ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስሪ ላንካ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ክጻረ ይምሕ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስሪ ላንካ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ክጻረ ይምሕ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስሪ ላንካ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ክጻረ ይምሕ

በጃዅም ንፍትሒ ካብ ዘለኵም ፍቕሪ ንህዝብዅም ካብ ዘለኵም ፍቕሪ ተለዓዒልኩም ነቲ ኣብ ስሪ ላንካ እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ተሓታቲ መን ምዃኑ ንጹር ግበርዎ። እዚ ኸኣ ንሕልናኵምን ሃገርኵምን ሰላም ኬምጽኣላ እዩ!

ሰበ ስልጣን ስሪ ላንካ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ማለት ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ልዕሊ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሳተፉ ዝነበሩ ምእመናን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት መብርሂ ክህብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ልዕሊ 3500 ዝኾኑ ኣብ ኢጣሊያ ዝነብሩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ስሪ ላንካ ተቐቢሎም ኣብ ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምሕጽንታ ኣቕሪቦም፥ ሓቂ “ንሕልናን ንሃገርን ሰላም ተምጽእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 21 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሰለስተ መቐበሊ ኣጋይሽን ብዝተፈጸመ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 250 ዜጋታት ንሞት ብዙሓት ከኣ ንፎኪስን ከቢድን ማህሰይቲ ከም ዘቃልዔ ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ሳልሳይ ዓመት ዝኽሪ እቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትልት ኣብ ኢጣሊያ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ስሪ ላንካ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ንሰበ ስልጣን ስሪ ላንካ

በጃዅም ንፍትሒ ካብ ዘለኵም ፍቕሪ ንህዝብዅም ካብ ዘለኵም ፍቕሪ ተለዓዒልኩም ነቲ ኣብ ስሪ ላንካ እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ተሓታቲ መን ምዃኑ ንጹር ግበርዎ። እዚ ኸኣ ንሕልናኵምን ሃገርኵምን ሰላም ኬምጽኣላ እዩ!

ዝብል ምሕንጸት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስሪ ላንካ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ክጻረ ይምሕጸኑ
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስሪ ላንካ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ክጻረ ይምሕጸኑ

ትንሳኤ ናይ ተስፋ ብርሃን እዩ

ቅዱስነቶም ንዅሎም ነቶም ግዳያት ዓመጽን ውግእን ብፍላይ ከኣ ግዳያት ግብረ ሽበራ ዝኾኑ ሰባት ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ሰላም ምሳኻትኵም ይዅን ብዝብል ጸሎት ዘኪሮም ካብቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝደሓኑ ኣካሎም ዝሰንከሉ ቆልዑ ዝርከብዎም ካብ ስሪ ላንካ ዝመጹ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከም እተሳተፉን፥ ንዅሎም “እቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ጐይታ ጥራይ እዩ መድሓኒና” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩን፥

ሰባት ኪፍጽምዎ ዘይክእሉ ዜምስል ገሊኡ ተግባራት ዘስካህክሕን ትርጒም ኣልቦን ግብረ እከይ ምዃኑ ንጹር እዩ። ስለዚህ ከኣ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝኾነ ንጹሕን ቅዱስን ንኸድሕነና ቢሉ ስለምታይ ኣብ መስቀል ከም ዝሞተ ነስተውዕል፡ ንሱ ሞት ጥራይ ዘይኮነ ጭካነ እከይን ጽልእን ዓመጽን እውን ከይተረፈ ናቱ ገይሩ ተሰቒሉ እዩ። መስቀሉን ትንሳኤኡን ኣብቲ ብርቱዕ ጸልማት ብርሃን ተስፋ እዩ። ሎሚ ምእንቲ ዅሎም እቶ ግዳያት ዓመጻን ውግእን ብፍላይ ከኣ ግዳያት ግብረ ሽበራ ዝኾኑ ሰባት ንጸሊ!

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስሪ ላንካ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ክጻረ ይምሕጸኑ
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስሪ ላንካ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ክጻረ ይምሕጸኑ

 ጸሎት ምእንቲ ስሪ ላንካ

ቢሎም ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብታ ደሴት ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝኾነት ሃገረ ስሪ ላንካ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘኪሮም፡ ምእንቲ ማሕበረሰብ ስሪ ላንካን ኣብታ ሃገር ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን፥

ምእንቲ እቶም ሰበ ስልጣን ኣመሓደርቲ ህዝቢ ምእንቲ እቶም ማሕበራውን ስነ ሕንጸታውን ሓላፍነት ዘለዎም ከምኡ እውን ምእንቲ ኵሎም ሰባት ንጸሊ። እዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ብህርኵት ቃል ኪዳናዊ ጻዕርን ብምትሕብባርን ይፈታሕ፡ ምእንቲ ኣብ ስሪ ላንካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንጸሊ - ብኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ዝኾነት ማርያም ብምፈንስ ቅዱስ ተመሊኣ ናይ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ብሓጐስ ተበስር!

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስሪ ላንካ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ክጻረ ይምሕጸኑ
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስሪ ላንካ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ፋሲካ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ክጻረ ይምሕጸኑ

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ነቶም ካብ መላእ ኢጣሊያን ገሊኣቶም እውን ካብ ስሪ ላንካ ካብቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝደሓኑ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ነቶም ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ስሪ ላንካ መሪሖም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ናይ ኮሎምቦ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማልኮልም ራንጂት ንዝኽሪ እቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. በዓለ ትንሳኤ ዝተቐትሉ ኵሎም እቶም 3500 ኣብቲ ርክብ ዝተረኽቡ ማሕበረሰብ ስሪ ላንካ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ኣፍሊጡ።

ንዝኽሪ እቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. በዓለ ትንሳኤ ዝተቐትሉ ኵሎም እቶም 3500 ኣብቲ ርክብ ዝተረኽቡ ማሕበረሰብ ስሪ ላንካ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ
26 Apr 2022, 16:51