ድለ

ኣብ ጽላለ ውግእ እንክንኣቱ ንኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምስቃል ንምለስ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰበት ዕለት 10 ሚያዝያ 2022 ዓም በዓለት ሆሳዕና ስለእተብዕል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ሥርዓት ዑደተ ሆሳዕናን ‘ዓመጽ እንክትጥቀም ንእግዚአብሔር ትርስዖ ኢኻ ኣቦ ምዃኑ ኣይስቈረካን እቶም ካልኦት ኣሕዋት ምዃኖም እውን ትዝንግዕ። ኣብ ዓለም ከም እትነብር ረሲዕካ ትርጉም ኣልቦ ዘስካሕክሕ ጭካኔ ትፍጽም’ እንክብሉ ብምዝኽኻር ናብ ምሕረት ኣምላኽ ክንምለስ እሞ ከም ጐይታ ንጽልኢ ብፍቅሪ ንክፍኣት ብምሕረት ክንፍውስ ሓደራ ብማለት ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ኣብ ቀራንዮ ክልተ ሓሳባት ይራኸባ። ኣብ ወንጌል ከም እንዕዘቦ ቃላት ኢየሱስ ምስ ቃላት ሰቀልቱ ይዋጠራ። እቶም ሰቀልቲ ደጋጊሞም ‘እስኪ ርእስኻ ኣድሕን’ ይብሉ። እቶም ኣሕሉቅ እውን ‘ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ እቲ ሕሩይ ናይ ኣምላኽ እንተኾይኑ እስኪ ገዛእ ርእሱ የድሕን’ ይብሉ (ሉቃ 23.35)። እቶም ወታሃደራት እውን ‘ንስኻ ንጉሥ ኣይሁድ ኢኻ! እስኪ ርእስኻ ኣድሕን’ ይብልዎ። ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብቶም ምሳኡ ተቅሰቂሎም ዝነበሩ ገበርቲ ሕሰም ‘ንስኻ ክርስቶስዶ ኣይኮንካን! እስኪ ንርእስኻ ኣድሕን ንዓናውን’ ይብሎ። ንገዛእ ርእስኻ ምድሓን ንርእስኻ ጥራይ ምሕሳብ ብዛዕባ ካልኦት ዘይምሕሳብ ብዛዕባ ጥዕናኻን ዓወትካን ጥቅምኻን ንብረት ክህልወካ ሥልጣን ክህልወካ ከማኡ ኰንካ እውን ንክትረኤ ዝግበር ቃልሲ ብዙሕ እዩ። እዛ እስኪ ገዛእ ርእስኻ ኣድሕን እትብል መዝሙር ናይቲ ንጐይታ ዝስቀለ ደቂሰብ ኰይና ኣላ። እስኪ ነስተንትን።

ነዛ ኣነ እትብል ኣተሓሳስባ ደቂሰባት ግን ናይ ጐይታ ትቋወማ! ክንዲ ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን ንገዛእ ርእስኻ ንድሕነት ካልኦት ኣወፊ ትብል። ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል እዛ ቃል እዚኣ ሰለስተ ግዜ ተደጋጊማ ንዕዘብ (ሉቃ 23, 34.43.46)። እንተኾነ ጐይታ ብምንም ተኣምር ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣይሓሰብን ንርእሱ ኣይከላኸልን ወይውን ኣየመጻድቅን። እኳ ደኣ ንኣቦኡ ስለኦም ይልምን ነቲ ምሕረት ዝሓተቶ ሕያዋይ ሰራቂ እውን ምሕረት ይህብ። ነታ ‘እስኪ ገዛእ ርእስኻ ኣድሕን’ እትብል ‘ኣቦ መሓሮም’ ትብል ቃሉ ትቃወማ።

ኣብዘን ቃላት እስኪ ነተኲር! እሞ ጐይታ መኣስ ከምዝብለን ንዘክር! ኣብ ግዜ መስቀሉ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብሽንካር እንክደምያ እዩ ዝብሎ። እስኪ ነቲ ዘስቅቅ ቃንዛ በዘን ሽንካራት ዝሰዓበ ንሕሰቦ። ኣብቲ ቃንዛ ሕማማት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ክርስቶስ ስለእቶም ዝሽንክርዎ ምሕረት ይምህለል።  ኣብታ ግዜ እቲኣስ ንዝስምዖ ቃንዛን ቊጥዓን ንከዝሕል ክግዕር ጥራይ ኢኻ ትጽበዮ። እንተኾነ ኢየሱስ ‘ኣቦ መሓሮም’ ይብል። እዚ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦም ሰማዕታት (2 መቃ 7.18-19) ከም እንረኽቦ ነቶም ቀተልቲ ክፈርድን ካልእ መርገም ካብ ኣምላኽ ክወርዶምን ዝልምን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ስለ እቶም ገበርቲ ክፉእ ይልምን። ነቲ ዝቀረቦ ውርደት ተቀቢሉ ነቲ ዓቢይ ውህበት ምሕረቱ መልሲ የጽዕቆ።

ኣሕዋተይን ኣሓተይን! እግዚአብሔር ምሳና እውን ከምዚ ከምዝገብር ንሕሰብ! ብተግባራት ክነሕዝኖ እንከሎና ይሳቀ እንተኾነ ሓንቲ ድላይ ጥራያ ኣላቶ! ንሳ ከኣ ንክምሕረና እዩ። እዚ ክርደኣና እንተደሊና ንመስቀሉ ንጠምት። ካብ ቅንዋቱ ካብቲ ብሽንካራትና ዝተወግኤ ቊስልታት እዩ ምሕረት ዝውሕዝ፣ ኣብ መስቀል ክርስቶስ ኣተኲርና ንጠምት እሞ ካብተን ‘ኣቦ መሓሮም’ ዝብላ ቃላት ዝጥዕማ ተቀቢልና ከምዘይንፈልጥ ንዘክር። ኣብ መስቀል ንዝተሰቅለ ክርስቶስ እሞ ንጠምት ርሕራሔን ሕያውነትን ዝመልኦ ገጽ ክንርኢ ኢና። ኣብ መስቀል ተዘርጊሔን ንዘለዋ ኣእዳው እሞ ንጠምት ከማኡ ኣቢሉ ኣእዳው ከፊቱ ሃንጐፋይ ቢሉ ዝቅበለና ማንም ከምዘየሎ ክንርዳእ ኢና። ስለዚ ‘ተመስገን ኢየሱሰይ! ተፍቅረኒ ወትሩ ከኣ ትምሕረኒ! ነዚ ከኣ ኣብቲ ከፍቅረካን ንገዛእ ርእሰይ ክምሕርን ኣብ ዝጽገመሉ ግዜ ከይተረፈ ትገብሮ’ ንበሎ።

ጐይታና ኢየሱስ ክስቀል እንከሎ ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ንዝከበደ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ የውዕል! ንጸላእትኻ ምፍቃር። ንዘቀየመና ሰብ እሞ ንሕሰብ! ዝዓገበና ዘታለለና ዘቈጠዓን ዘይተረደኣና ጽቡቅ ኣብነት እውን ዘይኮነና ሰብ ንሕሰብ እሞ! ብዛዕባ እቲ ዝገበረና ሕማቅ ነገር ክንደይ ግዜ ኢና ደጋጊምና ዘይንሓስብ! ሃየ እስኪ ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልና ኣብ ሕይወትናን ታሪኽናን ካልኦት ንዘቊሰሉና ቊስልታትና ንዘንን። ሕነ ምፍዳይን ምዕዝምዛምን ወጊድ ንበሎ። ከም ጐይታ ንሽንካራት ሕይወት ብፍቅሪ ንጽፍዒታት ጽልኢ ብልኡምነት ምሕረት ነሕዊ። እንተኾነ ሓዋርያት ክርስቶስ ንበሃል ንሕና ኣብነት መምህርናዶ ንኽተል ወይስ ብቂመ በቀል ንሕመስ! ብሓቂ ተኸተልቲ ክርስቶስ ምዃና ክንፍትሽ እንተደሊና ንዘቀየሙና ብከመይ ከምእንምልከቶም ነስተውዕል። ጐይታ ክንኮኖ ዘሎና እንክሕብረና ከም ዝስመዓና ወይውን ከምቲ ካልኦት እውን ከምኡ እዮም ዝገብሩ ንብሎ ዘይኮነ ከምቲ ንሱ ምሳና ዝገበሮ ክንምሕር ይዕድመና። ነቲ ኣሲሩ ሒዙና ዘሎ ‘ተፍቅረኒ እንተኾንካ ኤፍቅረካ! ዓርከይ እንተኾንካ ዓርክኻ እየ እንተደጊፍካኒ ክድግፈካ እየ’ ንዝብል ሰንሰለት ክንብንጥሶ ኣሎና። እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና ከም ውሉዱ ስለዝርእየና ንኩሎም ብዓይኒ ርሕራሔን ምሕረትን ክንምልከት ኣሎና። ሕያዎትን ክፉኣትን ኣዕሩኽትን ጸላእትን ቢልና ክንፈላሊ የብልናን። ነዚ እንገብር ንሕና ኢና፣ ንጐይታ ከኣ ነሕዝኖ። ንኣኡ ኩልና ፍቁራቱ ኰና ንነፍስወከፍና ኪሓቊፈናን ክምሕረናን ይደሊ።

‘ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም’ ይብል ኣብ ወንጌል ሉቃስ 23.34። ጐይታ ነዘን ቃላት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ዕፀ መስቀል ኰይኑ ቢልወን እንተኾነን እተን ኣብ መስቀል ዝጸንሐለን ሰዓታት ኣብ ከናፍሩን ኣብ ልቡን ይደጋገማ ነረን። እግዚአብሔር ካብ ምምሓርና ኣይስልቹን እዩ። ከምዚ ንሕና ሓንሳብ ሓንሳብ እንፍተኖ ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ ዝዕገስ እሞ ደሓር ዝገድፎ ኣይኮነን። ኢየሱስ ኣብ ወኒገሉ ከምዝምህረና ሉቃ 1.77 ናብ ዓለም ዝመጾ ካብ ሓጢኣትና ክምሕረና ከማኡ ከኣ ንሕና ብግደና ንኩሎም ክንምህርን ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ክንህብን ልኢኹና (ሉቃ 24.47)። ብምሕረት እግዚአብሔር ኣይንድከም፣ ምናዳ ንሕና ካህናት ነዚ ካብ ምስራዕ ምእመናን ከኣ ካብ ምቅባሉን ምምስካሩን ኣይንሰልቹ።

ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም’! ኣብዘን ቃላት እዚአን ክንግንዘቦ ዘሎና ካልእ ጉዳይ እውን ኣሎ! ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ጥራይ ኣይኮነን ዝምህለል ነቲ ምኽንያት እውን ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እናበለ ይገልጽ። እዚ ከመይ ቢሉ ይኸውን እንተበልና! ማለት እቶም ሰቀልቱሲ ብእዋኑ መዲቦም ፍርዱ ከመይ ከምዝኸውን ሓሲቦም ክሳብ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ኣብጺሖሙ ነቲ ኩነታት እናተዓዘቡስ ከመይ ቢሉ ኢየኡስ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ይብል! እነሆ እምበኣር ኢየሱስ ምሳና ዝገብሮ እዚ እዮ ጠበቃና ይኸውን። ተጻይና ኣይከይድን እንታይ ደኣ ተጻይ ሓጢኣትና ይቃለስ። እታ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም ትብል ሓረግ ተገርም እያ። ዓመጽ እንክትጥቀም ንእግዚአብሔር ትርስዖ ኢኻ ኣቦ ምዃኑ ኣይስቈረካን እቶም ካልኦት ኣሕዋት ምዃኖም እውን ትዝንግዕ። ኣብ ዓለም ከም እትነብር ረሲዕካ ትርጉም ኣልቦ ዘስካሕክሕ ጭካኔ ትፍጽም። ነዚ ኣብ ጽላሌ ውግእ ንዕዘቦ! እዚ ከኣ ንኢየሱስ እንደገና ምስቃል እዩ። እወ ኢየሱስ ሎሚ እውን እንደገና ፍትሒ ብዝጐደሎ ኣገባብ ሰማዕትነት ስለዝቅበሉን ስለደቀንን ብሓዘን ዝልለዋ ዘለዋ ኣደታት ኣብ መስቀል ይሽንከር ኣሎ። ሕጻናት ሓቊፎም ካብ ደብዳብ ቦምባታት ዚሃድሙ ዘለው ስደተኛታት ይስቀል ኣሎ። ኣብቶም ረዳኢ ዘይብሎም በይኖም ተሪፎም ዝሞቱ ዘለው ሽማግለታትን ንእስነቶም ተመንዚዖም ኣብ ውትህድርና ክሞቱን ኣሕዋቶም ክቀትሉን ኣብ ዝግደዱ መንእሰያትን ይስቀል ኣሎ።

ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም’! ነዛ ተሰሚዓ ዘይትፈልጥ ሓረግ ብዙሓት ይሰምዕዋ እንተኾነ ሓደ ጥራይ በይኑ ይቅበላ። ንሱ ኸኣ እቲ ኣብ ጐድኒ ኢየሱስ ተሰቂሉ ዝነበረ ገባር ክፉእ እዩ። ነዚ ሰብ እዚ ምሕረት ኢየሱስ ነታ ክትጽንቀቅ ቀሪባ ዝነበረት ተስፋኡ ኣበራቢራስ ‘ኢየሱስ ኣብ መንግሥትኻ ተዘከረኒ’ (ሉቃ 23.42) ክብል ኣኽኢላቶ ክንብል ንኽእል። እዚ ከኣ ‘ኩሎም ብዛዕባይ ረሲዖም እንከብቅዑ ንኣይ ንሰቃሊኻ ዘኪርካ። ስለዚ ኣባኻ ንዓይ ዝኸውን ቦታ እውን ኣሎ’ ኢልካ ከም ምሕሳብ እዩ። እቲ ፈያታዊ ዘየማን ሕይወቱ ኣብ ምዝዛማ እንከላ ንእግዚአብሔር ይቅበል በዚ ከኣ ሕይወቱ ብሓዲስ ትጅምር። ኣብ ገሃነመእሳት ምድሪ በተን ጐይታ ‘ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ ሎሚ ምሳይ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ክትህሉ ኢኻ’ ብዝብላ ቃላት ኢየሱስ መንግሥተሰማይ ኪኽፈት ይዕዘብ። እነሆ እምበኣር መስተንክር ግብሪ እግዚአብሔር ነታ ናይ መወዳእታ ልመና ሓደ ንሞት ዝተፈርደ ተቀቢሉ ኣብ ታሪኽ ቀዳማይ ቅድስናኡ ዝተኣወጀ ቅዱስ ይገብሮ።

ኣሕዋተይን ኣሓተይን! ኣብዛ ሶሙነ ሕማማት እግዚአብሔር ንዝኾነ ሓጢኣት ንዝኾነ ርሕቀት ምሒሩ ንሓዘን ናብ ታሕጓስ ክልውጦ ከምዝኽእል ንዝቀርበልና ርግጽነት ንቀበል (መዝ 30.12)። ምስ ኢየሱስ ንነፍስወከፍና ቦታ ከምዘሎ! ምስ ኢየሱስ ኣኸለ ተወዲኡ ደንጒኻ ዝበሃል ቦታ ከምዘይብሉ!  ርግጸኛታት ኢና። ምስ እግዚአብሔር ወትሩ ተመሊስካ ዳግም ብሕይወት ምንባር ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ምእንታና ናብ ኣቦ የማልድ ኣሎ (ዕብ 7.25)፣ ዓመጽ ዝመልኦን ዝቈሰለን ዓለምና እንተረኣየውን ኣይስልቹን ‘ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም’ እናበለ ይደግም።

ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ነታ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ዕግርግር ዘላ ሃገረ ፐሩ ዘኪሮም ‘ኣብ ብርቱዕ ማሕበራዊ ወጥሪ እትርከብ ሃገሩ ፐሩ ኩሎም ወገናት ክዛተዩ እሞ ሰለማዊ ፍታሕ ክትረኽቡ እምሕጸን፣ ነዚ ከኣ ናይ ኩሎም ዜጋታትን ተቊዋማትን መሰል ብምርግጋጽ ግበርዎ’ ኢሎም።

ውግእ ደው ክብል ከይሰልቾና ክንጽሊ ነቲ ንእኖና ድንግል ማርያም ኣብ ግዜ ብሥራት ገብርኤል ዝበላ ማለት ‘ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ የልቦን’ ዝብላ ቃላት ደጊሞም ‘ጐይታ ነዚ መወዳእታ ዘይረኣዮ ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝቀዝፍ ዘሎ ውግእ እውን ደው ከብሎ ዝሰኣኖ የልቦን እሞ ንጸሊ። እንተወሓደ ኣብዚ በዓለ ፋሲካ ድምጺ ኣጽዋር ውግእ ሱቊ ንክብል ተዂሲ የቋርጽ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም።   

ብድምጺ ንምክትታል!
11 April 2022, 11:08

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >