ፍራንቸስኮ ናብ መበል 95 ዓመት ልደቶም ናብ ዘብዕሉ በነዲክቶስ መበል 16 ብጻሕ ኣካይዶም
ዕለት 13 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሽዱሽተ ኣቢሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዞም ከም ዝፍጽምዎ ናብቶም ዕለት 16 ሚያዝያ መበል 95 ዓ.ም. ዓመት ልደቶም ንዘብዕሉ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 19 ኣብ ዝቕመጥሉ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ እመ ቤተ ክርስቲያን ገዳም ምብጻሕ ኣካይዶም ተራኺቦም እንቋዕ ሓጐሰኩም ቢሎም ናይ ብርኽ በዓለ ፋሲካ ምንዮቶም ኣቕሪቦም ቅርበቶም ኣረጋጊጾም ብሓባር ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ከምቲ በቢ ዓመቱ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰናይ ምንዮቶምን ቅርበቶምን ንምርግጋጽ ብምኽንያት በዓለ ልደት በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ብሩኽ ፋሲካ ምንዮቶም ንምግላጽ ናብ በነዲክቶስ መበል 16 ዘካየድዎ ምብጻሕ መሰረት እነሆ ዕለት 13 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ከም እተራኸቡ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዋና ሓላፊ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ “ድሕሪ ሓጺርን ሕውነታዊ ፍቕርን ዝዓሰሎ ርክብ ብሓባር ከም ዝጸለዩ” ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዕለት 16 ቀዳም ዘስዑር መበል 95 ልደቶም ከብዕሉ ከም ዝኾኑn ጆሰፍ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 16 ሚያዝያ 1927 ዓ.ም. ኣብ ኣብ ፈደራላዊት ጀርመን ግዝኣት ባቫሪያ ከም እተወልዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።