ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2022 ዓ.ም. ዓርቢ ስቕለት ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል ንስድራ ቤት ሕድሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2022 ዓ.ም. ዓርቢ ስቕለት ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል ንስድራ ቤት ሕድሪ  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2022 ዓ.ም. ዓርቢ ስቕለት ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል ንስድራ ቤት ሕድሪ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባይቲ ስድራ ኣብ እተወፈየ ዓመት ከምኡ እውን ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ምኽንያት ናይ 2022 ዓ.ም. ዓርቢ ስቕለት ኣብ ከተማ ሮማ ቅርዓት ኮሎሰዩም ዝዓርግ ጸሎት ፍኖተ መስቀል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2022 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ዓርቢ ስቕለት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ር.ሊ.ጳ. ኣሳቲፉ ዝካየድ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ነተን ኣብ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ማሕበረሰብን ጥርኑፋት ንዝኾና ወለንተይናታት ኣባይቲ ስድራ ብሕድሪ ከም ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባይቲ ስድራ ኣብ እተወፈየ ዓመት ከምኡ እውን ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ምኽንያት ናይ 2022 ዓ.ም. ዓርቢ ስቕለት ኣብ ከተማ ሮማ ቅርዓት ኮሎሰዩም ዝዓርግ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዝቐርብ ኣስተንትኖ ኣብ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ማሕበረሰብን ጥርኑፋት ንዝኾና ወለንተይናታት ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ሕድሪ ከም ዝሃቡ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ፥ ነፈሲ ወከፍ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል መስቀል ብዝስከማ ኣባይቲ ስድራ ክምራሕ እዩ። ቅድም ክብል ኣብ ወርሒ መጋቢት ተሓቢሩ ከም ዝነበረ እውን ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንኽልተ ዓመት ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅሮዓት ኮለሰዩም ዘይኮነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከም እተኻየደ ክዝከር እንከሎ፡ ናይ 2022 ዓ.ም. ናይ ዓርቢ ስቕለት ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

09 Apr 2022, 08:58