ፍራንቸስኮ፥ ግብረ ሰናይ ምስቲ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ ምዃን እዩ!
ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ስልሳታት ኣብ ብራዚል ድኻታት ኣብ ምግልጋል ንዝተጸምደ ኢጣሊያዊ በዓል ትካል ማርቸሎ ካንዲያ፥ “ኣብ ብራዚል እተቑምዎ ንድኻታት መውሃቢ ሕክምና ኣገልግሎት ብራዚላዊ ግበርዎ ሓደራ። እቲ ኣብኡ እትሃንጽዎ ቤት ሕክምና - ብራዚሊያዊ ግበርዎ” ዝበልዎ ምዕዳን ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብስም ማርቸሎ ካንዲያ ዝጽዋዕ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣባላት ዕለት 8 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገር አቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ጠቒሶም፡ ነቲ ናይቲ ማሕበር መስራት መንፈስ እሙናት ብምዃን ኣብ ኣብ ኣገልግሎት ግረ ሰናይ ክስጒሙ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ማሕበር ማርቸኮ ካንዲያ ንህሙማን ብደዌ ሕማም ንዝተጠቕዑ ኣብ ምግልጋል ዘካይዶ ግብረ ሰናይ ኣርብዓ ዓመት የቝጽር ከምዘሎን እዚ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል ዝርከቡ ድኻታትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ዘቕርቦ ክኸውን እንክሎ፡ እዚ ኣብ 1982 ዓ.ም. ዝቖመ ማሕበር ግብረሰ ሰናይ ማርቸሎ ካንዲያ ኣብ ስልሳታት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ንዝነበሩ ድኻታት ንምሕጋዝ ብዝብል ዕላማ ኢጣሊያዊ ኣዋፋርን በዓል ትካልን ካንዲያ ናብ ብራዚል ብምኻድ ዘበገስዎ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ቀጻልነት ውሑስ ዝገብር ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ሓገዝ ናብ ርእሰ ብቕዓት ዘሰንይ ይዅን
ቅዱስነቶም ነቲ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ዕለት 8 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ነቲ ማርቸሎ ካንዲያ ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተቐበሎ ቃለ ምዕዳን እሙን ብምዃን ዘበገስዎ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ቀጻልነት ንኽህልዎ ዝስዕብዎ ኣገባብ ኣጒሊሖም፡ እቲ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ትእዛዝ፥ “ንዅሎም እቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዕዮ ተዋፊሮም ንዘገልግላ ማሕበራት ግብረ ሰናይ እውን ዝምልከት እዩ” ቢሎም፥
ቅድም ቀዳድም ጳውሎስ ሻድሻይ ንካንዲያ ‘ኣብ ብራዚል ቤት ሕክምና እንተድኣ ደሊኵም ነቲ ቤት ሕክምና ብራዚሊያዊ ግበሮርዎ እዮም ዝበልዎም። እዚ ኸኣ እቲ ዝቐርብ ኣገልግሎት ኣብቲ ዝቐርበሉ ከባቢ ክውንነት ዝተሳዅዔ ክኸውንን ነቶም ደቂዓዲ ዘዋስእ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝሕብር እዩ። ካንዲያ ዋላ’ኳ ኣብ ኣቀራርባ ግብረ ሰናይ ናይ ዝተወለድሉ ዞባ ኢጣሊያ ዝግለጽ ገለ ገለ ባህርይእ ክህሉ ግንድ እዩ፡ እቲ እተቕርቦ ኣገልግሎት በሰፊሑ ናይቲ እተገልግለሉ ከባቢ ህዝቢ ባህልን ዘንጸባርቕ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ዝኾነ ይዅን ዓይነት እተቕርብዎ ኣገልግሎት ነቲ እትሕግዝዎ ሰብ ጽግዕተይናዅም እትገብርዎ ኣይትዅኑ፡ ሓሳብካ ኣብ ልዕሊ እቲ ደገፍካ ዘድልዮ ጸቕጢ ክህልዎ ዘይምግባር!
ሓደራ ከም ዝበሉን፥ ካንዲያ ከም በዓል ትካልን ኣዋፋሪ ሃብትን፥ “ብግሊ ናይ ምውሳን” ልምዲ ዝነበሮም እዮም።
ሸቶ ናይ ዝኾነ ይዅን ማሕበር ግብረ ሰናይ፥ ሓገዝ ዘየድሊ ክኸውን ዝብል እዩ
ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንካንዲያ ዝሃብዎ ካልኦ ለበዋ ኸኣ “ነቲ ቤት ሕክምና ንብራዚላውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ብራዚሊያዊ እውን ግበርዎ” ዝብል እዩ። እዚ ከኣ ግብረ ሰናይ - ን - ዘይኮነስ - ምስ - ማለት እዩ፡ ስለዚህ ናብቲ ግብረ ሰናይ ዘድልዮ ሰብ ምውራድን ኣብቲ ኣገልግሎት ነቲ ተገልጋሊ ተዋሳኢ ምግባርን ማለት ምዃኑ እንከብርሁ፥
እዚ ኣድላዪ ሓፈሻዊ ናይ ግብረ ሰናይ መስርሕ እዩ። ምስቶም ተቐበልቲ ሓገዝ ብሓባር ምዃንን ንኣኣቶም ብዘሳትፍ ኣገባብ ምቕራብ ማለት እዩ። ናይ ዝኾነ ይዅን ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ሸቶ - ግብረ ሰናይ ዘየድሊ ይዅን ዝብል እዩ። . . . ግብረ ሰናይ ሓገዝ ናብ ዘየድልየሉ ኵነት ዘሰንይ እዩ!
ንዞባዊ ማሕበረሰብ ምድጋፍ
ነቲ እተሳልጦን እተቕርቦን ኣገልግሎት ምስ ገዛእ ርእስኻ ምትእስሳር ዘለዎ ብምግባር ንገዛእ ርእስኻ ናይ ግድን ኣድላዪ ገርካ ምቕራብ ዘይኮነስ እቲ ግብረ ሰናይን ኣገልግሎትን ድሕረኻ እውን ቀጻልነት መታን ክህልዎ ኣብቲ ኣገልግሎት ሓገዝ ናይ እተቕርበሉ ከባቢ ማሕበረሰብ ተዋስኢ ምግባር የድሊ። . . .
እቲ ናይቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዕዮ መሳለጢ ዝምልከት ወጻኢታት ምስ ናይ ብራዚል ህልው ኩነታት ዝተጣምረ ወጻኢታቱ ትሑት እውን ብምዃኑ ከምቲ ደጋጊመ ዝብል እቶ ስልሳ ሚእታው ነቲ ናይቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ሰራሕተይናታት እቲ ዝተረፈ ኣርብዓ ሚእታዊ ከኣ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ክውዕል ምግባር ጽቡቕ ኣይኮነን። ስለዚ ንስኻትኵም ኣብቲ ምሉእ ብምሉእ ንድኻታት ዝብል ኣገልግሎትኵም በርትዑ ሓደራ
ቢሎም ናይቲ ማሕበር ኣባላትን እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይን ንቕድሚት ክስጒም ኣተባቢዖም ንዅሎ ነቲ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉን ነቶም ኣብ ኢጣሊያን ኣብ ብራዚል ንዝርከቡ ናይቲ ማሕበር ተሓባበርቲ ኵሎም እባርኽ እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።