ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንተመሃሮ ኣየርላንድ፥ ኣብ መናብርተ ጥበብ ሓቀይና ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣተባብዑ! ር.ሊ.ጳ. ንተመሃሮ ኣየርላንድ፥ ኣብ መናብርተ ጥበብ ሓቀይና ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣተባብዑ! 

ር.ሊ.ጳ. ንተመሃሮ ኣየርላንድ፥ ኣብ መናብርተ ጥበብ ሓቀይና ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣተባብዑ!

ኣብ ኢየሱስ ብሓቂ ንኣምን እንተ ድኣ ዄንና ከም ኢየሱስ ክንመላለስ፡ ማለት ምስ ካልኦት ክንራኸብ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ክንራኸብ ነቲ ዘድሕን ናይ ወንጌል ሓቂ ከነካፍሎም ክንጽዕር ኣሎና። ሰባት ብፍላይ ከኣ ክርስቲያን ከም ምዃንና መጠን ሓቂ ኣብ ምድላይን ንኻልኦት ካብ ልቢ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምውፋይን ዝነቅል ህይወት ንኸነስተውዕልን ክንነብርን ኣብዚ ንኽንዓብን ኢና ዝተፈጠርና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣየርላንድ በልፋስት ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ንግስት መምሃራንን ተመሃሮን ናይ መናብርተ ጥበብ ቆሞሳትን ተቐቢሎም፥ “ትርጉም እምነት ክርስትናን ቀንዲ ትርጉም ክርስቲያን ምዃን ማለት “ሓቂ ምንዳይን ገዛእ ርእስኻ ንኻልኦት ምውፋይን” ዝብል ምዃኑ ዘተሓሳስብ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ምጥማት ምስማዕ ጥራይ ዘይኮነ ጽን ምባል፡ ኣብ ጐድኒ ሰባት ምሕላፍ ዘይኮነ ደው ቢልካ ምርኻብን ምስኣቶም ምትሕብባርን” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣየርላንድ ቆሞሳት ነዚ ተልእኾ እዚ ክነብሩ ኣተሓሳሲቦም፥ ናይ ምርኻብ ባህሊ ቀዳምነት ሃብሉ” እንክብሉ ብምኽንያት ኣብ ኣየርላንድ በልፋስት ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዘንግስት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜኡ ነቲ መንበረ ጥበብ ዝውክሉ ተመሃሮን መምሃራንን ናይቲ መንበረ ጥበብ ቆሞሳትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ምርኻብ

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ንመንእሰያት ኣየርላንድ ብዛዕባ እቲ “ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሃብቲ ካቶሊካዊ ባህሊ” ከዕምቑን ከድንቑን “ብሓቀይና ወንጌላዊ መንፈስ” እውን ክዕምቝዎን ከማዕብልዎን “ኣብ መንጐኦም ናይ ምርኻብ ባህሊ” ኬማዕብሉ ሓቲቶም። ምኽንያቱ ኵሉ ነገር ካብቲ እትራኸብሉ እዋን እዩ ዝነቅል - ክርስትያናዊ እምነት ንባዕሉ “ብመሰረቱ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምራኻብ ማለት እዩ” እንክብሉ ከም ዘጒልሑን፥

ኣብ ኢየሱስ ብሓቂ ንኣምን እንተ ድኣ ዄንና ከም ኢየሱስ ክንመላለስ፡ ማለት ምስ ካልኦት ክንራኸብ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ክንራኸብ ነቲ ዘድሕን ናይ ወንጌል ሓቂ ከነካፍሎም ክንጽዕር ኣሎና። ሰባት ብፍላይ ከኣ ክርስቲያን ከም ምዃንና መጠን ሓቂ ኣብ ምድላይን ንኻልኦት ካብ ልቢ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምውፋይን ዝነቅል ህይወት ንኸነስተውዕልን ክንነብርን ኣብዚ ንኽንዓብን ኢና ዝተፈጠርና።

ናይ ምትሕብባር ቃፍላይ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ነቶም ተመሃሮ ናይ ብሕቲ ህርኵት ቃል ኪዳናዊ ጻዕሪ ክገብሩ ክሓትቱ እንከለዉ፥ እዚ ኽኣ “ናይ ምርኣይ ጒዳይ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምጥማት ጒዳይ፡ ምስማዕ ጥራይ ዘይኮነ ምስትውዓል እውን” ዘድልዮ እዩ። ምስ ሰባት ምርኻብ እምበር ብጥቓኦም ምሕላፍ እዅል ኣይኮነን፡ እንተዀነ እቲ ብሓቂ ዘገድስ ምሳታቶም ግዜ ምሕላፍ ኣድላዪ እዩ።” ጉዕዞኻ ንኻልኦት ምክፋል ምስ ዝኸውን “ዜሐጒስ” ምዃኑ እንክግለጹ፥

ሓቂ ንምርካብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ንሓድሕድና ንደጋገፍ ህይወትና ሓቀይና ናይ ምትሕብባር ቃፍላይ ተመክሮ ንምግባር ኢና እንጽዕር!

ቢሎም፥ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ “ነዚ ባህሊ እዚ ኣብ መንበረ ጥበባት ሃዋሁ ዘራጒድ” ክኸውን ይኽእል። በዚ ኸኣ “ነቲ ምእንጋድን ዕርቅን ንወንጌል እሙም ምዃንን ከምኡ እውን ቅድስና ንምርካብ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ዘይምሕላል ዝብል ክቡር ልምድታት ኣየርላንድ ህያው ንምግባር” ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Apr 2022, 16:41