ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ጋቦን ርእሰ ብሔር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሚያዝያ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ጋቦን ርእሰ ብሔር ዓሊ ቦንጎ ኦንዲምባ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐብሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ጋቦንን ዘሎ ምትሕብባር ዳግም ከም እተሓደሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 28 ሚያዝያ ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ዝኣተዉ ናይ ሃገረ ጋቦን ርእሰ ብሔር ዓሊ ቦንጎ ኦንዲምባ ንልዕሊ 20 ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ዘተ እቲ ንልዕሊ 25 ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ጋቦንን ናይ ሓባር ስምምዕ ኣዕጋቢ ምዃኑን ነቲ ዘሎ ክሌኣዊ ምትሕብባር ንምምሕያሽ ዝብል ድላይ እውን ከም ዝጐለሐን ርእሰ ብሔር ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ኦንዲምባ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብዙሕ ዓውደታት ሕብረተሰብ ጋቦን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓውዲ ሕንጸት እትህቦ ኣበርክቶ ርኡይን ውጽኢታውን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብዛዕባ ኣብ ቍጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ጋቦን ጥራይ ዘይኮነስ ኣህጉራውን ዞባውን ጒዳያት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ምይይጥ ምክያዱ ኣፍሊጡ።
ቅዱስ ኣቦና ንርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ጋቦን ካብ ነቢይ ኢሳያስ ምዕ. 32: ዝተወሰደ “ምድረ በዳ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ክኸውን እዩ” ዝብል ጥቕሲ ዝተነብሮ ብነሓስ ዝተሰርሐ መዳሊያን ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እግዚኣብሔር ንኸናግፈና ኣብ እዋን ምፍንታት ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ ጸሎት ዘርእይን ዘብርህን ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዐ መጽሓፍን ናይ 2022 ዓ.ም. መልእክቲ ሰላምን ኣብ ምስሪ ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ተራኺቦም ብሓባር ከቲሞም ዕለት 4 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበርዎ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእትሱ ሰነድን ገጸ በረኸት ከም ዘቕርቡሎምን ርእሰ ብሔር ዓሊ ቦንጎ ኦንዲምባ እውን ብወገኖም ኢየስሱ ናብ ኢየሩሳሌም ክኣትው እንከሎ ዘርእሲ ስእላዊ ቅብእን ኣርባዕተ ሜትሮ ዝቑመቱ ሰልቲስ ኣውስታርሊስ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ተኽልን ንቕዱስነቶም ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ዓሊ ቦንጎ ኦንዲምባ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ኣፍሊጡ።