ር.ሊ.ጳ. ስለ እቲ ኣብ ማልታ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ጸሎት በማላድነት ማርያም
ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዝገብርዎ ጒዕዞ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ናብ ዝኾነ ይዅን ሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምንቃሎም ኮነ ድሕሪ ምምላሶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝፍጽሙ ዝዝከር ኰይኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብምኽንያት ምዝዛም እቲ ካብ ዕለት 2 – 3 ሚያዝያ ኣብ ማልታ ዘካየድዎ መበል 36 ሓዋርያዊ መገሻ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጸሎት ምስጋና ንኸቕርቡ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝፈጸሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዝገብርዎ ጒዕዞ ዕለት 4 ሚያዝያ ንጐሆ ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ነጊዶም ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዕንባባ ኣንቢሮም ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ኣፍሊጡ።
04 Apr 2022, 17:21