ድለ

ኦ ጐይታ ተጻይ ሓው ንዝተላዕለት ኢድ ደው ኣብል! ር.ሊ.ጳ ኣብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዓርቢ ስቅለት ንእተብጽሖ ጸሎት ፍኖተ መስቀል መሪሖም ኣብ ኮለሰዩም ምስ ብዙሓት ምእመናን ከምዘዕረጉ እንክምልከት ነቲ ኣስተንትኖ ዝኸውን ጸሎታት ከኣ ኣብ ናይ ብዙሓት ስቃያትን ተስፋን ናይ ዘመንና ዝተምስረተ ነበረ።

ዜና ቫቲካን!

እቲ ዓመት መጸ ብዕለተ ዓርቢ ስቅለት ብዓቢ መንፈሳውነት ኣማስያኡ ኣብ ከባቢ ኮለሰዩም ዝበሃል ብዙሓት ሰማዕታት ደሞም ዘፍሰሱሉ ከባቢ ዝግበር ዝነበረ ካብ 2019 ዓም ብሕማም ለበዳ ኮቪድ 19 ኣቋሪጹ ዝነበረ ሎምዘመን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዳግም ተጀሚሩስ ብዙሓት ስድራቤታት ስቃያቶምን ተስፋታቶምን ብዝገልጽ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝተሰነየ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ቅዱስነቶም ብዝመርሕዎ ልዕሊ 10,000 ዝተሳተፍዎ ዓርቢ ምሸት ተኻዪዱ።

እዚ ሕማማትን ሞትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናስተንተንካ ኣብ ኮሎሰዩም ዝግበር ብልማድ ብዘይተወደበ መንገዲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየደ እኳ እንተኾነ ር.ሊ.ጳ ክመርሕዎ ግን ብ1964 ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ እዩ ጀሚሩ። ክሳብ ቅድሚ ሠለስተ ዓመት ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝቋረጽ ከኣ ወትሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እናመርሕዎ ይካየድ።

እቲ ጸሎት ከምቲ ልሙድ ‘ኦ ክርስቶስ ጐይታና ብዝተቀሰ መስቀልካ ንዓለም ዘድሓንካ ኢኻሞ ንሰግደልካን ነመስግነካን ኣሎና’ ብዝብል ስግደት ምስ ጀመረ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መስቀልን ስቃይን ክርስቶስ ተሓቢኡ ንዘሎ ሓይሊ ክህብን ነቲ ስድራቤታት ኣብዚ ግዜ እዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ፈተነ ክሰግሩ ጸጋኡ ክህብን መኽፈቲ ጸሎት ምስ ኣቅረቡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታት ዝመጹ ስድራቤታት በብተራ ነቲ መስቀል በብእብረ እናተሰከሙ ተጓዒዞም።

ኣብ ውግእ ናይ ዘለዋ ሃገራት ክልተ ስድራቤታት!

ኣብቲ ሥርዓተ ጸሎት ዝቀረበ ኣስተንትኖ ምስ ካቶሊካውያን ወለንተኛታት ኰይኖም ዘገልግሉ ዝተፈላለያ ማሕበራት ሃሰስ ኢሎም ዝረኸብዎ ዝተፈላለየ ግድላትን ፈተናታትን ስድራቤታት ዓለምና ዝሓዘ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተኣከበ ነበረ። ኣብ መበል 13 ምዕራፍ ምስ ተበጽሔ ግን ንብዙሓት ዘገረመ ነቲ መስቀል ብሓደ ዝተሰከማ ክልተ ኣንስቲ ሓንቲ ኣልቢና እትበሃል ካብ ሃገረ ሩስያ ኮይና እታ ካልአይቲ ከኣ ኢሪና እትበሃል ካብ ሃገረ ኡክራይና ነበራ። ኣብዚ ግዜ እዚ ሱቊታ ልዕሊ ዝኾነ ዘረባ ዓው ቢሉ ዝተዛረበሉ እዋን ነበረ።

እዘን ክልተ ኣንስቲ እዚኤን ኣብ ከተማ ሮማ ከም ኣለይቲ ሕሙማት ዝሰርሓ ኰይነን ስለ እቲ ኣብ ሃገረን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንክብል ኩሎም ብሕብረት ዝጸልዩሉ እውና ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ በቲ ኣስተንትኖ ስድራቤታትን ዘሎናዮ ኩነታትን ዝስበኽ ዘሎ ህሞት ምንም ስብከት ኣየቅረቡን። ኣብ ፍጻሜ ናይቲ ጸሎት ብርሃን ወንጌል ክርስቶስ ኣብ ልብታት ኩሎም ስድራቤታት ኣብ ሓጐሶምን ሓዘኖምን ኣብ ፈተናታቶምን ተስፋታቶምን ክበርህ ጸልዮም። ከማኡ እውን ነቲ ዘይእዘዝ ልባትና ካብ እግዚአብሔር ክርሕቅ ዝቃለስ ልባትና ጐይታ ምሕረቱን ሰላሙን ክህብ ተማህሊሎም።

ኦ ጐይታ ነዚ ሰዲዑ ዘሎ ልባትና ናብ ልብኻ ምለሰልና እሞ ናይ ሰላም መደባት ክንሕጽጽ ኢና። ተጻሊኦም ዘለዎ ሰላም ክበሃሃሉን ጣዕሚ ምሕረት ሓድሕድ ከስተማቅሩን መንፈስካ ስደድ። ንሓው ክትጐድእ ንዝተላዕለት ኢድ ደው ኣብል። ጽልኢ ኣብ ዘለዎ ስምምዕ ከምዝዕምብብ ግበር። ከም ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ከይንዓዩ ጸጋኻ ሃበና። በዚ ከኣ ኣብ ክብሪ ትንሣኤኻ ክንሳተፍ ኣብቅዓና ኣመን ዝብል ጸሎት ኣብጽሑ።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 Apr 2022, 12:04