ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንፓትሪያርክ ኪሪል፥ ኣብታ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይን ገበርቲ ሰላም ንዅን! ር.ሊ.ጳ. ንፓትሪያርክ ኪሪል፥ ኣብታ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይን ገበርቲ ሰላም ንዅን! 

ር.ሊ.ጳ. ንፓትሪያርክ ኪሪል፥ ኣብታ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይን ገበርቲ ሰላም ንዅን!

ሞት ክርስቶስ መጀመርታ ሓድሽ ህይወትን ካብ ማእሰር ሓጢኣት ሓራ ምዃንን በዓለ ትንሳኤ ሓጐስና እንነብረሉ ኣጋጣምን እዩ ነይሩ፡ እዚ ድማ ካብ ጽላሎት ጸልማት ክሳዕ ብርሃን መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንበጽሕ ኣኽኢሉና እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዕለት 24 ሚያዝያ ናብ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ብሩኽ በዓለ ፋሲካ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ሰላምታ፥ “እቲ ካብ ሞት ናብ ሓድሽ ሕይወት ብክርስቶስ ዚሓልፍ መገዲ ነቲ ጸልማት ውግእ መዕለቢ ዝኾኖ ሓድሽ ወጋሕታ ሃንቀው ዝብል ንዘሎ ህዝቢ ዩክረይን ጋሂድ ይዅኖ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ፍቝር ሓው! እቲ ካብ ሞት ናብ ሓድሽ ህይወት ኣብ ክርስቶስ ዚሓልፍ ዓብዪ በዓለ ትንሳኤ ነቶም ንጸልማት ውግእ መወዳእታ ዚገብረሉ ሓድሽ ወጋሕታ ሃረር ንዝብል ዘሎ ህዝቢ ዩክረይን ጋህዲ ምእንቲ ኪኸውን፡ መንፈስ ቅዱስ ንልብና ይቐይሮ፡ ብፍላይ ከኣ ነታ ብውግእ ዝዓነወት ዩክረይን ናይ ሓቂ ገበርቲ ሰላም ይግበረና”፥ ነዘን ቃላት እዚኣተን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪልን ንመላእ ካልኦት ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዘመሕላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘንበሩን እዛ መልኽእቲ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተሓቲማ ንንባብ ከም ዝበቕዔት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ከበድ ስቓይ ህዝብታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ እዋን እዚ ደቂ ሰብ “ብዓመጽን ብውግእን ማእለያ ብዘይብሉ ኢፍትሓውነት ተደቝይሱ ዘጓንፎ ዘሎ ስቓይ፡ ስቓይ ሰብኣዊ ስድራ ቤትና ምሉእ ብምሉእ ከም ዝስምዖም” ገሊጾም እዚ ዅሉ መከራ እናሃለወ ክነሱ “ክሳዕ ሕጂ ነቲ ኵሉ እከይን ስቓይን እዛ ዓለም እዚኣ ናቱ ዝገበረ ጐይታ ብሞሳ ንርኢ ኣሎና፥”

ሞት ክርስቶስ መጀመርታ ሓድሽ ህይወትን ካብ ማእሰር ሓጢኣት ሓራ ምዃንን በዓለ ትንሳኤ ሓጐስና እንነብረሉ ኣጋጣምን እዩ ነይሩ፡ እዚ ድማ ካብ ጽላሎት ጸልማት ክሳዕ ብርሃን መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንበጽሕ ኣኽኢሉና እዩ!

ብተወሳኺ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብራቓውያን ፓትሪያርካት ንሓድሕዶም ክጽልዩ ከምኡ እውን “ነቲ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ መልእኽቲ ዝኾነ ወንጌልን ቤተ ክርስቲያን ናይ ድሕነት ኣድማሳዊ ምስጢር ትውክልቲ ምዃናን እሙን ምስክርነት ዘቕርቡ” ንዅን፡ በዚ ከምዚ “ኵላቶም ብመንፈስ ቅዱስ ናብ መንግስቲ ፍታሕን ሰላምን ሓጐስን ኪኣትዉ ይኽእሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል ብምስማዐ ርእየት ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳጳሳትን ፓትሪያርክ ክሪልን

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 16 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ዩክራይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ማሕበረ ክርስቲያን ሰላም ኣብ ምድንፋዕ ዘለዎ ግደን ዘተኮረ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ ምስ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ብቐጥታ ኣካይዶም ከም እተዘራረቡ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ፥ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ “ንምጥፋእ” ክሕግዙ ተማሕጺኖም፡ ከመይሲ እቶም “ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍሉ” ኣብ ትሕቲ ቦምብታት ዝሞቱ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን እያቶም” ቢሎም “ቤተ ክርስቲያን ቋንቋ ፖለቲካ ዘይኮነስ ቋንቋ ኢየሱስ ክትጥቀም ኣለዋ” ከም ዝበሉ የዘኻኽር።

ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳጳሳትን ፓትሪያርክ ኪሪል ክካየድ ዝነበሮ ርክብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት ዕለት 22 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ምስቲ ላ ናሲዮን ምስ እተሰምየ ናይ ኣርጀንቲና ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ወርሒ ሰነ 2022 ዓ.ም. ምስ ፓትሪያርክ ኪሪል ኣብ ኢየሩሳሌም ንኽራኸቡ መደብ ከም ዝነበሮም ገሊጾም ኮይኑ ግን እቲ ርክብ ከም እተሰረዘ፥ ሃገረ ቫቲካን ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣነን ፓትሪያርክ ኪሪል ከነካይዶ መዲብናዮ ዝነበርና ካልኣይ ርክብ፡ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ነቲ ርክብ ብዙሕ ምድንጋራት ከውህቦ ስለ ዝኽእል ብዝብል ምኽንያት ምስራዛ የጒህየኒ” ቢሎም፥ ይዅን እምበር ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባትና ኣብዚ ህሞት እዚ ኣብ መንጐና ክግበር ዚነበሮ ርክብ ናብ ብዙሕ ምድንጋራት ክመርሕ ይኽእል ዝብል እምነት እውን ኣለዎ” ከም ዝበሉን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኵባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

26 Apr 2022, 16:36