ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ዪክረይን ኣብ በዓለ ፋሲካ ቶኽሲ ደው ይበል፥ እቲ ደላይ ሰላም ህዝቢ ይሰማዕ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሚያዝያ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ዓመታዊ በዓለ መለኰታዊ ምሕረት፡ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ ምእመናን መሪሖምን ሓቢሮምን ጸሎተ ንስግስተ ሰማይ ደግሚሞ ምስ ኣብቅዑ፥ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ነቲ ሰላማዊ ሕዝቢ ዝወርዶ ዘሎ ስቓይ ቀረባ ብምዃን ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቶም ኣብ ውርሒ መጋቢት ናይ 2022 ዓ.ም. ካብ ከተማ ፐሩጃ ክሳዕ ከተማ ኣሲዚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጒዕዞ ንዝተሳተፉ ኣብቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ነተን ብመሰረት ዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዩስ በዓለ ትንሳኤ ንዘብዕላ ኣቢያተ ክርስቲያንን ምእመናተንን ሰናይ ትምኒቶም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ከምኡ እውን እቲ ንሰላምን ዕቝባን ሰላማዊ ህዝቢ ውሑስ ንምግባር ቆራጽ ጻዕሪ ክግበር ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት ምልስ ቢሎም ብምዝካር። ንዅሎም ክርስቲያን “እቲ ቅዱስ ዝኾነ ደሃይ ደወል ትንሳኤ ዘይኮነስ ናይ ሞት ደሃይ ኣጽዋር ንሰምዕ ብምህላውና ብሓቂ የሕዝን” ቢሎም፥
ነቲ ኣብ በዓለ ትንሳኤ ቶኽሲ ደው ክብል ዝቐረበ ጻውዒት አሐድስ፡ እዚ ኸኣ ሰላም ንምርካብ ባህጊ ከም ዘሎና ዝሕብር ንእሽቶ ጭቡጥ ምልክት እዩ ዝኸውን። ነቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጐይታ ኣብ በዓለ ትንሳኤ ሰላም ምሳኻትኵም ይኹን እንክብል ንደቀ መዛሙርቲ ንዝሃቦም ቃል ብምእዛዝ ንስቓይ እቶም ኣብ ጽንኵር ኩነት ዝርከቡ ህዝቢ ቀረባ ብምዃን ነቲ መጥቃዕቲ ደው ኣብልዎ።
ንመራሕቲ ዓለም ዘቕረብዎ ጻውዒት
ቢሎም ኣስዒቦም ሰላም ምእንቲ ክርከብ ኵሎም ጸሎቶም ከዕርጉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንመራሕቲ ዓለም፥
ኵሉ ምእንቲ ሰላም ዝጽልይ ጸሎቱ ክብ ከብልን ሰላም ተኻኣሊ ምዃኑ ዝገልጽ ትብዓቶም ከርእዩን ፖለቲካውያንን መራሕትቲ ዓለምን በጃኵም ድምጺ እቲ ግጭት ዘጋድዶ ዘይኮነስ፡ ድምጺ ናይቲ ደላይ ሰላም ናይ ዝኾነ ህዝቢ ስምዑ!
እቲ ውግእ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብመሰረት ዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዩስ በዓለ ትንሳኤ ንዘብዕሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እናሓሰቡ፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ነቲ ጽቡቕ ትጽቢታት ኣልባብ ብተስፋ ክምልኦ ምንዮቶም ኪገልጹ፥
በቲ ኣረመናዊ ውግእ ንዝሳቐ ዘሎ ኵሉ ሰላሙ ይጸግው፡ ሎሚ እዚ ውግእ እዚ ካብ ዚጅምር ካልኣይ ወርሒ ኣሕሊፉ ኣሎ። ኣክንዲ ዜቋርጽ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ እቲ ዜሕዝን ኣብዚ ንዅሎም ክርስቲያን ልዕሊ ኵሉ ዓቢይን ቅዱስን ማዕልታት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ደሃይ ደወል ትንሳኤ ዘይኮነስ ቀታሊ ደሃይ ኣጽዋር ይስማዕ ምህላዉ እዩ፥ ኣክንዲ ደሃይ ኣጽዋር ዘተ፡ ደሃይ ኣጽዋር ውግእ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ!
ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ነቶም ምእንቲ ሰላም ዝዓዩን ዝንቀሳቐሱን አመስግን
ቅዱስነቶም ኣብዚ ግጭትን መከራን ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እዚ፡ ነቶም ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብቲ በቢ ዓመቱ ካብ ፐሩጃ ክሳዕ ኣሲዚ ዝበጽሕ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጒዕዞ ንዝተሳተፉን ኣብቲ ዕለት 24 ሚያዝያ ሰላምን ምስጋናን ንኽምስክሩ ኣብ እተኻየደ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጒዕዞ ንዝተሳተፉ ኵሎም ሞሳኦም እንክገልጹ፥
ነቶም ካብ ፐሩጃን ኣሲዚን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ለምዘበን 2022 ዓ.ም. ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጒዕዞን ስለ ሰላምን ሕውነትን ኣሚቱ ዕለት 24 ሚያዝያ ኣብ እተኻየደ ምእንቲ ሰላምን ምስጋናን ናይ እግሪ ጒዕዞን ከምኡ እውን ካልኦት ኣብ እተፈላለያ ከተማታት ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ተመሳሳሊ መርኣያታት ሰላም ህያው ክኸውን እተሳተፉን ኵሎም አመስግን
ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።