ድለ

03-04-2022 Viaggio Apostolico a Malta - Santa Messa nel Piazzale dei Granai, in Floriana 03-04-2022 Viaggio Apostolico a Malta - Santa Messa nel Piazzale dei Granai, in Floriana 

ንእግዚአብሔር ዝከላኸሉ ዓሳኽር ንጉሥ ኮይኖምሲ ያኢ ንሰላም ቤተክርስትያን ዘስተናዕቊ ኣለው! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 3 ሚያዝያ 2022 ዓም ኣብ ማልታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ልዕሊ 20 ሺሕ ምእመናን ከምዝተሳተፉ እንክምልከት ኣባላት ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት’ውን ነሮም፣ ‘ኣብ ኩሉ ዘመናት ንኢየሱስ ዘይምርዳእ ኣሎ፣ ምስ መስቀል ፈኸራ ውግእ ክሳብ ምግባር ይበጽሕ’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝብልዎ ዕብየት መለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔር ንምግላጽ ‘ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቀርብ ዝኾነ ይኹን ሓጢኣት ወይውን ውድቀት ምሕረት ረኺቡ ሓዲስ ሕይወት ንምጅማር ዕድል ዘይከፍት የሎን’ እንክብሉ፣ እግዚአብሔር ወትሩ ከምዝጽበየናን ናባኡ ኣብ ዝተመለስናሉ ህሞት ከኣ ዝተፈላለየ መንገድታትን ተኽእሎን ሓርነትን ድሕነትን ከምዝህበና ኣዘካኺሮም። ነዚ መለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔር ብኣካል ዝተቀበለትን ዘስተማቀረትን እታ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ተጠቂሳ ዘላ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ እያ። እዛ ሰብ እዚኣ ብምኽንያት ውድቀታ ተዀኒና ኩሉ ሓጐሳ ማህሚኑ ኣብ ቅድሚ እቶም ንሞት ዝዀነንዋ ቀባሕባሕ ክትብል እንከላ ኢየሱስ ከመይ ቢሉ ብምሕረቱ ከምዝተቀበላ ወንጌል የዘንቱ።

ምሕረት ዝምህር ምህረት!

እዛ ቀትሪ ዝጸልመታ ሰብ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ብክሲ ምስ ቀረበት ጠመተ ምሕረት ኢየሱስ ትቅበል እሞ ሕይወታ ይልወጥ፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣመለኻኽታ እቶም ከሰስቲ እውን ይልወጥ። ከመይ ንሶም እውን እታ ‘ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ ነታ ቀዳመይቲ ደንጐላ ይደርቢ’ እትብል ቃል ኢየሱስን ጠመተኡን ቃናኡን ብኩሉ ኩሉ ከምዝለወጡን በብሓደ ሕልናኦም ሓኽኾም ከምዘንሳሕቡን ይገብሮም። ንውግረትን ቅትለትን ዝመጸ ነተን ኣብ ኣእዳወን ዝነበራ ኣእማን ንደገ ደርቢዮም በብሓደ የንሳሕቡ።

“ጐይታ ንሕና ኣርድእቱ ዝኾና ከም ቤተክርስትያን ካባኡ ምሕረት ዝተቀበልና ዘይሕለሉ መሰኻኽር ምሥጢረ ንስሓ ኰና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣይከኣልን እትብሃል ቃል ቦታ ከምዘይብላ ሕያዋን መሰኻኽር ክንከውንን ኣማልኽ ወትሩ ከምዝምሕርን ክንዮ ድኻምነትናን ሓጢኣትናን ብኣና ኣሚኑ ወትሩ ከም ብሓዲሽ ንክንጅምር ዕድል ዝህበና ምዃኑ ክንገልጽ ይደሊ፣ በዚ ከኣ ጐይታ ወትሩ ንጥፉኣት ኣብ ምንዳይ ይርከብ ኢሎም።”

ንዝጠፍአ ምንዳይ!

ኣብነት እዛ ምሕረት ዝረኸበት ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ንሕና እውን ከም ቤተክርስትያን ኣብ ጉዳይ እቶም ምሳና ዘለው ዘይኮነ ነቶም ዝጠፍኡ እውን ክንደሊ ክንወፍር ከምዘሎና ትምህርቲ ወንጌል ክስቊረና የዘኻኽረና።

“ኣብቲ ዕለተ ክሲ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ መን ነበረ ጥፉእ እንተበልና ኣብ መንጎ እቲ ነቲ ጉዳይ ክርኢ ዓጒጉ ዝነበረ ሕዝቢ እቶም ከሰስትን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሽሕኳ ጻድቃንን ሕጊ እግዚአብሔር ዝሕልውን ብኩሉ ኩሉ ዝጠጥሑን እንተመሰሎም ዝጠፍኡስ ንሶም እዮም ነሮም።”

ሓደጋ ግጉይ ርድኢት ኢየሱስ!

እቲ ጸገም ከኣ እዞም ሰባት እዚኦም ጒድለታቶም ኣይረኣዮምን እንተኾነ ናይ ካልኦት ጒድለት ንምንዳይ ዘርክቦም ኣይነበረን፣ እቲ ቀንዲ ጸገሞም ብዛዕባ እግዚአብሔርን ምሕረቱን ዝነበሮም ርድኢት ግጉይ ነበረ፣ ሎሚ ንሕና እውን ብዛዕባ ኢየሱስ ግጉይ ርድኢት ከይህልወና ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም።

“እዞም ሰባት እዚኦም ዝምህሩና ጉዳይ እንተልዩ ንሕና እውን ኣብ እምነትና ብሑቊ ምስልይነት በኪሉና ኣጻብዕትና ናብ ካልኦት ናይ ምውጥዋጥ ሓደጋ ከምዘሎ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ማሕበራትናን የጋጥም። ግጉይ ርድኢት ኢየሱስ ሒዝካ ናይ ምጒዓዝ ሓደጋ ወትሩ የጋጥም እዩ። ስም ኢየሱስ ኣብ ከናፍርካ ሒዝካ ብተግባርካ ክትሕክሕዶ እንከሎኻ እዩ። ነዚ ከኣ ዝተፈላለየ መፈክራት ምስ መስቀል ኢየሱስ ብምልዓል ከጋጥም ይኽእል።”

ጠመተና ንኩሉ የጋልጽ!

እንተደኣ ብሓቂ ናይ ኢየሱስ ኣርድእትን ሰዓብቱ ተመሃሮኡን ምዃና ዝገልጽ ጸሎትን ኣብ ሥርዓታት እምነትን ምስታፍ በይኑ እኹል ኣይኮነን፣ ዝተወራረቀ ደጋዊ ሕይወት ዘይኮነ ውሳጣዊ ድኽነት’ዩ ዝዓበየ መዝገብ ደቂሰባት። እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ጠመተይ ናይ ምሕረት ጠመተ ድዩ ወይስ ናይ ፍርድን ምስትንዓቅን ጠመት! ቢልና ነስተንትን ኢሎም።

“ናብ ካልኦት ኢዱ እናኣወጣወጠ እምነት ዝከላኸል ዝመስሎ ኣይሰኣንን እንተኾነ፣ መንፈስ ወንጌል ኣብ ልቡ የሎን ከመይ ነቲ ልቢ እግዚአብሔር ዝኾነ ምሕረት ይርስዕ ኣሎ። ንኢየሱስ ዘድልዮ ድሕነት ንዘድልዮ ገና ከኣ ከምዘይበጽሔ ኰይኑ ንዝስምዖ ምቅባል እዩ። እዚ ከኣ ንጐይታ ዘገድሶ ደጋዊ ምብልጭላጭ ዘይኮነ ኣብ ልቢ ዘላ ሓቂ እያ። ንልብና ንሓቂ እንተከፊትና ኣባና ተኣምር ክፍጸም ክንርኢ ኢና።”

ፍቅሪ ተኣንጊብካ ምእራም!

እታ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ዚኣክል ውርደትን ጸርፍን ሰፍ ዘይብል መቅጻዕትን ተቀቢላ ሞታ ክትጽበ እንከላ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ከምዝበጽሓ ንምልከት።

“ኣብ መንጎ ኢየሱስን እቶም ከሰስተን ንዘሎ ፍልልይ እሞ ንመልከቶ! እቶም ከሰስቲ ቅዱስ መጽሓፍ ጠቂሶም እዮም ዝኹንኑ፣ እቲ እቲ ብኣካል ኣባኡ ዘሎ ቃል እግዚአብሔር ነታ ሰበይቲ ተስፋኣ መሊሱ ሕይወት ይዘርኣላ። ካብዚ ፍጻሜ እንመሃሮ ዝዓበየ ጉዳይ ዝኾነ ትዕዝብቲ ብፍቅሪ እንተዘይተንቀሳቂሱን ፍቅሪ እንተዘይብሉን ነቲ ዝቅበሎ ዓቢጡ ምስትንፋስ ይኸልኦ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
04 Apr 2022, 17:26