ር.ሊ.ጳ.፥ ንኻልኦት ሓንጐፋይ ኢልካ ምቕባል ወንጌል ናይ እትነብር ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እዩ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ተረኺቦም ኣብቲ ናይ ማርያማዊ ሊጡርጊያ ድሕሪ ዝተነበ ወንጌል ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ማልታ ንቤተ ክርስቲያን ሃብቲ ከም ዝኾነትን ብፍላይ ከኣ ንኻልእ ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባል ወንጌል ምንባር ማለት እዩ። እዚ ወንጌላውነት እዚ ዝረኣየላ ቤተ ክርስቲያን እያ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ምንጪ ሓጐስና እዩ! ብዝብላ ቃላት ቅዱስነቶም ስብከቶም ኣበጊሶም፥ ማርያም ዮሓንስን ኣብ እግሪ መስቀል፥ ኵሉ ነገር ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝጠፍኤ ኰይኑ ክስምዓካ እንከሎ፥ እቲ ዘለዓላማዊ ዝመስል ዝነበረ ዝጠፍኤን ዝተዛዘመ እዩ ዝመስል ዝነበረ፥ ኢየሱስ ንቝሳል ደቂ ሰብ ናቱ ገይሩ “ኣምላኸይ ኣምላኸይ ስለምታይ ሓደግካኒ? ይብል። እዚ ናይ ግዜ መከራ ጸሎት ምዃኑ ቅዱስነቶም የዘኻኽሩ።
ኣብዚ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ እቲ ናይ ኢየሱስ ሰዓታት ዝጀመረሉ ኵነት ምልስ ቢልና ብሓባር ከነስተንትኖ ንኽእል። እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ዜደንቕ ቅዱስ ሕንጻ እዚ ሓደ ንእሽቶ ቤተ ጸሎት ጥራይ እዩ ዝነበረ። ኣብ ሓደ እዋን ዘጋጠመ ዕንወት እውን መደምደምታ እቲ ሕንጻ እዩ ዝመስል ዝነበረ፡ ከምቲ ኢይሳያስ ነቢይ ኣብ ምዕ. 62 ፍቕዲ ኣርባዕተ “ድሕሪ እዚ ሕድግቲ ኣይክትብሃልን ኢኺ፡ ሃገርኪ ኸኣ ጸብጸም በረኻ ኣይክትብሃልን እያ፡ እግዚኣብሔር ብኣኺ ተሓጉሱ ንሃገርኪ ድማ ከም ሒምኣ ኮይኑ እዩ እሞ ሓጐሰይ ኣብኣ እዩ ተባሂልኪ ክትስመዪ ኢኺ፡ ሃገርኪውን ሔማ ተባሂላ ክትጽዋዕ እያ” ከም ዝበሎ እዩ። ቢሎም እታ ንእሽቶ ቤተ ክርስቲያን ንግደት እንፍጽመሉን ምንጪ ሓድሽ ህይወት ዝኾነትን ሃገራዊ ቤተ መቕደስ ንምዃን በቒዓ።
ሰዓታታ ኢየሱስ ንኣና ሕይወት ኮነና
ዕለት 2 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብዚ ቅዱስ ስፍራ እዚ ነጋዲ ኮይኖም መጺኦም ከም ዝነበሩ ዘኪሮም፡ ነዚ ቅዱስ ቦታ እዚ እውን “ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ እምነት ተስፋን ዜሐድስ ስፍራ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ኣዘኻኺሮም . . .
ናብታ ኣብ ፈላማ እትውለድ ናብ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ምምላስ የድሊ፥ ናብ እናስር ምምላስ ማለት እንታይ ማለት እዩ፥
ብቐዳምነት ነቲ ኣገዳሲ ነገራት እምነትና ዳግም ምርካብ ማለት እዩ፡ እዚ ኸኣ ምስ ክርስቶስ ርክብን ንዓለም ወንጌል ምብሳርን ዝብል እዩ . . .
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማልታ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ መንፍሳውን መጓሰን ሃብቲ እያ፥ ከምዚ ክትከውን ዘብቅዓ ከኣ እቲ ዝሓለፈ ታሪኻ ጥራሕ ዘይኮነ ንመደባት ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው ንመጻኢ ዝኣመተ ኣብ ሎማዊ ዅነት እተካይዶ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት እዩ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ፍቕርን ንብጻይና እነርእዮ ኣቀባብላን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ እዩ ቤተ ክርስቲያናውነትና።
ፍቕሪ ኣብ ዝነግሰሉ እግዚኣብሔር ኣሎ
ጐይታ ንማርያምን ንዮሓንስን ንሓድሕዶም ምእንቲ ኪተሓላለዩ ዝሃቦም ለበዋ ናይ መስቀል ሰዓቱ እዩ ዘዘኻኽረና። ኣብ ኵሉ ደረጃ ዕድመ ንዚርከቡ ክርስትያን “እነሆ ወድኺ - እነሆ ኣዴኻ” ይብል። ብሓደ ደም ኢዅም ዝደሓንኵም ሓንቲ ስድራ ቤት ኢዅም እሞ ንሓድሕድኵም ተቐባበሉ ተፋቐሩ ናይ ካልእ ስቓይ ናትኵም ይኹን” ከም ዝበለ እዩ ዝቝጸር።
እዚ ኸኣ ጥርጣረታት ምግምማዕ በላበለው ሕሜታን ኣወጊድካ . . . ሲኖዳውነት ምንባር ማለት እዩ . . . ብኻልእ ኣዘራርባ ብሓባር ተጓዓዙ እዩ። ተልእኾና ፍረ ዘፍሪ ኣብ ሕውነታዊ ሱታፌና ጥርይ እዩ! . . . ።
ፍቕሪ እግዚኣብሔር ደራኺ ሓጐስና እዩ
“ንኻልኦት ሓንጐፋይ ኢልና ምቕባል፡ ሰብኣውያን ምዃን ከምኡ እውን ነቶም ስቓይን መከራን ዝመልኦ ሕይወት ንዘሕልፉ ለውሃት ዝመልኦ ፍቕሪ ብምቕራብ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ እቲ እነበስሮ ወንጌል ይሓትተና። ጳውሎስ ኣብዚ ቦታ እዚ ወንጌል ሰቢዅ ብዙሓት ድማ ኣብ ስብከት ወንጌል ኣሰሩ ሰዓቡ . . . “ ምስ በሉ ንልኡካነ ወንጌል ካህናትን ኣሓውን ደናግል ማልታውያን ኣብ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም፥
ማልታ ንእሽቶ ደሴት- ዜጋታታ ንኣሽቱ ዴስት ግናኸ ዓቢይ ልቢ ዘለኵም ኢኹም!
ማልታ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሃብቲ እያ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማልታ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ሃብቲ እያ።
ስለዚ ነዚ ናይ ትማልን ሎምን ታሪኽ ምእንቲ ክትስዕቡ መታን ናብቲ ሕመረት ክርስትና ንሱ ኸኣ ናብቲ ምኽንያት ሓጐስና ዝዀነ ናብ ዓለም ዝልእኸና ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ንብጻይካ ብእትነብሮ ፍቕሪ ናብ ዝግለጽ ፍቕሪ ኣማልኽ ንመለስ።
ምስ በሉ “ጐይታ በዚ መገዲ እዚ የሰንየኩም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከኣ ንስጉምትታትኵም ትምራሕ፡ እታ ሰለስተ ሳዕ ሰላም ለኪ ቢልና ንኽንጽሊ እትሓተና ቅድስቲ ድንግል ንኣደኣዊ ልባ ክንዛረብ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዘሎ ቅንኣትን ከምኡ እውን ንሓድሕድና ናይ ምትሕልላይ ባህጊ ከነደልድል ንጸሊ - ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትባርዅም” እንክብሉ ዝለስዎ ስብከት ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።