ድለ

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ

ነቶም ኣብ ማዕበል ባሕሪ ሕይወቶም ነኸድሕኑ ዝቃለሱ ምስ ኣኻውሕ ባሕሪ ዝጋጨዉ ካብ ርሑቕ ዘድልዮም ዘበለ ኵሉ ንኸነለልይ ሓግዘና . . . ብኸንቱ ዘረባ ኣይንድከም . . . ነቲ ናይቲ ማዕበልን ናይ ባሕርን ስቓይ ከትረስዕ ዝገብር ልቢ ዘማሙቅን ዘሕብርን ብርሃን እንግዶትካ ኣብርሃልና።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ማልታ ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውና ካህናት ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን ዕስራን ደቓይቕ ብመኪና ናብቲ ኣብ 60 ዓመተ ምሕረት ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ክጓዕዝ ብዝነበረ ብርቱዕ ማዕበልን ነውጺ ባሕርን ምኽንያት ኣብ ማልታ እንግዶት ረኺቡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝዕረፈሉ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ እተሰምየ ስፍራ ነጊዶም።

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ዓሰርተ ደቓይቕ ድማ እብኡ በጺሖም ኣብ ጐድኒ እቲ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብዝርከብ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ሊቀ ካህናት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ሽምዓ ወሊዖም ናብቲ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብምኻድ

ኣምላኽ ምሕረት! ቢዘደንቕ ሓልዮትካ ቅዱስ ጳውሎስ ንህዝቢ ማልታ ፍቕርኻ ከበስር ዝገበርካ፡ ነቶም ገና ዘይፈልጡኻ ዝነበሩ ቃልካ ኣወጀሎም ካብ ሕማሞም ድማ ተፈወሱ።

ካብታ ዝተሰብረት መርከብ ዚደሓነ ቅዱስ ጳውሎስ እቶም ኣብ ማልታ ዝነበሩ ኣረሜን እንቋዕ ብደሓን መጻእካ እንክብሉ ተቐበልዎ። ኣብኡ ድማ ዑቕባን ድሕንነትን ደገፍን ከም ዘድልዮ ኣስተውዒሎም ብዘይተለምደ ሰብኣውነት ተቐቢሎም ኣአንገድዎ።

ኣስማቶም ኰነ ካበይ ይምጽኡ መበቈል ወይ ማሕበራዊ እርካናቶም ዘይፍሉጥ ዝኾኑ እቲ ዝፈልጥዎ ዝነበረ ሓገዝ ምቕራብ ጥራሕ ዝብል እዩ።

እንታይ ንግበር ንዝብል ክትዕን ምይይጥን . . . ንቅድመ ፍርድን ትንታነን ቀመርን ግዜ ኣይነበረን እቲ ግዜ ዝሓቶም ሓገዝ ምቕራብ ጥራሕ ዝብል እዩ፡ ስርሖም ሓዲጐም ድማ ኣብ ምእንጋድ ተጸምዱ።

ሓዊ ኣንዲዶም ከኣ ኣማሞቝዎ . . . ብኽፉት ልሚ ድማ ተቐበልዎ . . . ኣብቲ ናይታ ሃገር መንግስትን ኣብ ምሕረትን መዕቆቢ ረኸቡ ።

ኦ ሕያዋይ ኣቦ 

ጸጋ ቅኑዕ ልቢ ሃበና . . . ምእንቲ ኣሕዋት ዝጽዕሩ . . .

ነቶም ኣብ ማዕበል ባሕሪ ሕይወቶም ነኸድሕኑ ዝቃለሱ ምስ ኣኻውሕ ባሕሪ ዝጋጨዉ ካብ ርሑቕ ዘድልዮም ዘበለ ኵሉ ንኸነለልይ ሓግዘና . . . ብኸንቱ ዘረባ ኣይንድከም . . . ነቲ ናይቲ ማዕበልን ናይ ባሕርን ስቓይ ከትረስዕ ዝገብር ልቢ ዘማሙቅን ዘሕብርን ብርሃን እንግዶትካ ኣብርሃልና። . . . ኵላትና ደቅኻ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓንቲ ስድራ ኢና።

ንስኻ ብዘይ ፍልልይ ተፍቅሮም . . . ሓደ ኪዀኑ እትደሊ ምስወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ሓደ ክንከውን እትደሊ።  ብሓይሊ እቲ ካብ ሰማይ እተላእከ ሓዊ መንፈስ ቅዱስካ ንዅሉ ጽልእ እለዮ መገድታትና ናብ ፍቕርን ሰላም ከብል ኣብርሃዮ

ኣሜን 

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ

 

Photogallery

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ
04 Apr 2022, 17:12