ድለ

ብሥራት ትንሣኤ ኣብ ቅዳሴ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ!

ንክልተ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ተሓሪሙ ዝነበረ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ፋሲካ ክርስቶስ ዘምጽኦ ሰላም ብዝተሓጐሱ ልዕሊ 50 ሺሕ ዝኾኑ ምእመናን ምስ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ውሉደ ክህነትን ብሓባር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንኪዓርግ ነዚ ከኣ መላእ ዓለም ብተለቪዥንን ካልእ መራኸቢ ብዙሓንን ከምዝተኸታተሎ ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ከኣ ቅዱስነቶም ብክፍቲ ማኪና ነቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ጐዳና ሪኮቺሊያስነን ዝነበረ ሕዝቢ ሰላምታን ሓዋርያዊ ቡራኬን ከምዝሃቡ ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ሽሕ’ኳ ንልቢ ብዙሓት ድሕሪ እቲ ንክልተ ዓመት ምስ መመላእታ ዘሻቀለ ለበዳ ኮቪድ 19 ካልእ ዝገደደ ንምሉእ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ዘሰነየን ገና እውን ብዝኸፍኤ መልክዑ ዝቅጽል ዘሎ ዕንወትን ህልቂትን ስደትን ውግእ ኡክራይናን ራሻን ኣሻቂሉ እንተሎ ሓጐስ በዓለ ትንሣኤ ግን ወትሩ ተስፋ ዝህብን ክንዮ ዝኾነ ሽግር ዝሰግር እምነት ዘስንቅን ብምዃኑ ‘ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን ብዓቢይ ኃይል ወሥልጣን’ ብምዝማርን እታ ንሱ ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ ንእትብል እተዘኻኽር ‘እምይዜሰ ኮነ ፍሥሓ ወሰላም’ እትብል ዜማ ምስ ተዜመ ስለሰላም መላእ ዓለምና ምናዳ ኸኣ ኣብ መንጎ ሩስያን ኡክራይናን ሰላም ክወርድ ንብዓት ዝተሓወሶ ምህለላ ቀሪቡ። እቲ ዝዓበየ ዓወት ፋሲካ እቲ ብብሥራቱን ኣብ ክርስቶስ ብምእማንን ዝርከብ ሕድገት ሓጢኣትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ብሰፊሑ ገሊጾም።

ብስሙ ዚኣምን ዘበለ ሕድገት ሓጢኣት ይቅበል!

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግብረ ሓዋርያት ኰይኑ እቲ ብፍርሂ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ምኽሓድ ዝበጽሐን ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ብፍርሂ ተሓቢኡ ዝነበረን ቅዱስ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሉ ብትብዓት ንትንሣኤ ክርስቶስ ክንዲ ኩሎም ሓዋርያት ኰይኑ ክሰብኽ እንከሎ ‘ንሕና ናይ ትንሣኤ ክርስቶስ መሰኻኽር ኢና። ንሱ ንሕያዋንን ንሙታን ዝፈረድ እዩ። ብኣኡ ዚኣምን ዘበለ ኩሉ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ክረክብ እዩ’ ዝበሎ ሎሚ እውን ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ኣማንን ተጠራጣርን ኪጋዋሕ ዘለዎ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣ ናብታ ካልአይቲ ንባብ ናይ መልእኽቲ ጳውሎስ ስግር ኢሎም ነቲ ሓዋርያ ‘ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም’ (ቆላ 3.1-3) ዝብል ለበዋ ኣዘኻኺሮም።

ነቲ ብቋንቋ ላቲን ዝቀርብ ማህሌት ትንሣኤን ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝቀርብ ንትንሣኤ ክርስቶስ ዝገልጽ ክፍሊ ባዶ መቃብር ዝረኸባ ኣንስትን ሓዋርያትን ነቲ ጐይታ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪሓልፍ ምዃኑ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ካብ ሞት ክትንሥእ ምዃኑን ነገርዎም ንዝበረ ዘዘንግዑ ሓዋርያት ኩሉ ጋን ዝኾኖምን ዘኪሮም ከኣ ኩሎም ምእመናን ንቁሩብ ደቃይቅ ብሱቊታ ንከስተንትኑ ዓዲሞም።

ድሕሪ ወንጌል ኣብ ዝቀረበ ጸሎት ልመና ምእመናን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ካብ ዝለዓሉ መንፈሳውያንን ስጋውያንን ሓለፍቲ ዓለምና ጀሚርካ ክሳብ እቶም ዝተሓቱ ብጸሎት ተዘኪሮም። ምናዳ ኸኣ ስለሰላምን ውህደትን ዓለምና ፍሉይ ምህለላ ቀሪቡ። ኣብ መወዳእታ ስለ ኩሎም ምውታን ምናዳ ኣብዚ ዕለተ ትንሣኤ ጐይታና ኩሎም ተሳተፍቲ መንግሥቱ ክኾኑ ምስ ተጸለየ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብቁርባንን ብሰላም ናይ ምእታው ቡራኬን ተፈጺሙ።

ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ካባኡ ወጻኢ ኣብ ጐዳናታትን ኰይኖም ምሳኦም ብሓባር ዝጸለዩን ሰላም ቢሎም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ኣብ ድሮኡ ብለይቲ ኣብ ዝገበርዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱሰንቶም ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 24 ንዘሎ ታሪኽ ትንሣኤ ብምትንታን እተን ንሬሳ ኢየሱስ ክቀብኣ ብለይቲ ዝተጓዕዛ ኣንስቲ ዘጋጠመን ብሰለስተ ቃላት ብምጥቅላል ባዶ መቃብ ምርኣይ መልኣኽ ዝበለን ኣስተውዒለን ምስማዕ ንትንሣኤ ክርስቶስ ምብሳር ከምዝነበረ ሎሚ ካባና ጐይታ ዝጽበዮ እውን እዚ ምዃኑ ገሊጾም።

እተን ብልበን ብዙሕ እናኣውረዳን እናኣደየባን ብለይቲ ዝጐዓዛ ዝነበራ ኣንስቲ መጀመርያ እታ ኣፍ መቃብር ከዲና ዝነበረት እምኒ ተገምጢላ ትጸንሐን ዝገደደ ከኣ ባዶ መቃብር። እዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወትና ዘጋጥመና ቀዳማይ ነገር ኰይኑ ምናዳ እቶም ምድሪ ምድሪ ጥራይ እናጠመትና እንኸይድ ኣብቲ ባዶ መቃብር ተዓኒድና ንተርፍ። እንተኾነ እዘን ኣንስቲ ዕድለኛታት ኰይነን ዘብለጭልጭ ክዳውንቲ ዝተኸድኑ ቅልቅል ይብልወን እሞ ‘ስለምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ አሎኽን፡ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሃብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ’። ድሕሪ ምርኣይ ባዶ መቃብር እትስዕብከስ እታ ኣስተውዒልካ ምስማዕ እያ፣ እታ ምስምዕ ከኣ ነቲ ቀደም ጐይታ ዝበለን ክዝክራ ኣኽኢልወን። ንሕና እውን ቃል ኣምላኽ ኣስተውዒልና ክንሰምዕ እንከሎና ከማኡ እዩ ዘጋጥመና።

ስዒቡ ዝመጽእ ገለ ንክትገብር ምንቅስቃስ እዩ። ምናዳ ታሕጓስ ፋሲካ ንበይንኻ ሒዝካዮ እትቅመጥ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከምቲ ወንጌል ዝትርኾ ሽሕ’ኳ ዘረባ ኣንስቲ ቢሎም እቶም ቀዳሞት ሰማዕቲ እንተኣስተናዓቅዎን ከም ዕሽነት እንተቈጸርዎን ንሰን ግን ናይ ዘለወን ኩሉ ሓይሊ ኣኻኺበን ነቶም ሓዋርያት ትንሣኤ ክርስቶስ ከበስራ ተዓጢቀን ነቀላ ኣበሰራ እውን። ነፍስወከፍ ክርስትያን እውን እዚ ስራሕ እዚ ከምዝጽበዮ ብምግላጽ ዓሚቊ ስብከት ኣቅሪቦም ነበሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

18 Apr 2022, 12:14