ካብ ጌጋና ገና ኣይተመሃርናን! ፍቅሪ ውግእን መንፈስ ቃኤልን የናውጸና ኣሎ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዘመልከትናዮ ኣብዚ ግዝያት እዚ ቅዱስነቶም ዘይተርፍ ኰይኑ ኣቀዲሙ ዝተመደበ መደባት እኳ ይፍጽሙ እንተለው ሃሞምን ቀልቦምን ግና ኣብቲ ዘስካሕክሕ ውግእን ዘስዕቦ ዘሎ ስቃይን ብምዃኑ ኣብዚ ቃለ መሕትት እዚ እውን ደቂሰባት ካብ ዝሓለፈ ጌጋን ኣይንምሃርን ክንመሃር ንደሊ እውን ኣይመስልን ብዘስምዕ ቃና ‘ኣይንመሃርን ኢና! ጐይታ ይምሓረና! እወ ንኩልናጉጐይታ ይራሕርሓልናን ይምሓረናን ከመይ ኩልና ዓገበይናታት ኢና’ እንክብሉ ምረቶም እንክገልጹ ኣብ ደሴት ማልታ ንዝተገብረሎም ተቅባል ብኣድናቆት ዘኪሮም። ሓፈሻዊ ጸብጻብ ናይቲ ሓውጾተ ኖልዎ ዝህቡ እንክመስሉ ብዛዕባ ጥዒናኦም ጀሚሮም ነቲ ጒዕዞ ብከምዚ ገሊጾም።
ጥዕናይ ቁሩብ ሕንቅቅ ዝበለ ይመስል፤ ኣብ ብርከይ ዘሎ ጸገም ከምዝሕንክስ እናገበረ ኣብ ምንቅስቃስ የጸግመኒ እንተኾነ ይመሓየሽ ኣሎ እንተወሓደ ክኸይድ ክኢለ።ቅድሚ ክልተ ሶሙን ዋላ ሓንቲ ክገብር እኽእል ኣይነበርኩን፤ቀስ ብቀስ ዚሓዊ እዩ እንተኾነ ኣብዚ ዕድመ’ዚ ኣይፍለጥን፤ ክሓዊ ተስፋ እገብር። ነዚ ገዲፍካ ኣብ ማልታ ኣብ ጎዞስ ይኹን ኣብ ማልታ ላ ቫለታን ካልእ ቦታትን ኩሉ ጽቡቅ ነሩ፤ እቲ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዚዛረብ ኩነታት ስደተኛታት ዝዓበየ ግድል ኰይኑ ይረኣየኒ! ኣብ ማልታ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግሪኽ ቆጵሮስ ጣልያንን እስጳኛን ብቀንዱ ንኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ቀረባ ብምዃኖም እቲ ጾር ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ክካፈላኦ ኣለወን፤ ኤውርጳ ብስደተኛታት ዝቆመት ኣህጉር ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፤ ሎሚ ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኣብ ዝበጻሕኩሉ ዝሰማዕክዎ ዘስካሕክሕ እዩ ምናዳ ናብታ ገሃነም ስደተኛታት ዝኾነት ገማግም ሊብያ ኣብ ዝርከብ ሃንገራት ምስ መለስዎም ዘጓንፎም ኣዳራዕ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ፤ እዚ ንልቢ ኩሎም ክትንክፍ ኣለዎ፤ ከምዚ ሕጂ ምስ ስደተኛታት ኡክራይና ዝገብርዎ ዘለዎ ነቶም ብመዲተራንያን ዝመጹ ስደተኛታት እውን ከማኡ ክገብሩ ኣለዎም። ንሓውጾተ ኖልዎ ማልታ በዚ እየ ዛዚመ፤ ስቃዮም ዳርጋ ነቲ ኣብ ኤርማኒቶ ንእሽቶ ሓወይ ዝብል ብቋንቋ እስፓኒሽ ዝተጻሕፈ ፍኖተመስቀል ስቃይ እዩ። ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ኣርባዕተ ግዜ ከምዝኸፈለ ኣዕሊሉኒ፤ እዚ ኽሕሰበሉ ዘለዎ እዩ ኢሎም።
ሓደ ካልእ ጋዜጠኛ ብዛዕባ እቲ ጋዜጣታት ዘጋውሕዎ ዘለው ኣብ ከባቢ ር እሰ ከተማ ኡክራይና ኣብ ቡቻ እትበሃል ቅሾት ተፈጺሙ ዝበሃል ህልቂት ጠቂሱ ናብ ኡክራይና ክበጽሑ ዝሓስቡ እንተኾይኖም ምስ ሓተቶም ነዚ ዚስዕብ መልሲ ሂቦም።
እዚ ዜና እዚ በዂሪ እዝነይ ሕጂ እሰምዖ ኣሎኹ፤ ስለዝነበርካኒ እንከመስግነካ ውግእ እዝን ካባኡ ዝኸፍእ ጭካኔን ዝፍጸመሉ ኢሰብኣዊ ተጻይ መንፈስ ሰብ እዩ ዝብሎ በዚ እዩ፤ መንፈስ ቃኤል እዩ። እንተ ምብጻሕን ክትዓርቅ ምፍታንን ኣነ ስንድው እየ፤ ቅድስት መንበር ምናዳ ክፍሊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ካርዲናል ፓሮሊንን ኣቡነ ጋላገርን ዝተኻእሎም ኩሉ ይገብሩ ኣለው፤ ዝገብርዎ ኩሉ ክነጋውሕ እኳ ዘይከኣል እንተኾነ ለይትን መዓልትን ይሰርሑ ኣለው፤ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ብቀዳምነት ፕረሲደንት ፖላንድ ንካርዲናል ክራየስኪ ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ስደተኛታት ኡክራይና ክበጽሖም ብዝሓተተኒ ክልተ ግዜ ዝተፈላለየ ረድኤት ሒዞም በጺሖም፤ እንደገና እውን ክኸዱ ዚከኣል እዩ፤ እንተ ናተይ ምስ ሓተቱኒ ተሓጒሰ እገብሮ ኢለ።ኣብ ጠረጴዛ ኣሎ፤ ይሕሰበሉ እውን ኣሎ። ከማኡ እውን ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምስ ፓትርያርክ ኪሪል ምርኻብን ካልእ ንማእከላይ ምብራቅ ዝምልከት ጉዳያትን ይስርሓሉ ኣሎ።
ሓደ ካልእ ጋዜጠኛ ዘቅረበሎም ሕቶ ቁሩብ ውጥምና ዘለዋ ኰይና ነቲ ንሶም ኣቅድም ኣቢሉ ቅድሚ ምጅማር ውግእ ምስ ፑቲን ዝተዘራረብዎ ኰይኑ እንታይ ከምዝበልዎን ሎሚኸ እንታይ ኮን ምበልክምዎ ትብል ነበረት።
ምስ ዝኾነ በዓል ሥልጣን ዝዛረቦ ኩሉ ግሉጽ እዩ፤ ግላዊ ጉዳይ የብለይን፤ ምስ ፓትርያርክ ምስ ተዘራረብኩ ናይቲ ዝተባሃልናዮ ጽቡቅ መግለጺ ሂቦም ነበሩ፤ ከማኡ እውን ምስ ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ፍጻሜ ዓመት ተዘራሪብና ነርና፤ ርሑስ ሓዲስ ዓመት ክብሉ ዝደወሉለይ ንሶም እንክኾኑ፤ ምስ ፕረሲደንት ኡክራይና ክልተ ዚዜ ተደዋዊልና፤ ውግእ ምስ ተጀመረ ናብ ኤምባስይ ሩስያ ከይደ ንዝስመዓኒ ተዛሪበ ከመይ ንሱ ወካሊ ሕዝቡ እዩ፤ ምስ ዓቢይ ሊቀጳጳስ ክየቭ አቡነ ሸቭቹክ እውን ተዘራሪበ፤ ኩነታት ክከታተል ከኣ ምስ ሓንቲ ጋዜጠኛ ከማኹም ኣብ ለዮፖሊ ዝነበረት ሕጂ ኣብ ኦደሳ ዘላ ኤሊዛበት ኢከ ኣብ ሳልስቲ እዘራረብ፤ ብዛዕባ ጋዜጠኛታት ካብ ዘከርኩ ከኣ ነቶም ኣብቲ ውግእ ዝሞቱ መንግሥተ ሰማይ የዋርሶም ንዓኹም ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም፤ሥራሕኩም ሓበሬታ ምሃብ ምዃኑን እዚ ከኣ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ምዃኑን ኣይትዘንግዑ፤ እቶም ዝሓለፉ ተባዓት እዮም ነሮም ኣነ ኸኣ ጐይታ ዝግብ ኦም ዓስቢ ኣብ ሰማይ ክህቦም ስለኦም እጽሊ ኢሎም።
ምስ ፑቲን ክትዘራረቡ ዕድል እንተትረኽቡ እንታይ ኮን ምበልኩምዎ ትብል ሕቶ እውን ሰዓበት።
ካብቲ ንኩሎም ሰበሥልጣን ዝብሎ ካልእ ፍሉይ ዝብሎ የብለይን፤ ክልተ ክልተ ዝርኢ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣብ ሕቶኻ ዝተሓብኤት ካልእ ሕቶ ብዛዕባ ፍትሓውን ኢፍትሓውን ውግእ ትምልከት ኣላ፤ ውግእ ኩሉ ግዜ ካብ ኢፍትሓውነት እዩ ዝውለድ፤ ፍትሒ ክጠፍእ እንከሎ ካልእ መጋበሪ ምስ ተሳእነ ናብ ውግእ ይእቶ፤ እቲ ጸገም ግን ዓለምናን መራሕታን መደብ ውግ እ እምበር መደብ ሰላም የብሎምን፤ ኣጽዋር ኲናት ስለምንታይ ምስ በልካ ንምክልኻል ይብሉኻ! እዚ ግን መደብ ውግእ እዩ፤ ኣብ ፍጻሜ ካል ኣይ ውግ እ ዓለም ምናዳ ድሕሪ ሄሮሺማን ናጋሳኪን ድሕሪ ደጊም ቶባእ ንውግእ ዝበልና ንመስል ነርና፤ ዓቢይ ሃረርታ ሠናይ ድላይ ነበረ፤ ድሕሪ ስሳ ዓመት ነዚ ኩሉ ረሲዕናዮ፤ደቂሰባት ካብ ዝሓለፈ ጌጋን ኣይንምሃርን ክንመሃር ንደሊ እውን ኣይመስልን ብዘስምዕ ቃና ‘ኣይንመሃርን ኢና! ጐይታ ይምሓረና! እወ ንኩልናጉጐይታ ይራሕርሓልናን ይምሓረናን ከመይ ኩልና ዓገበይናታት ኢና’ እንክብሉ ቃለ መሕትቶም ደምደሙ።