ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናብ ማልታ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ስደተይናታት ስድራ ቤት ዩክረን ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ናብ ማልታ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ስደተይናታት ስድራ ቤት ዩክረን ተራኺቦም 

ር.ሊ.ጳ. ናብ ማልታ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ስደተይናታት ስድራ ቤት ዩክረን ተራኺቦም

ቅዱስነቶም ብዙሕ እዋን ናብ ዘክይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምንቃሎም ልምዲ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ከም ምልክት ተስፋ ቢሎም ዝገልጽዎ ምስ ዝተፈላለዩ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ምስ ዝውክሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘካይድዎ ርክብ መሰረት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ሚያዝያ ካብ ሓዋርያዊ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ናብ ደሴት ማልታ ንኽነቕሉ ሮማ ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ምንቃሎም ብናይ ጳጳሳዊ ቤተ መጽዋት ገበዝ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ምስ እተሰነዩ ብማሕበረሰብ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂድዮ ዝእለዩ ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘምለጡ ስደተይናታት ዩክረይን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብዙሕ እዋን ናብ ዘክይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምንቃሎም ልምዲ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ከም ምልክት ተስፋ ቢሎም ዝገልጽዎ ምስ ዝተፈላለዩ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ምስ ዝውክሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘካይድዎ ርክብ መሰረት ንማልታ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዕለት 2 ሚያዝያ ንጐሆ ካብቲ ኣብ ዩክርይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘምለጡ ብካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምስ ዝእለዩ ስድራ ቤት ስደተይናታት ኡክረይን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ካብ ዩክረይን ከተማ ሊዮፖሊ ቅድሚ 20 መዓልቲ ምስ ክልተ ጓል ሓሙሽተን ሸውዓተን ዓመት ዝዕድመኤን ደቀን ዝተሰዳ ጓል 37 ዓመት ኣደን ክልተ ኣደታት ካብ 10 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም ኣርባዕተ ደቂ ዘለዉወን ኣብ ሮማ ብሓንቲ ኢጣሊያዊት ኣደ ዝተኣንገዳ ክልተ ካብ ተርኖፒል ዝመጻ ኣደታት ከም እተረኽባ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እታ ሳልሰትይቲ ስድራ ቤት ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ብፖላንድ ኣቢላ ሮማ ዝኣተወት ክትከውን እንከላ ሽዱሽተ ኣባላት ዘለዉዋ ኣደን ኣቦን ምስ ስለስተ ደቆምን ጓል 75 ዓመት ኣደ ሓጐን ዝርከብዋ ብሓደ ኢጣሊያዊ ዜጋ ዝተኣንገደት ስድራ ቤት እውን ምዃና ዜና ቫቲካ ይሕብር።

02 Apr 2022, 16:47