ ማርቲኖ ዲ ቱርስ ምስሊ ዝተሓትሞ መዳልያን ኣብ 2020 ዓ.ም. ዕለት 27 መጋቢት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብ ለብዒ ኮቪድ - 19 ከናግፈና ኣብ እዋን ተፈናተት ንበይኖም ዘቕረብዎ መንፈሳዊ መደብ ብስእሊ ዘርኢ መጽሓፍን ከምኡ እውን ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድን ከም ዝለገሱሎም ኣፍሊጡ።

23 Apr 2022, 08:33