ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ውግእ ደው ከብሉ ዝኽእሉ ንገዓር ሰላም ሰማዕቲ ይዅኑ

ኣብዚ ደቅሰብ ሰላምን ሓድነትን ንምርካብ ኣብ ዝጸምኣሉ ዘሎ ጽንከር እዋን፡ እቲ ኣብ መንጐ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዘሎ ኪዳን ፍረ ዘፍሪ ክኸውን፡ ንነፍሲ ወከፎም ኣብ ህይወቱ ምስክር ዘተን በረኸት ኣምላኽ ኣብ መንጐ ህዝብታት ኪዀኑ ህጹጽን ኣገዳስን እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሚያዝያ ካብ ውሽጥን መጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ድሕሪ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ኣጽዋር ዘተ ክስማዕን ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም ኣብዚ እዋን እዚ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕውነት ጸሚእዎ ኣሎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዘዕንው ውግእ ደው ንምባል ድልድል ሰላም ንምሕናጽ ናይ ህርኵት ጻዕሪ ቃል ኪዳን ኣሎ፡ ንሱ ኽኣ እቲ ኣብ መንጐ ኣረጋውያንን መንእሰያትን  ዚግበር ዘተ እዩ፥ መጻኢ ብሓድሽ መንፈስ ዘበግስ ምዃኑ እውን ኣጒሊሖም፡ ንዅሎም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ በቢ ቋንቋኦም ሰላምታ ከም ዘቕረቡን፥

ኣብዚ ደቅሰብ ሰላምን ሓድነትን ንምርካብ ኣብ ዝጸምኣሉ ዘሎ ጽንከር እዋን፡ እቲ ኣብ መንጐ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዘሎ ኪዳን ፍረ ዘፍሪ ክኸውን፡ ንነፍሲ ወከፎም ኣብ ህይወቱ ምስክር ዘተን በረኸት ኣምላኽ ኣብ መንጐ ህዝብታት ኪዀኑ ህጹጽን ኣገዳስን እዩ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣጽዋር ውግእይ ይተዓበስ

እቲ ኣብ መንጐ መንእሰያትን ኣረጋውትን ዘሎ ኪዳን ውግእ ደው ናይ ምባል መሰረታዊ ሃረርታ ክብ ዘብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቶም መራሕቲ ዓለም ነቲ ሰላም ዝግዕር ድምጺ ክሰሙዑን ሓንጐፋይ ቢሎን ንኺቅበልዎ ዚመርሖም እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

. . . ቅዱስነቶም ኣዋጅ ቅድስና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሻምናይ ዓመት የቑጽር ከም ዘሎ ኣዘኻኺሮም በማላድነት የቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እምነት ኣብ ኵሉ መዳይ ሕይወት ክንምስክርን መሰኻኽር እምነት ዚመልኦ ፍቕሪ ንኽንከውን ንጸሊ . . . ምስ በሉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንዝሕግዙ ኵሎም እውን ኣመስጊኖም . . . ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Apr 2022, 16:46