ድለ

ፍርህታትኩም ነንሕድሕድኩም ኣዕልሉ! ሽዑ ንሽዑ ክበኑ እዮም! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት ሃገረ ጣልያን

ካብ መላእ ሃገረ ጣልያን መንፈሳዊ ንግደት ናብ ሮማ ክፍጽሙን ብጸሎትን ኣስተንትኖን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ኣብ መበረ ጴጥሮስ ወጋሕ ትበል ለይቲ ክብሉ ንዝተጋብኡ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝሃብዎ ምኽሪ ብምሉእ ልቦም ንኢየሱስ ክደልዩን ዘለዎም ፍርሒ ኩሉ ኣብ ኢድ ክገድፍዎን ነንሕድሕዶም ክዘራረቡሉን ሓደራ ኢሎምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ድሕሪ በዓለ ትንሣኤ ዘላ ሰኑይ ንእሽቶ ፋሲካ ብዘስምዕ ፓስኰታ ዝብል ስም ሂቦም ከም በዓለ ፋሲካ እትበዓል ዓባይ በዓል ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብ ትንሣኤ ክሳብ ዳግማይ ትንሣኤ ዘሎ ሶሙን እውን ሳምንቲ ትንሣኤ ተባሂሉ ኩሉ ሥርዓታቱን ጸሎታትን ንናይ ዕለተ ትንሣኤ ትሕዝቶ የጋውሕ። እዞም ካብ መላእ ሃገረ ጣልያ ዝተጋብኡ መንእሰያት ከም መሪሕ ቃል ዝተዓጥቅዋን ነዊሕ ምስንዳው ዝገበሩላን ‘ሰዓበኒ’ እትብል ቃል ኢየሱስ እያ። እዛ ቃል እዚኣ በቶም ቀዳሞት ሓዋርያት ጀሚራ ክሳብ መወዳእታ ኢየሱስ ኣብ ቀላይ ጥብርያርዶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ዝበላ ኰይና ብቀንዱ ዝሰምዓ ዘበለ ብዘይ ነግፈረግ ንኩሉ ጠንጢኑ ብምሕዳግ ንኢየሱስ ከምዝስዕብ ዝገበረት ቃል እያ። ጴጥሮስን እንድርያስን ከምኡ እውን ደቂዘበዴዎስ ጐይታ ሰዓቡኒ ምስ በሎም መርበባቶም ሓዲጎም ከምዝሰዓብዎ ከማኡ እውን ማቴዎስ ወንጌላዊ ኣብ መንበር ቀረጽ ኰፍ ቢሉ ክሰርሕ ምስ ረኣዮ ሰዓበኒ ምስ በሎ ተንሲኡ ከምዝሰዓቦን ካልእ ንኣኡ ዝመሳሰል ጸዋዕታ ዝተፈላለዩ ሰባትን እተጠቃልል ኰይና መንእሰያት ሃገረ ጣልያን እውን ነዛ ቃል እዚ ብምግዋሕ ንጐይታ ክስዕቡ ካብ መላእ ሃገር ተኣኻኺቦም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ጸሎት ተጸምዱ።

ሃገረ ጣልያን ካብተን ለበዳ ኮቪድ 19 ብብርቱዕ ዝወቅዓን ብዙሕ ሞትን ውሸባን ካልእ ኣደራዕን ዝተቀበለት ኣብ ርእሲ ምዃና ንክልተ ዓመት መመላእታ ብሓንሳብ ምትእኽኻብ ተሓሪሙ ሰብ ብማዕዶ ማዕዶ ዝጐዓዘላ ኮይና እቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ሕዝቢ ዝሕዝ ሜዳታቶምን ቅርዓታቶምን ሆሆታኦምን ጉባኤታቶምን ተሓሪምዎ ድሕሪ ምጽናሕ ሰኑይ ምሸት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ጽምዋ ልዕሊ ሚእቲ ሺሕ ዝኾኑ መንእሰያት ምስ ካህናቶምን መማህራኖምን ነዛ ኣብ ላዕሊ ዝበልናይ መሪሕ ቃል ኣብ ዓበይቲ ሰሌዳታትን ነጸላታትን ጽሒፎም እናኣወዛወዙ ብዝተፈላለየ መዛሙርን መደባትን ጸሎቶም ኣዕረጉ።

ኣብቲ እዞም መንእሰያት እዚኦም ዝሃብዎም ምስክርነታት ብቀንዱ ኣብ ዘመን ለበዳ ኮቪድ 19 ዘሕለፍዎ ስቃይ ምናዳ ዘታትይዎምን ዘዕብይዎምን ዝኲስኲስዎምን ዝነበሩ ብዙሓት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ብኣልማማ ምሕላፎም ብዙሕ ከምዘሳቀዮም እንተኾነ እቲ ዳርጋ ከም ሱባኤ ክትብሎ እትኽእል ውሸባን በይንኻ ምስቃይን ንገሊኦም ምስ ጐይታ ከዕልሉን ነቲ ስቃይ ንካልኦት ብምግልጋል ናብ ጸጋ ክልውጥዎ ከምኸኣሉን ልዕሊ ኩሉ ግን ንሕይወት ፍልይ ብዝበለ መንጽር ተስፋን ሓጐስን ብዝመልኦ መንገዲ ንክዕዘቡ ከምዝሓገዞም ምስ ገለጹ ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ከም ምሕላፉ ደኣ ይሕለፍ እምበር ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዙሕ ከምዝኸበዶምን ስለሕዝቢ ክጽልዩን ንሕዝቢ ከጸናንዑን ዘሕለፍዎ ግዝያት ብምዝካር ሕጂ ከኣ ውግእ ኡክራይናን ራሻን ዘስዕቦ ዘሎ ስቃይን መከራን ምስ ኣዘኻኸሩ ዋጋ ውግእ ዝኸፍሉ ኩሉ ግዜ መንእሰያት ምኻኖም ገሊጾም።

መንእሰያት ንውግእ ዓቢ ዋጋ ይኸፍሉ!

ቅዱስነቶም እምበርዶ እዚ ዘይወግሕ ዝመስል ዝነበረ ዕጽዋ ሓሊፉ! ብሓቅዶ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መሊሳ ሕይወት ዘሪኣስ ብደቃ ደሚቃ ብዘስምዕ ቃና ኩሉ ኩሉ ሓሊፉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ከምዙይ ዝበለ ልዑል ቊጽሪ ዘለዎም መንእሰያት ብጣዕሚ ከምዝሐጎሶም ገሊጾም። ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዝገደፈሎም ስምብራታት ሓደ ንበይኖም ጨኒቅዎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓም ሕዝበይ ኩሉ ኣብ ገገዛኦ ተዓጽያ እንከላ ኣብ ትሕቲ ሓያል ዝናብ ለበዳ ኮቪድ ደው ክብል ዝጸልይዎ ዘኪሮም። እቲ ዘገርም ይብሉ ቅዱስነቶም ብዓይኒ ዘይረኤ ንእሽቶይ ታህዋስ ንዓለም ምሉእ ኣርዒዱስ ኩሉ ብፍርሒ ተሸቊሪራ ኣብ ገገዛኣ ተዓጽያ ነበረት። ሎሚ እዚ ኩሉ ፈዂሱልና እግዝአብሔር ይመስገን ታሕጓስ ፋሲካ ክንቋደስ ዳግም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምርካብና ዘሐጒስ እኳ እንተኾነ ማዕረ ማዕረኡ ገና ፍርሂ ኮቪድ ከይተቐንጠጠ ካልእ ብርቱዕ ደመና ፍርሒ ንዓለምና ወሪሩ ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ከምዘሻቀሎም ምናዳ ኸኣ ብመንእሰያት ከምዝሻቀሉ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“እቲ ዘሕዝን፤ ውግእ እናከገጣም ዝዓበየ ዋጋ ዝኸፍሉ፡ መሳቱኹም መንእሰያት እዮም። እቲ ዝቊጸ ሕይወቶምን ዕንወት ውሕስነቶምን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዓቢ ሕልምታቶም እውን ዓነውነው ኢሉ እይ ዝርገጽ። ኣብ ዕድመኹም ዝርከቡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ገና ብርሃን ትንሣኤ ክርእዩ ይጽበዩ ኣለው። እንተኾነ ኣጆኹም ኣጆና ተስፋ ብምንም ተአምር ክንቈርጽ የብልናን ኢሎም።”

ፈጺምኩም ተስፋ ኣይትቊረጹ!

ኣብ ዘመነ ትንሣኤ ካብ ዝቀርብ ንባባት ሓደ ዝኾነ ዮሓ 21.1-19 ዘሎ ሓዋርያት ብዓርቢ ስቅለት ተዳሂሎም ኩሎም ምስ ሓርበቶም ኣብቲ ናይ ቀደም ስራሖም ዓሳ ክገፉ ምስ ከዱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ ሰላም ንዓኻትኩም ክብል ኣብ መንጎኦም ምስ ተረኽበ ሕልሚ ኰይኑ ከምዝተራእዮምን እዚ ግልጸት እዚ ተበራቢሮም ዳግም ናብ ስብከተወንጌል ከምዝዋፈሩ ከምዝገበሮምን የዘንቱ።

ቅዱስነቶም ነቲ ፍጻሜ እንክዝክሩ ምሉእ ለይቲ ክገፉ ዝሓደሩ እንተኾነ ምንም ዘይሓዙ ሓዋርያት ጸሓይ ኣብ ምብራቃ ናባኦም ገጹ ዝመጽእ ሰብ ይርእዩ እሞ ገሊኦም ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሤኤ ክርስቶስ የለልዩ። እቲ ናይ ምስዓቡ ሕልምስ ይኹን እቲ ሽዓ ለይቲ ክረኽብዎ ዝሓሰቡ ዓሣ ኩሉ ተሳኢኑስ ኣብ ዕርበቱ እንከሎ ጐይታ ብሓዲስ ንኩሉ ተስፋ ይመልሰሎም ናይቲ ሽዑ ጸገም እውን ይፈትሓሎም። ስለዚ መንእሰያት እውን ሕልሞም ኩሉ ክብተንን ተስፋኦም ኩሉ ክጽልምትን ኣብ ዝረኣዩሉ ግዜ ነዛ ፍጻሜ ኣዚኣ ብምዝካር ብምንም ተኣምር ተስፋ ክቈርጹ ከምዘይብሎም ከምዚ ክብሉ መሃርዎም።

“ርግጽ እዩ ኣብ መነባብሮ ሕይወት ኣብ ፈተነ ትኣትወሉ ግዝያት ኣሎ። ምናዳ ተኣፋፍነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋን ኣብ ሚዛንን ክወርድ እንከሎ ናብ ተስፋ ቊርጸት ገጹ ክመርሓና ይኽእል። እዚ ተኣፋፊ ኩነትና ካብቲ ብደገ ዝመጽእ ዘፍርህ ነገር ንላዕሊ የፍርሃና። እንተኾነ ገሊጽካ ምስ ብጻይካ ክትዛረበሉ ከሎኻ ይበንን። ስለዚ ጸልማት የፍርሃኒ እዩ ቢልካ ንብጻይካ ፍርህኻ ንምግላጽ ኣይትፍራህ ኢሎም።”

ፍትህታትካ ምስ ብጾትካ ምዕላል!

ፍርሂ ዝበሃል ንሓደ ሰብ ናይ በይኑ ኣይኮነን! ወይውን ፍርሂ ክስመዓካ እንከሎ ንዓኻ ንበይንኻ ኣይኮነን እንክብሉ ፍርሂ ንበይኑ ንሓደ ግለሰብ ጥራይ ዘጥቅዕ ከይመስሎም ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ኣብ ኩልና ዘሎ ምዃኑ ገሊጾም። ነፍስወከፍና ፍርሂ ይስመዓና እዩ። እታ ዝበለጸት መድሃኒት ከኣ ነዚ ፍርሂ እዚ ምስ ሓደ እንኣምኖ ዓርክና ክንዘራረበሉ ኣሎና። እዚኣ ዓባይ መባረሪት ፍርሂ እያ። ከመይ ፍርህታትና ኩሉ ግዜ ኣብ ጸልማት ኣብ ሕቡእ ቦታ ኰይኖም እዮም ከሳቅዩና ዝፍትኑ። እንተደኣ ናብ ብርሃን ወጺእና ሓቂ ክግለጽ እንተኽኢሉ ሽዑ በኒኖም ይጠፍኡ። ስለዚ መንእሰያት ተስፋ ኣይትቊረጹ። ምናልባት ፍርሂ እንተተሰሚዕኩም ናብ ብርሃን ናብ ቃልዕ ኣምጽእዎ ሽዑ ክበንን እዩ እሞ ጽቡቅ ክስመዓኩም እዩ። ብዓንዲ ርእሱ ከኣ ናብ ወትሩ ኣነ እየ ኣጆኻ ኣይትፍራህ ዝብል ኢየሱስ ምቅራብ የድሊ ኢሎም።

ንኢየሱስ ንምድላይ ትብዓት የድሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ንመንእሰያት ብምዝልከት ምናዳ ኣብ ጒብዝና ዘለው መንእሰያት ወትሩ ምጥርጣር ከምዘጥቅዖም እዚ ኸኣ ፍርሂ ከምዝፈጥረሎም ነዚ ዝኸውን ቀንዲ ፈውሲ ከኣ ነቲ ምጥርጣር ብሱሩ ንምእላይ ኣብቲ ምንጪ ሓቅን ሓቂ ብርእሱን ዝኾነ ጐይታ ክቀርቡ እሞ እታ ሓቂ ከኣ ካብዚ ፍርሒ እዚ ሓራ ከም እተውጽኦም ከምዚ ክብሉ መኸርዎም።

“ፍርህዶ ይስመዓካ ኣሎ! ፍርህዶ ይስመዓኪ ኣሎ! ኣጆኻ ኣጆኺ! ንኩሉ ኩሉ ናብ ብርሃን ናብ ቃልዕ ኣውጽኣዮ! ኣውጽእዮ! ብከመይ እንተበልካ እንተበልኪ! ንሓደ ትኣምኖ ሰብ ኣዕልሎ ወይውን ኣዕልልዮ። ተስፋ ቊርጸትዶ ይስመዓካ፡ኪ ኣሎ! ሓደ ብኢድካ፡ኪ ሒዙ ዘታቲ ኰንካ፡ኪ ትብዓት ልበስ፡ሲ። እዚ ዘታቲ ከኣ ጐይታ ኢየሱስ እዩ። ርኸቦ፡ብዮ! ኣብ ርእሲ እውን ኣብ ጽንኩር ግዜ ኣደ ክትኮነና ዝሃበና ኣዲኡ እኖና ድንግል ማርያም ወትሩ ኣብ ጐድንና ከምዘላ ዘይምዝንጋዕ። ከምቲ ናታ ንሕና እውን ጐይታ ክጽውዓና እንከሎ ሰዓበኒ ክበልና እንከሎ እንኹ ጐይታይ` ቢልና ብዘይነግፈረግ ንምምላስ ንሳ ትደግፈና ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
19 Apr 2022, 13:25