ንእግዚአብሔር ዝከላኸሉ ዓሳኽር ንጉሥ ኮይኖምሲ ያኢ ንሰላም ቤተክርስትያን ዘስተናዕቊ ኣለው! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝብልዎ ዕብየት መለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔር ንምግላጽ ‘ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቀርብ ዝኾነ ይኹን ሓጢኣት ወይውን ውድቀት ምሕረት ረኺቡ ሓዲስ ሕይወት ንምጅማር ዕድል ዘይከፍት የሎን’ እንክብሉ፣ እግዚአብሔር ወትሩ ከምዝጽበየናን ናባኡ ኣብ ዝተመለስናሉ ህሞት ከኣ ዝተፈላለየ መንገድታትን ተኽእሎን ሓርነትን ድሕነትን ከምዝህበና ኣዘካኺሮም። ነዚ መለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔር ብኣካል ዝተቀበለትን ዘስተማቀረትን እታ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ተጠቂሳ ዘላ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ እያ። እዛ ሰብ እዚኣ ብምኽንያት ውድቀታ ተዀኒና ኩሉ ሓጐሳ ማህሚኑ ኣብ ቅድሚ እቶም ንሞት ዝዀነንዋ ቀባሕባሕ ክትብል እንከላ ኢየሱስ ከመይ ቢሉ ብምሕረቱ ከምዝተቀበላ ወንጌል የዘንቱ።
ምሕረት ዝምህር ምህረት!
እዛ ቀትሪ ዝጸልመታ ሰብ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ብክሲ ምስ ቀረበት ጠመተ ምሕረት ኢየሱስ ትቅበል እሞ ሕይወታ ይልወጥ፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣመለኻኽታ እቶም ከሰስቲ እውን ይልወጥ። ከመይ ንሶም እውን እታ ‘ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ ነታ ቀዳመይቲ ደንጐላ ይደርቢ’ እትብል ቃል ኢየሱስን ጠመተኡን ቃናኡን ብኩሉ ኩሉ ከምዝለወጡን በብሓደ ሕልናኦም ሓኽኾም ከምዘንሳሕቡን ይገብሮም። ንውግረትን ቅትለትን ዝመጸ ነተን ኣብ ኣእዳወን ዝነበራ ኣእማን ንደገ ደርቢዮም በብሓደ የንሳሕቡ።
ንዝጠፍአ ምንዳይ!
ኣብነት እዛ ምሕረት ዝረኸበት ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ንሕና እውን ከም ቤተክርስትያን ኣብ ጉዳይ እቶም ምሳና ዘለው ዘይኮነ ነቶም ዝጠፍኡ እውን ክንደሊ ክንወፍር ከምዘሎና ትምህርቲ ወንጌል ክስቊረና የዘኻኽረና።
ሓደጋ ግጉይ ርድኢት ኢየሱስ!
እቲ ጸገም ከኣ እዞም ሰባት እዚኦም ጒድለታቶም ኣይረኣዮምን እንተኾነ ናይ ካልኦት ጒድለት ንምንዳይ ዘርክቦም ኣይነበረን፣ እቲ ቀንዲ ጸገሞም ብዛዕባ እግዚአብሔርን ምሕረቱን ዝነበሮም ርድኢት ግጉይ ነበረ፣ ሎሚ ንሕና እውን ብዛዕባ ኢየሱስ ግጉይ ርድኢት ከይህልወና ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም።
ጠመተና ንኩሉ የጋልጽ!
እንተደኣ ብሓቂ ናይ ኢየሱስ ኣርድእትን ሰዓብቱ ተመሃሮኡን ምዃና ዝገልጽ ጸሎትን ኣብ ሥርዓታት እምነትን ምስታፍ በይኑ እኹል ኣይኮነን፣ ዝተወራረቀ ደጋዊ ሕይወት ዘይኮነ ውሳጣዊ ድኽነት’ዩ ዝዓበየ መዝገብ ደቂሰባት። እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ጠመተይ ናይ ምሕረት ጠመተ ድዩ ወይስ ናይ ፍርድን ምስትንዓቅን ጠመት! ቢልና ነስተንትን ኢሎም።
ፍቅሪ ተኣንጊብካ ምእራም!
እታ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ዚኣክል ውርደትን ጸርፍን ሰፍ ዘይብል መቅጻዕትን ተቀቢላ ሞታ ክትጽበ እንከላ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ከምዝበጽሓ ንምልከት።