ፍራንቸስኮ፥ ውግእ ይወገድ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ይተሓገዙ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ንቤተ ክርስቲያን ዘድልያ ነገራት ዝድግፍን ነቶም ኣብ ሕድጋት ንዘለዉ ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕቤት ዘደንፍዕ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመስረተ ማሕበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ኣባላት ተቐቢሎም፥ “ነቲ ትምህርታውን ግብረ ሰናያውን ኤቅለስያውም ውጥናት ንምርግጋጽ ዘድሊ ደገፍ ንምርካብ ዝቐርብ እተፈላለየ ሕቶታት ኣአንጊድኵም እትህብዎ ጭቡጥ ምላሽ ናይ ምትሕብባርን ሰላምን ባህሊ ንምህናጽ ዝሕግዝ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘጒለሐ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብቐዳምነቶ ነቶም “ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዘለዉን ኣብ ስጋውን መብዛሕትኡ ግዜ መንፈሳውን ድኽነት ዝነብሩን” ስለ እተቕርብዎ ሓገዝን እተርእዮ ለጋስነትን ምስጋናይ አቕርበልኵም” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘበገሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ቅድስቶም ኣብዚ እዋን እዚ ውግእን “ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን” እናሀለወ ክነሱ ነቶም ኣብ ዩክረይን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከቡ ስደተይናታትን ግዳያትን ኣብ ምሕጋዝን ምክንኻንን ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ትካል ግብረ ሰናይ ምዃኑ እውን ብምዝኽኻር፡ ስለ እቲ ንር.ሊ.ጳጳስን ቤተ ክርስቲያንን ዘድልዮም ነገራት ንምድጋፍ ካብ 1988 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝዓዪ ምዃኑ ዘኪሮም ደጊሞም ስለ ሓገዞምን ምትሕብባሮምን ከም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ።
ትምህርታውን ግብረ ሰናያውን ኤቅለስያውን ውጥናት
ኣብ ሓያሎ ክፍልታት ዓለም፥
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ማሕበር ጳጳስ ኣብ መላእ ዓለም ንብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይንጽል ዕቤት ክረኽቡ ዘተባበዔን ድጋፍ ዘቕረበን እዩ። ብፍላይ ነቲ ትምህርታውን ግብረ ሰናያውን ኤቅለስያውን ውጥናት ዝምልከት ዝበጽሖ ናይ ደገፍ ሕቶታት ዝህቦ ምላሽ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምትሕብባርን ሰላምን ባህሊ ንምሃንጽ እትፍጽሞ ቀጻሊ ጻዕር ዝድግፍ እዩ
ኣዕናዊ ሳዕቤን ውግእ
እቲ ማሕበር ዘሳልጦ ናይ ሓገዝን ቅርበትን መደባት “ነቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዘለዉ ኣብ ስጋውን መንፈሳውን መብዛሕትኡ ግዜ መንፈሳውን ድኽነት ዝነብሩ ብፍላይ ማእከል ዝገበረ እዩ፡ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ኣብዚ ግዜና ውግእን ካልእ ዝተፈላለየ ግጭታትን ዘምጽኦ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ኣብ ዝረኣየሉ ዘለሉ እዋን ነቶም ግዳያት ስደተይናታት ከምኡ እውን ነቶም ገዛእ ርእሶምን ነቶም ዘፍቅርዎምን ሰባት ዝሓሸን ውሑስ ዝኾነ መጻኢ ንምርካብ ካብ ዓዶም ክወጹ ዝግደዱ ሰባት ክንክንን ግብረ ሰናይን ምቕራብ ከም ዘድሊ ተጠንቂቕኩም ትግንዘቡ ኢኻትኩም፥
ተግባርኩም ንዅሎም እቶም ካብ ለጋስነትኵም ቆራጽነትኵምን ዝጥቀሙ ሰባት ወንጌል ፍቕርን ተስፋን ምሕረትን ብጭቡጥ መገዲ ንኽበጽሖም ዝሕግዝ እዩ፡
ምእንታይን ምእንቲ ኣገልግሎተይን ጸልዩ!
ቢሎም ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ፥ ንጳጳስ ዝብል መጸውዕ ዘለዎ ምዃኑ ዘኪሮም፥ “ካብ ቅዋሜኡን ዕላማውኡን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድነት ዘለዎ ማሕበር እዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ - ምእንታይን ኣገልግሎተይን ከም እትጽልዩን ቤተ ክስቲያን ኣብ ዘድልያ ነገራት ብፍላይ ወንጌል ኣብ ምስፋሕ ከምኡ እውን ንምልዋጥ ልብን ኣብ ዝብል ተልእኾኣ ሓገዝኵም ከም ዘይፍለያ እምነተይ እዩ” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።