ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 36 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ማልታ ኣትዮም
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 2 ሚያዝያ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ነተን ዶባተን ዘቋረጹለን ሃገራት ከምቲ ልሙድ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን ኣብቲ ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለገራም መልእኽቲ፥ “ናብታ ብጽባቔ ኵልዒት ዝኾነት ናይ ሽሕ ዓመታት መዕረፍን መንቀልን ወደብ ዘለዋ ሃገር እጓዓዝ ኣለዅ” ቢሎም ንህዝብን ሃገርን ኢጣሊያ ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣብ እኩባት ደሴት ማልታ ኣብ ዘካይድዎ መበል 36 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ፥ ላ ቫለታን ራባትን ፍሎሪያናን ጎዞን ክበጽሑ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ቅዱስነቶም ናብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ናብታ ኣብ ማእከል መዲትራኒያን እትርከብ ብብርሃን ኵልዕቲ ሃገር ዘካይዶ ምብጻሕ ብእምነት ኣሕዋት ምስ ዝኾኑ ክራኸብ ብሓቂ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓኒ - ቢሎም - ንብምሉእ ህዝቢ ኢጣሊያ ህድኣትን ሰላምን እምነ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ብነፋሪት ነቒሎም ሰዓት ዓሰርተ ማልታ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም ኣብኡ ብናይ ረፓብሊካዊት ሃገረ ማልታ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ዊሊያም ቨላን በዓልቲ ቤቶምን ብኽልተ ባህላዊ ልብስ ብዝለበሱ ዕንባባ ብዝሓዙ ሕጻናት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናይ ሃገረ ቫቲካንን ረፓብሊካዊት ማልታን ሰንደቓዊ መዛሙር ምስ ተሰምዔ ክቡር ዘበዓይና ንክብሮም ድሕር ዘቕረበሎም ሰላምታ ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶም ምስ ዝተሰነዩ ብርእሰ ብሔር ማልታ ተዓጂቦም ኣብቲ ኣብ 1571 ዓ.ም. እተሓንጸ ቤተ መንግስቲ ዓቢይ መምህር ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።