ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ንግደት ናብ ማልታ ሕድሪ ንማርያም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ንግደት ናብ ማልታ ሕድሪ ንማርያም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ንግደት ናብ ማልታ ሕድሪ ንማርያም

ዓርቢ ዕለት 1 ሚያዝያ ድሕሪ ቐትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን ነቲ ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ኣብ ማልታ ዘካይድዎ መበል 36 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ንኣደ ኣምላኽ ሕድሪ ንኽብሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ወትሩ ቅድሚ ዝኾነ ይዅን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝፍጽምዎ ዕለት 1 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ምሸት ሮማ ናብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ባዚሊካ ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ተረኺቦም ነቲ ካብ ዕለት 2 – 3 ሚያዝያ ኣብ ማልታ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሕድሪ ሂቦም ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓርቢ ዕለት 1 ሚያዝያ ድሕሪ ቐትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን ነቲ ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ኣብ ማልታ ዘካይድዎ መበል 36 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ንኣደ ኣምላኽ ሕድሪ ንኽብሉ ናብ ቅድስተ ማርያም ባዚሊካ ዓቢይ ነጊዶም በማላድነታ ናይ ግሊ ጸሎት ኣቕሪቦም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተመልሱን እዚ ኣብ ማልታ ዘካይድዎ መበል 36 ናይ ክልተ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ሎሚ ዕለት 2 ሚያዝያ ጀሚሮም።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ኣብ ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ከምቲ መደባቱ ድማ ቀዳም ንጐሆ ኣብ ቤተ መንግስቲ ማልታ ሕንጻ ዓቢይ መምህር ንናይ ማልታ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝተረኽብሉ ጒባኤ፡ ብናይታ ሃገር መንግስቲ ንኽብሮም ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኵም መደረ ምስ ተሰምዐ ቅዱስነቶም መደረ ከምዘስምዑን ስዒቡ እውን ኣብ ደሴት ጎዞ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘታፒኑ ዝካየድ መደብ ጸሎት መሪሖም ተሳቲፎም ናይ ዕለት 2 ሚያዝያ ናይቲ ሓዋርይዊ መገሻ ውዕሎ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Apr 2022, 16:41