ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ውግእ ኣይሃሉ፡ ብሰላመ ክርስቶስ ንኽንሰዓር ፍቓድ ይሃልወና!
ሰንበት ዕለት 17 ሚያዝያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምቲ ልሙድ፡ ኣብ በዓለ ፋሲካ ዓለም ለኻዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎምን ንኸተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡን ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ብቐጻሊ ብግጭትን ዓመጻን ዝሳቕያ ሃገራትን ኣብ ማሕበራዊ ውጥረትን ዝርከባን ብከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሳቐያን ሃገራትን ህልው ኩነታት ኡክራይንን ዘኪሮም፡ ሰላም ንኽህልው እውን ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ ምዝካር የድሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስታት 100 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ኣብዝ ተረኽብሉ ጉባኤ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንበዓለ ፋሲካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ Urbi et Orbi-ብሔራውን ዓለም ለኻውን መልእኽትም ቡራኬን “ናይ ክርስቶስ ሰላም ናብ ህይወትና ኣባይትና ናብ ሃገራትና ኺኣቱ ንፍቀደሉ!” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብዚ መደብ እዚ ቅዱስነቶም ብብጹዕ ካርዲናል ሬናቶ ራፋኤለ ማርቲኖን ብብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ተሰንዮም ከም ዝነበሩ ኣፍሊጡ።
ኢየሱስ ተንሲኡ ኢዩ!
ኢየሱስ ካብ ሙታን ተንሲኡ ንደቀ መዛሙርቱ “ሰላም ምሳኻትኵም ይዅን” ከም ዝበሎምን ኰይኑ ግን እዚ ናይ 2022 ዓ.ም. እነብዕሎ ዘሎና በዓለ ፋሲካ “ብዙሕ ደም ኣብ ዝፈሰሉን ብዙሕ ዓመጻ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ፡ እዚ ኸእ ኢየሱስ ብሓቂ ከም ዝተንስአን ንሞት ከም ዝሰዓረን ንምእማን ኣጸጋሚ ይገብሮ” እንተዀነ ግን “ክርስቶስ ተንሲኡ ኢዩ!” ቢሎም፥ ነታ ኣብዚ እዋን እዚ ውግእ ዝካየደላ ዘላ ሃገረ ዩክረይን ነተን ንዓሰረተታት ዓመታት ግጭት ዘይተፈልየን ሃገራትን ኣብ ጽንኵር ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከባ ከቢድ እዋን ዘሕልፋ ዘለዋ ሃገራትን ከምኡ እውን ብለብዒ ኮቪድ - 19 ንኸቢድ ማሕበራዊ ጸገማት ዝቃልዓ ዘለዋ ሃገራት ዘኪሮም፥
ካብቲ መቐራቕሮ ንኽንወጽእ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ሓይልናን ዓቕምናን ዘሎና ሃብትን ጸጋታትን ኵሉ ኣዋዲድና ክንጓዓዝ እናተገበአ . . . ኣክንዲ መንፈስ ኢየሱስ መንፈስ ቃኤል ዓቢሉ ይረአ ኣሎ። ቃኤል ንኣቤል ከም ሓዉ ዘይኮነስ ከም መቐናቕንቱ ገይሩ ብምጥማት ብኸመይ ከም ዘጥፍኦ እዩ ዝሓስብ ዝነበረ። ኣብ ዓወት ፍቕሪ ንኽንኣምንን ንኽንዕረቕን እቲ ካብ ሞት ዝተስኤ ስቝል የድልየና!
ኣብ ዩክረይን ሰላም ይዅን
ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተስንኤ ኢየሱስ በሰላ፡ ናይቲ ሰላም ምእንቲ ክንረክብ፡ ብሰላም ምእንቲ ኽንበብር፡ ብናይ ፍቕሪ ኣጽዋር ኣብ ክንዳና እተዋግአን ዝሰዓረን ናይ ምዃኑ ምልክት እዩ፥”
ኣብታ በቲ ጭካነን ዕሽነትን ዝመልኦ ውግእ እዚያ ኣብ ሕሱም ፈተና እትርከብ፡ ኣብታ ዓመጻን ዕንወትን ዝረኣየላ ሃገረ ዩክረይን ሰላም ይዅን! ኣብዛ መከራን ሞትን እተሕልፍ ዘላ ሃገር ብዝሓጸረ እዋን ሓድሽ ናይ ተስፋ ወጋሕታ ይተንስእ! ሰባት እናተሳቐዩ ጭዋዳታትካ ምርኣይ የብቅዕ!
ስደተይናታት ተመዛበልቲ ኣረጋውያን ኣረጋውትን ቈልዑ
ኵሉ ሰብ ሰላም ኣብ ምሕታት ኣበርቲዑ ክዓዪን መራሕቲ እውን “ናይ ህዝቢ ኣውያት ንሰላም” ክሰምዑን ቅዱስነቶም እንክምሕጸኑ፥
ንዅሎም እቶም ኣብ ዩክረይን ግዳያት ዝኾኑ ብሚሊዮናት ዝቝጸሪ ስደተይናታትን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባትን ፋሕ ዝበሉ ስድራ ቤትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ህይወት ከም እተጐድአን፡ ከተማታት ከም ዝዓነዋን፡ ኣብ የዕንቲ እቶም ካብቲ ውግእ ዝሃደሙ ቈልዑ ክርኢ ክኢለ። ንዓታቶም ክንርኢ ከለና እውያቶም ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚሳቐዩ ካልኦት ቈልዑ ማለት እቶም ብጥሜትን ወይ ብጒድለት ክንክን ዚሞቱ ግዳያት ህስያን ዓመጻን ዝኾኑ ከምኡ እውን እቶም ንኺውለዱ መሰል ዝተሓረሞም ቈልዑ ክንሰምዕ ይገብረና፡
ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ኢጐነትን ውልቃውነትን ይዕወት
“ነቶም ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከቡ ስደተይናታት ሓንጐፋይ ቢሎም ዘእንግዱ ዘለዎ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ማሕበረሰባትን መዓጹ ኣባይቲ ንዝሳቐዩ ንዘርሃዉ ኵሎም ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም፡ “እዚ ብዙሕ ናይ ግብረ-ሰናይ ተግባራት እዚ ኣብቲ ሓድሓደ ግዜ ብስስዐን ውልቃውነትን ዝማረኽ ማሕበረሰብና በረኸት ክኸውን ንዅሎም ንዝስደዱን ኣብ ከቢድ ኵነት ንዝርከቡ ሓንጐፋይ ቢሉ ንኽቕበሎም የተባብዕ” ዝብል ተስፋ ከም ዘሎን ገሊጾም።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኢየሩሳሌምን ሕውነት ህያው ክኸውን
ነቲ ብማዕከናት ሃገራት ቫቲካንን ብካልኦት መራኸቢ ብዙሓንን ዝፍነው ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ጽንኵር ኵነታት ዝግለጽ ሓበሬታን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ፍጻሜታትን ኵሉ ዘኪሮም፥
ንሓያሎ ዓመታት ምግምማዕን ግጭታትን ኣብ ዝረኣየሉ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ይዅን፡ ኣብዛ ክብርትን ዓባይን መዓልቲ እዚኣ ንኢየሩሳሌም ሰላም ከምኡ እውን ነቶም ዘፍቅርዋ ክርስትያን ኣይሁድ እስላም ሰላም ይኵን፡ እስራኤላውያን ፍልስጥኤማውያን ከምኡ እውን ንዅሎም ተቐማጦ እታ ቅድስቲ ከተማ ምስቶም መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ናይ ሰላም ጽባቔ ከስተማቕሩ ብሕውነት ኪነብሩ ናይ ኵሉ ናብታ ቅድስቲ መሬት ናይ ምእታው መሰል ውሑስ ይዅን!
ነተን ብውጥረትን ዓመጻን ንዝሳቐያ ሃገራትን መላእ ኣፍሪቃን
ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ንዝህቢ ሊባኖስን ሶሪያን ዒራቕን ዘኪሮም፡ “ሊቢያ ድሕሪ እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ውጥረት ርግኣት ምእንቲ ክትረክብ፡ ከምኡ እውን ነታ ብቐጻሊ ኣብ ስቓይ እትርከብ ብዅሉ እተረስዐት ሃገረ የመን ሰላም ምእንቲ ክርትከብን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተበጽሔ ኣብታ ሃገር ቶኽሶ ናይ ምቍራጽ ስምምዕ ብሓቂ ነታ ሃገር ናብ ሰላም ከብጽሓ” ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ “ጽልእን ዓመጻን ዘስካሕክሕ ዅነታት ዘይተፈልያ ምያንማር ከምኡ እውን ነታ ሓደገይና ማሕበራዊ ውጥረት ዘይተፈልያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝረኣየላ ሃገረ ኣፍጋኒስታን ህዝባን” ክንጽሊ ተማሕጺኖም ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፥
ናይ ምዝመዛን ግብረ ሽበራን ግጭታትን ግዳያት ዘለውዋ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሳሄል ዝርአ ምፍሳስ ደም ከብቅዕን ኣብ ማሕበረሰብ ህዝብታት ቁም ነገር ዘለዎ ደገፍ ምእንቲ ክህሉን ንብምልእታ ኣፍሪቃ ሰላም ይኵን፡ ኣብታ ብኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው እትሳቐ ዘላ ሃገረ ኢትዮጵያ መገዲ ዘተን ዕርቅን ክብገስ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝርአ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ነቶም ብማይ ኣይሂ እተሃሰዩ ህዝቢ ምብራቓዊ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸሎትን ሓገዝን ከይፍለዮም እምሕጸን።
ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣመሪካ ዝረአይ ጸገማት
እቲ ለብዒ ንገሊኡ ማሕበራዊ ኵነታታ ዘብእሰላ ዘሎ ላቲን ኣመሪካ “ገበንን ዓመጻን ምግባረ ብልሽውናን ከምኡ እውን ንግድ ዕጸ ፋርስን ክብ ክብል ዝገብረላን ጸልዮም፡ ኣብ ካናዳ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ደቀባት እታ ሃገርን ዕርቂ ክህሉ ንጸልይ።
ሰላም ናይ ኵሉ ቀንዲ ሓላፍነት ይዅን
ቅዱስነቶም ምልስ ቢሎም ከምቲ ኣብ መበገሲ መልእኽቶም ዝበልዎ፡ ውግእን ግጭትን እናሓሰቡ ውግእ ንመላእ ፍጥረት ሰብ ዝጸልው ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ኣጠንቂቖም፡ ኵናት ናብቲ ንሞት ዝሰዓረን ሰላሙ ዝሃበናን ኢየሱስ ክንጥምት የተባብዓና፥
እቲ ንሓጢኣትን ፍርህን ሞትን ዝሰዓረ ክርስቶስ፡ ነባሪ ምልክታ ውግእ ንህይወትና ዘሳቒ ስዕረት ምስ ዘጋጥሞ ንእከይን ዓመጻን ኢድና ከይንህብ ይምሕጸነና። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብናይ ክርስቶስ ሰላም ክንሰዓር ፍቓደይናታት ንዅን! ሰላም ተኻኣልን ግዴታን እዩ። ሰላም ከኣ ናይ ኵሉ ቀንዲ ሓላፍነት እዩ!
ቢሎም፡ መልእኽቶም ምስ ዛዘሙ ብጹዕ ካርዲናል ማርቲኖ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምሉእ ስርየተ ሓጢኣትን ንሮማን ንመላእ ዓለም ሓዋርያዊ ቡራኬ ክህቡ ምዃኖም ኣበሲሮም ምስ ኣብቅዑ ቅዱስነቶም ንሒደት ህሞት ጽሞና ገይሮም፡ ብቋንቋ ላቲን፥ “እቲ ኵሉ ዚኽእልን መሓርን ኣምላኽ ንዅሉ ሓጢኣትኩም ናይ ሓቅን ፍረ ዘለዎ ንስሓን ወትሩ ጣዕሳ ዝመልኦ ልብን ምልዋጥ ህይወትን ይዓድለኵም ጸጋን ምኽርን መንፈስ ቅዱስ ይጸግወኩም ኣብ ሰናይ ግብሪ ኸኣ የጽንዓኵም! ቢሎም ብሔራውን ዓለም ለኻው ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።