ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንካህናት ዝለገስዎ መጻሓፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንካህናት ዝለገስዎ መጻሓፍ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንካህናት ዝለገስዎ መጻሓፍ

ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ እተስተንትን መጻሓፍ ቅዱሳውን ፍልስፍናውን ጥቕስታት ዘሳዄዐት ዘመናዊ ቋንቋ ብምጥቃም ኣብዛ ብናህሪ እተቐያየር ዘላ ዓለም፡ ካህናት ንዘቕርብዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መምርሒ ክትከውን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 14 ሚያዝያ ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ባርኾት ቅዱስ ዘይቲ፡ ንዝሓበሩ ካህናት ኣብ ስፐይን ናይ ኣኻሲዮ ሰበኽ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፍራንሷው ኻቪየር ቡስቲሎ ፥ “መሰኻኽር ደኣ እምበር ሰበ ስልጣን ኣይኮንኵምን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ኣብዚ ብናህሪ ኣብ ዝቀያየር ዘሎ ዓለም ንዘገልግሉ ካህናት ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መምርሒ ክትከውን ብዝብል ሓሳብ ዝስደረስዋ መጽሓፍ ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ንጸሎተ ሓሙስ ኣብ ዘዕረገዎ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ባርዀት ቅዱስ ዘይቲ ንዝሓበሩ ካህናት፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ እተስተንትን መጻሓፍ ቅዱሳውን ፍልስፍናውን ጥቕስታት ዘሳዄዐት ዘመናዊ ቋንቋ ብምጥቃም ኣብዛ ብናህሪ እተቐያየር ዘላ ዓለም፡ ካህናት ንዘቕርብዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መምርሒ ክትከውን ብብጹዕ ኣቡነ ፍራንስዋ ኻቪየር ቡስቲሎ እተደርሰት መጽሓፍ ከም ዝለገሱን እዛ መጻሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ኣገልግሎት ካህናት ሓሳባት እትህብ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣትሒዙ ዝርአ ጉዕዞ ክሳዕ እቲ ክህንትን ቆሞስ ምዃን ካብ ኣማሓዳርነትን ቁምስና ናብ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ዝቕይር ዝርአ ሓደጋን ሓድሽ ብድሆታትን ኣቃልቦ ብምግባር ክህነት ኣገልግሎት እምበር ስልጣን ከም ዘይኮነ እተብርህ ነዚ ድማ ብቅዱስ መጽሓፍን ብስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን መርትዖታት ብምቕራብ እትሓንጽ መጽሓፍ ምዃና ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መንነትካ ምፍላጥ

እቶም ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ካብ ኪርከጋርድ ካሙስ ነልሰን ማንዴላ ክሳዕ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጥቕስታት ዘንበሩላን ብዛዕባ ትሕትናን ኣቦ ምዃን ከምኡ እውን ብዛዕባ ከጋጥም ዝኽእል ምስልካይን ፖለቲካዊ ሜላታትን ቦታኻ ምፍላጥን ዝብል ቅውም ሓሳብ መሰረት መብርህን ትንታነን ብምቕራብ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ፍጻሜታት ማለት ካብ ለብዒ ዝመጸ ሓድሽ ልምድታት ብዕምቆት እተተኵር መጽሓፍ ከም ዝኾነትን፥ ነዚ መሰረት ኣብዚ እዋን እዚ ክህነት፥ ጸዋዕታን ኣገልግሎትን ተልእኾን ምዃኑ ብጥቕስታት ቅዱስ መጽሓፍን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ በነዲክቶስ መበል 16ን ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ተመርኵይዛ እተብህር ምዃና ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ትንታነ ዛዕባ ህልው ኵነታት

ብጹዕ ኣቡነ ፍራንስዋ ኻቪየር ቡስቲዮ ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ካብ 2021 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ኣኻሲዮን ኮርሲካን ጳጳስ ኣብታ ዝደረስዋ መጽሓፍ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋናዊ ዓለም ካህናት ናይ ሓቂ መሰኻኽር ወንጌል ምዃን ኣድላዪ ምዃኑን ከምኡ እውን ስልጣን ዘይኮነ ኣገልግሎት ምዃኑ ክርድኡን ነቲ ብዙሕ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ንምስናፍን ዘመናዊ ብልሓትን ብቐሊሉ ክትርድኦ ብእትኽል ቋንቋን መሰረተ ሓሳብ የቕርቡ። ብዙሕ መዘኻኸርታት ዘንበሩላ መጽሓፍ ብምዃና ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንካህናት ወይ ንክህነት ዘጋጥሞ ዘሎ እተሓላለኸ ጒዳያት ዓሚቝ መሳጥን ንጹርን ኣስተንትኖ እተቕርብ እውን ምዃና ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Apr 2022, 17:12