ካህናት ጠመተኦም ናብ ኢየሱስ የተኲሩ! ሕቡእ ጣኦታቶም ከኣ የወግዱ! ር.ሊ.ጳ
ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ትንቢት ኢሳይያስ ጐይታ ንኩልና ብቀረባ ዝምልከት ተስፋ ዝመልኦ ኪዳን ይኣትወልና። ‘ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሔር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም። ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹምኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሔር ንቕንዕና ኤፍቅሮ፡ ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ’ (ኢሳ 61.6-8) ይብል። ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ ካህን ምዃን ጸጋ እዩ፣ እኳ ደኣ ዓቢ ጸጋ፣ እንተኾነ እዚ ጸጋ እዚ ንዓና ኣይኮነን ዝወሃብ ንመን እንተበልኩም ንሕዝቢ እዩ። (ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መዓርገ ክህነት 2, ብርሃን ኣህዛብ 10 ተመልከት) ስለዚ ንሕዝብና ዝወሃብ ዓቢ ትዕድልቲ ኰይኑ ካብ መንጎ መጓሲኡ ጐይታ ንኣባግዑ ኣብ ጉስነት ኣባግዑ ጥራይ ዝወፍሩ ንገሊኦም ከም ኣቦታት ወይውን ጓሶት ይሓሪ። ንደሞዝ ካህኑ ዝኸፍል ከኣ ጐይታ ባዕሉ እዩ፣ ‘ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ’ (ኢሳ 61.8) ይብል። እግዚአብሔር ከኣ ከምቲ ኣብ ዕራርቦ ጸሓይ ዝቈጸሮም ሠራሕተኛታት ማዕረ እቶም ቀዳሞት ዝኸፍል ለጋስ ከፋሊ ውዕለት እዩ።
ካብ ራእዩ ለዮሓንስ ዘንበብናዮ ከኣ ደሞዝ ካህናት እንታይ ከምዝኾነ ይገልጸልና። እዚ ከኣ እቲ መወዳእታ ኣልቦ ፍቅሩን ውዑል ኣልቦ ምሕረት ሓጢኣት ብዋጋ እቲ ኣብ ዕጸ መስቀል ዝፈሰሰ ክቡር ደሙ እዩ። ‘ንእኡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን’ (ራእ 1,5-6) ይብል። ካብ ዕርክነት ክርስቶስ ዚዓቢ ደሞዝ የልቦን። ካብ ምሕረቱ ዚዓቢ ሰላም የልቦን። ካብቲ ብክቡር ደሙ ዝተኸፍለ ዋጋ ዝልዕል የልቦን፣ ነዚ ግን ዘይግባእ ጠባይ ብምዝውታር ምርኻሱ ክነፍቅድ የብልናን።
ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ ካህናት ነዘን ቃላት እዚኤን ብልብና እንተኣንቢብናየን ንጐይታን ንኪዳኑን እሙናት ኰና ንከፍቅረናን ንክምሕረናን ክነፍቅደሉ እዚ ከኣ ንዓና ጥራይ ዝቀርብ ዕድመ ዘይኮነ ንቅዱስ ሕዝበ ምእመናን እግዚአብሔር ብንጹሕ ሕልና ኣገልጊልና ክሳብ ዝኸኣልና እዩ። ሕዝቢ ይግብኦ እዩ የድልዮ እውን እዩ። ወንጌለ ሉቃስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኢሳያስ ነቢይ ብዛዕባኡ ዝተነበዮ ኣንቢቡ ኰፍ ምስ በለ ‘ኣዕይንቲ ኩሎም ኣባኡ ተተኺለን ነበራ’ (4,20) ይብል። ራእዩ ለዮሓንስ እውን ‘እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን’ (1,7) እንክብል ኣዕይንቲ ኩለን ኣብቲ ክትቃወሞ ዘይትኽእል ስሕበት ስቁልን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ክርስቶስ ብምትኳር ንከለልያኦን ኣምልኾ ንከቅርቡሉን ይዕድማ። ጐይታ ክምለስ እንከሎ እታ ናይ መወዳእታ ጸጋ ንኣኡ ብቅልጡፍ ኣለሊኻ ምኽኣል እዩ። ከመይ ነቲ ዝተወግኤ ጐድኑ ምስ ረኣና ንሱ መን ምዃኑን ንሕና መን ምዃናን ሓጢኣተኛታት ካብ ምዃን ካልእ ምንም ከምዘይብልና ብኡ ንብኡ ክስቈረና እዩ።
‘ኣዕይንትኻ ናብ ኢየሱስ ምትካልከስ’ ከም ካህናት ክነጥርዮ ዘሎና ጸጋ እዩ። ዕለታዊ ጉዳይካ ምስ ፈጸምካ ንልብና ምስ ልቢ እቶም ዝተራኸብናዮም ምእመናን ንክጥምቶ ጠመተና ናባኡ ምትኳር ሓጋዚ እዩ። ኣብዚ ጸብጻብ ሓጢኣት ምቅራብ ዘይኮነ ነታ ዘሕለፍናያ ዕለት ብኣዕይንቲ ኢየሱስ ሕልፍ ሕልፍ ብምባል ዝግበር ፍቅራዊ ኣስተንትኖ ኰይኑ ነቲ ንሱ በታ ዕለት እቲኣ ዝዓደለና ጸጋን በረኸትን ንዝገበረልና ኩሉን ርኢኻ ብምኽኣል ንምምስጋኑ እዩ። ነቲ ዘሻቅለና ፈተናታትና እውን ናባኡ ብምቅራብ ኣለሊና ወጊድ ንብሎ። በዚ ከምዚኸስ ጐይታ ካባና ኣብ ህልው ኩነታት ታሪኽና ኣብታ ሰዓት እቲኣን ኣብታ ቦታ እቲኣን እንታይ ከምዝደሊ ንምርዳእ እዩ።
ምናልባት ነቲ ሕያዋይ ጠመተኡ ክንጻወሮ እንተኽኢልና ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ኣምልኾ ጣዖታትና ማለት ከምቲ ራሄል ኣብ ቀምሽ ውሽጣ ሃቢኣቶ ዝነበረት (ዘፍ 31.34-35) ኣብ ውሽጢ ቀሚሽና ሓቢእናዮ ዘሎና ቊስልታትና ንክነርእዮ ምልክት ክህበና እዩ። ጐይታ ነቲ ተሓቢኡ ዘሎ ቊስልታትና ክነርእዮ ምፍቃዱ ኣብ ቅድሚኦም ዝሓየልና ከምእንኸውን ገቢሩ ንሓይሎም ከድክሞ እዩ።
ከም ሓቁ ከኣ ጠመተ ጐይታ እዞም ጣዖታትና ንገዛእ ርእስና እነልዕለሎምን እነኽብረሎምን ምዃኖም ከብርሃልና እዩ፣ ከመይ ኣብቲ ናትና ጥራይ ገቢርና እንነብረሉ ዕጽዋ ዲያብሎስ እውን ብወገኑ ካብ ሓደ ስምዒት ናብ ካልእ ስምዒት እናወሰደ ደስ ከምዝብለና ክገብር ይኽእል እንተኾነ ኣብ መወዳእታ እዚኦም ጣዖታት እዚኦም ነቶም ማሕደሮም ክንከውን ዝመረጹናን ኣባና ዝሓደሩን መለኮታውያን ኣካላት ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ከምዝትክእዎም ይገብር። ኣብዚ ሓደ ጉዳይ ብግዲ ይፍጸም። ካህን ፍልልይ ጣኦታትን ኣምላኽን መንነቶምን ኣዳዕዲዐ እፈልጥ እየ እናበለ ብተግባር ግን ቦታ ቅድስት ሥላሴ ንዲያብሎስ ብምሃብ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣምልኾ ናባኡ ምቅራብ እዩ፣ ከመይ ብቀጻሊ መደረኡ ክሰምዕን ሸቀጡ ክዕድግን ይርከብ፣ ኣብ መወዳእታ ንእግዚአብሔር ዝኸውን መዀርመዪ ቦታ እኳ ይሰኣን።
እዞም ጣኦታት እዚኦም ሓደ ግላዊ ጉዳይ ኣለዎም። እንተዘይኣጋሊጽናዮምን ኢየሱስ ብከንቱ ኣባኦም ምኽንያታት ከምእንደሊ ክገልጸልና እንተዘይፈቂድና እቲ ጸላኤ ሠናያት ከሰሓሕተና ቦታ ንህቦ ኣሎና ማለት እዩ። ዲያብሎስ ፍቃዱ ክንገብርን ክነገልግሎን ከምዝደሊ እንተኾነ ብቀጻሊ ክነገልግሎን ክነምልኾን ከምዘይሓተና ምዝካር የድሊ። ሕልፍ ሕልፍ ቢልካ ዝቀርብ ኣምልኾ ይኣኽሎ እዚ ከኣ መላኺና ምዃኑ ምርግጋጽን ጐይታ ሕይወትናን ልብናን ክሳብ ምግባር የብጽሖ።
ኣብዛ ናይ ጸሎተ ሓሙስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጸላኤ ሠናያት ንካህናት ከሰሓሕትን ቀስ ብቀስ ካብቲ ጠቃምን ፍቅሪ ዝመልኦን ህላዌ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ኣቦን ንክፈልዮ ኣብ ልቢ ጓሶት ነፍሳት ዝሰዂዔን ሠለስተ ናይ ቦታታት ጣኦት ምሳኹም ከዕልል ምደለኹ።
ሓንቲ ቦታ ጣኦት ዓለማዊ መንፈሳውነት ዝሕበኣላ ቦታ ኰይና ዘቅርባ መነባብሮ ከም ባህሊ ረኣዩለይ ስምዑለይ ባህሊ ምቅንጃው ኰይና መምዘኒታታ ድማ ወትሩ ዕውት ምዃን እዚ ዓወት እዚ ግን ብዘይመስቀል ዝብል እዩ። ኢየሱስ ከኣ ኣቦ ካብዚ ባህሊ ዓለም ከድሕነና ወትሩ ምእንታና ይጽሊ። እዛ ብዘይመስቀል ክብሪ ናይ ምድላይ ፈተና ተጻይ ናይቲ ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ ዝትሕት እያ፣ ናይ ዝኾነ ጣኦት እንኮ መድሓኒት ከኣ ትሕትና እያ። ምስ ክርስቶስ ድኻ ምዃንን ንምንታይ ክርስቶስ ድኽነት ከምዝመረጸን እንኮ ኣተሓሳስባ ፍቅሪ እምበር ካልእ የልቦን። ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ጐይታ ኣብታ ትሕቲ ቤተጸሎት ዓዱ ነታ ብክብሩ ክመጽእ እንከሎ ኣብ ፍጻሜ ታሪኽ ዝኸውን ብመላእኽቱ ተዓጂቡ ንዝመጾ የበስር። ከምቲ ናይቲ ቤተመቅደስ ሕዝቢ ጠመተና እውን ኣብ ኢየሱስ ከተኩር ሕጂ ኣብዚ ቦታ እዝን ኣብዛ ሰዓት እዚኣን ከምቲ ሽዑ ዝኾኖ ይኸውን ከምዘሎ ነስተውዕል። ክብሪ ገዛእ ርእስኻ ሃሰስ እናበልካ ትጐዓዞ ዓለማውነት ንህላዌ ናይቲ ቀረባ ኩሎም ዝኾነ ትሑትን ዝተዋረደን ጐይታ ይሰርቀልና፣ ምስ ኩሎም ዝሳቀዩ ዝሳቀ ክርስቶስ በቶም ሓቀኛ ኣዕሩኽቱ ኣምልኾ ይቀርበሉ። መንፈስ ዓለም ዝወረሮ ካህን እንትርፎ ካህን ዝኾነ ኣረመን ካልእ ኣይኮነን።
እቲ ካልእ ኣባና ተሓቢኡ ዝርከብ ጣኦት ከኣ ብብዝሒ ቊጽሪ ቀዳማይ ቦታ ምሓዝ ዝብል ኣብ ጸብጻባትን እስታቲስቲክን ተጸሚዶም ንግለሰብ ከይተገደሱ ድምጺ ብዙሓት ብምስዓብ ብዘይ ኣስተንትኖን መንፈስ ምልላይን ሆ ዝብሉ እዮም። ኣብ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ክንክተሎ ዘሎናን ንበይኑን ዝኾነ እዚ ኣገባብ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ሰባት ቊጽሪ ኣይኮኑን እግዚአብሔር ንመንፈሱ ብዓቀን ኣይኮነን ዝህበና (ዮሓ 3,34)። ኣብዚ ሓደ ሓደጋ ኣሎ! መን ምዃኖም ብግሊ ንሰባት ከይፈለጥና ኣብ ብዝሒ ጥራይ ብምትኳን ገጻቶምን ፍቅሮምን ዘየገድሱ ቁጽሪ ጥራይ ክኾኑ ይኽእሉ። ናይ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣብነት ግን ንእግዚአብሔር ኩሉ ቦታ ንምግዳፍ ንድሕሪት ምንስሓብ እዩ። እዚ ንድሕሪት ምንስሓብን ብካልኦት ከም እትርሳዕ ምዃንን ጠባይ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ መልክዕካ ኣግሊልካ ኩሉ ፍቅሪ ኰይኑ መልክዕ ወልድን ኣብን ከምዘንጸባርቅ ይገብር።
ሣልሳይ ሕቡእ ጣኦት ከኣ ምስቲ ዝቀደመ ዝተሓሓዝ ኰይኑ ወትሩ ኣብ ሥራሕ ዝብል ናይ ላዕልን ታሕትን ምንቅስቃስ ባህሊ እዩ። እንተኾነ እዚ ሓሳብ እዚ ምስ ተልእኮ ኣይከይድን። ንኩሉ ብዓይኒ ብቅዓት ይመዝን። ቀስ ብቀስ ከኣ እግዚአብሔር ኣቦ ተረሲዑ ንሕና ብዝብል ይትካእ። ኣብዚ መንፈስ እዚ ዝተጸምደ ካህን ከኣ ቀስ ብቀስ ናብ ኣነነት ይወድቅ። ብጸጋታት መንፈስ ቅዱስ ኣይፍሳሕን፣ ንጐይታ ረሲዑ ባዕሉ ጐይታ ዝኾነ ይመስሎ። ኣምልኾ ኣቦ ብናኣሽቱ መደባት ሕይወቱን ብቅዓት ፕሮግራማትና ይትካእ። ከምቲ ንጉሥ ዳዊት ብሠይጣን ተፈቲኑ ቁጽሪ ሕዝቡ ክፈልጥ ክብል ዝተጸገመ ይኸውን (1 ዜና 21,1)።
በዘን ናይ መወዳእታ ጣዖታት ነቲ ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና መንፈስ ተስፋ ብምጽብጻብ ቊጽርታትን ዓወታትን ንትክኦ። እዚ ከኣ ነቲ ጓሳ ናብ ዝምባሌ ከንቱ ጃህራ ወሲዱ ምስ ኣምላኽን ሕዝብን ንዝነበረ ሓድነት ፋሕ ኣቢሉ ሥልጣነይ ሥልጣነይ ናብ ምባል የብጽሖ።
ዝኸበርኩም ኣሕዋት! ኣብ ልብና እንታይ ይስመዓና ኣሎ ልብና ናበይ ይመርሓና ኣሎ ብዘይጌጋ ንምፍላጥ እንኮ መንገድና ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ዕለት ዕለት ምሳኡ ተዋሃሂድና መንፈስ ምልላይ ንምጥራይ ንሱ ጥራይ እዩ መንገድና። ሕጂ ከም ሕጂ ኣብ ቊምስናና ምሳና ኰይኑ ነዚ ኣብ ወንጌልክንሰምዖ ዝሰናሕና ከምዝደግመልና ንሕሰብ። ሽሕ’ኳ ኢየሱስ ትእምርቲ ተቃውሞ እንተኾነ ሕያውነቱን ምሕረቱን ነቲ ኣባና ዘሎ ጣኦት ከምዝቃወም ተረዲእና ነዘን ጣኦታት እዚአን ካብ ሱርመሠረተን መዝሒቊ ኪኣልየልና ይኽእል። ኣብዚ ክንጥንቀቅ የድሊ ካብዘን ጣኦታት ካልእ ክርዳድ ኣብ ዕጽፍጻፋት ልብና ተሓቢኡ ከይተርፉ ምዝካር የድሊ።
ነቲ ንጹሕ ኣቦ ዝኾነ ምንም ጣኦት ዘይነበረ ቅዱስ ዮሴፍ ካብ ዝኾነ ምውናን ሓራ ክገብረና ከመይ ዋንነት እዘን ጣኦታት ክስዕርራሉ ዝኾነ ፈርያም መሬት ስለዝፈጥር ካብ ዝኾነ ዋንነት የንጽሓና፣ ከማኡ እውን ነዘን ጣኦታት ኣለሊና ንምኽኣል ዘድሊ ጸጋ የውህበና ብማለት ክድምድም ምደለኹ፣ ንጉዳያትና ብዝበለጸ ንምፍጻም ኣብ እንጠራጠረሉ ግዜ እውን ከምቲ ንሱ ኣብ ወጥሪ ብምሥጢር ንማርያም ኣብ ምሕዳግ እንከሎ ዘብርሃሉ መንፈስ ቅዱስ ኣእምሮና ከብርሃልና ኣማልደልና ንበሎ። በዚ ከምዚ ከኣ ልቢ ኣዕቢና ነቲ ብሕጊ እንማጐቶ ብፍቅሪ ከምዝግዛእ ክንገብር ኢና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።