ድለ

እግዚአብሔር ወትሩ ይምሕር! ር.ሊ.ጳ ኣእጋር 12 እሱራት እንኪሓጽቡ

መኽፈቲ ጸሎት ሳልስቲ ፋሲካ ዝኾነት ዕለት ጸሎተ ሓሙስ ብቅዳሴ ቡራኬ ቅዱስ ቅብዒ ጀሚሩ ብድራር ጐይታን ሕጽበተ እግርን ስለዝፍጸም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንግሆ ቅዳሴ ቡራኬ ዘይት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ፈጸሙ ኣማስያኡ ከኣ ኣብ ቺቪታቨክያ ክፍሊ ከተማ ሮማ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ከይዶም ድራር ጐይታ ብምሥራዕ ኣእጋር ዓሠርተ ክልተ እሱራት ብምሕጻብ እግዚአብሔር ወትሩ መሓሪ ስለዝኾነ ወትሩ ይምሕረና እንክብሉ ሰቢኾም።

ዜና ቫቲካን!

ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀቅድሚ ስቅለቱ ምስ ሓዋርያት ዝሠርዖ ዓቢይ ምሥጢር ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ንምብዓልን ፍቅሩን ትሕትናኡን ንዝገልጸሉ ኣእጋር ሓዋርያቱ ዝሓጸበሉን በዓል ንምዝካር ቅዱስነቶም ከምቲ ዓመት ዓመት ኣብዚ በዓል እዚ ዝገብርዎ ብዙሓት እሱራት ዝርከቡሉ ኣብ ቺቪታቨክያ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ብምኻድ ምስቶም እሱራት ድራር ጐይታ ሰሪዖም ኣእጋር ዓሠርተ ክልተ እሱራት ሓጺቦም። ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ኣብ ዝበጽሑሉ ሓለፍቲ ናይቲ ቤትማሰርቲ ተቀቢሎም ምስ ሓለውቲ ጸጥታን እሱራትን ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ዝርከብ ቤትጸሎት ኣብ ዝቀደሱሉ ናይ ሃገረ ጣልያን ሚኒስተር ፍትሒ እውን ከምዝተረኽቡ ተመልኪቱ።

ኣገልግሎትን ትሕትናን!

ነቲ ቅዱስነቶም ኣብ ቤትማእሰርቲ ቺቪታቨክያ ዝፈጸምዎ ተግባር ዝገለጹ ሓላፊ ቤትሕትመትን ዜናን ቫቲካን ማተዮ ብሩኒ ብቀንዱ ኣገልግሎትን ትሕትናን ኰይኑ ቅዱስነቶም እውን ኣብ ዝሃብዎ ስብከት ትርጉም ምሕጻብ እግሪ ኣብ ዘብርህሉ ‘ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለምና ምሕጻብ እግሪ ዘይንቡር ኰይኑ እኳ ዝረኤ እንተኾነ ምናዳ ከኣ ኣብ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይቲ ዝከሓዶን ኣሕሊፉ ዝሃቦን ይሁዳ ኣእጋር ከይተረፈ ምሕጻቡ ዝድንጽዎም ኣይሰኣንን። ኢየሱስ ግን ቅልል ብዝበለ መንገዲ ነንሕድሕድና ክነገልግል ኣእጋር ሓድሕድ ክንሓጽብ ነዚ ከኣ ምንም ካሕሳ ወይ ግብረ መልሲ ከይተጸበና ክንገብሮ ይምሕጸነና። ነዚ ተግባር እዚ ዕለት ዕለት እንተንገብሮ ክንደይ ኮን ምጠዓመ’ ከምዝበሉ ገሊጾም።

እግዚአብሔር ወትሩ ይምሕር!

ቅዱስነቶም ስብከቶም ብምቅጻል እታ ርሕራሔን ምሕረትን እግዚአብሔር ትገልጽ ነቲ ዝኽሕዶን ኣሕሊፉ ዝህቦን ይሁዳ ክሳብ መወዳእታ ዓርከይ ክብሎን ክሳብ እታ መወዳእታ ሰዓት እውን ደጋጊሙ እናመሓሮ ከምዝተጸበዮ ገሊጾም። ‘እግዚአብሔር ንኩሉ ኩሉ ይምሕረና! እግዚአብሔር ወትሩ ይምሕረና። ንሕና ኢና ምሕረቱ ካብ ምልማን ንስልቹን ንደክምን እምበር ንሱስ ወትሩ ምስ መሓረና እዩ። ስለዚ ነፍስወከፍና ኣብ ልብና ነዊሕ ዝጸንሐ ኣበር ኣይሰኣነናን እሞ ንኢየሱስ መሓረና ንበሎ። ርግጽ እዩ ጐይታ ይፈርድ እዩ። ፍርዱ እውን ቅኑዕ እዩ። እንተኾነ ፍርዲ ኢየሱስ ፍልይ ዝበለ እዩ። ይፈርድን ይምሕርን። ንሕና እውን ኣብነቱ ብምስዓብ ነንሕድሕድና ምሕረትን ኣገልግሎትን ክነበርክት ኣሎና’ ኢሎም።

ኣእጋር 12 እሱራት ምሕጻብ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ስብከቶም ነቲ ቤተክርስትያን ካብ ትምስረት ጀሚራ እተዘውትሮ ልማድ ኣብ መወዳእታ ድራር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእጋር 12 ሓዋርያት ዝሕጸቦ ንምፍጻም ኣእጋር 12 እሱራት ሓጺቦም። ሽሕ’ኳ ኣብ ዝቀደሙ ልማዳት ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝሕጸቡ እንተነበሩ ቅዱስነቶም ግን ሰብኡትን ኣንስትን ዝተፈለለያ ሃገራትን ዕድመን እዮም ሓጺቦም።

ኣብ ፍጻሜ እቲ ቅዳሴ ሓላፊ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ስለ ኩሉ ነገር ልባዊ ምስጋና ብምቅራብ ናይዛ ወዳባዊት ክፍሊ ሮማ ዝኾነት ቺቪታቨክያ ጥንታዊ ማሕተምን ካብቲ እሱራት ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ዘፍርይዎ ኣታኽልቲ ዝተረኽበ ፍረታትን ኣሕምልትን እውን ከም ህያብ ኣቅሪቦምሎም።

ሓላፊ ሕትምትን ዜናን ቫቲካን ማተዮ ብሩኒ ከምዝገለጽዎ ቅዱስነቶም ድሕሪ ምፍጻም ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብ ፍልይ ዝበለ ክፍሊ ከይዶም ንሓደ ሓምሳ ዝኾኑ እሱራትን ሓለፍቶምን ሰላም ቢሎም ቅሩብ ምስ ኣዕለሉ ናብ መንበሪኦም ቤት ቅድስት ማርታ ቫቲካን ተመሊሶም።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 Apr 2022, 12:33