ድለ

ሰላም ኢየሱስ ምንም ዓይነት ኣጽዋር ውግእ ኣይትጥቀምን! ር.ሊ.ጳ

ኣብታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ‘ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን’ በለ (ዮሓ 14,27)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ማእከል ሶሙነ ሕማማት ንርከብ ኣሎና፣ ካብ በዓለ ሆሳዕና ክሳብ በዓለ ፋሲካ ሰንበት ዝጸንሕ ግዜ እዩ። እዚኤን ክልተ ሰናብቲ እዚአን ነቲ ብዛዕባ ኢየሱስ እንገብሮ በዓል ዘመላኽታ እየን። እንተኾነ ክልተ ዝተፈላለያ በዓላት እየን።

ዝሓለፈ ሰንበት ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ብዓጀባ ኪኣቱን ከም መሲሕ ክቅበልዎን ርኢና፣ ኣብ መንገዱ ክዳውንቶምን ጨናፍር ኣእዋምን ይሰጥሑሉ (ሉቃ 19,36 ማቴ 21.18)። እቲ ብሓጐስ ዝቅበሎ ዝነበረ ሕዝቢ ‘እቲ ዝመጽእ ንጉሥ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማያት ክብሪ ከኣ ኣብ ልዑል ሰማያት’ (ሉቃ 19,38) እናበለ ይጭርሕ ነበረ። እቲ ሕዝቢ በዓል ዝገብረሉን ዝሕጐሰሉን ቀንዲ ምኽንያት ኢየሱስ ሓዲስ ንጉሥ ሰላምን ክብርን ዘምጽእ ብምምጻኡ ነበረ። እነሆ እምበኣር ትጽቢት ናይቲ ሕዝቢ ‘ክብሪ ዝመልኦ ሰላም ሓደ ንጉሥ ከረጋግጾ ዘለዎ ሰላም፣ ናይ ሓደ ዓቢ መሲሕ ሰላም ኰይኑ ካብ መግዛእቲ ሮማውያን ንኢየሩሳሌም ሓራ ዘውጽእ ሰላም ይጽበዩ ነበሩ። ገሊኦም ከኣ ምናልባት ምድራዊ ሰላምን ምርግጋእን ዘምጸኣሎም ንጉሥ ከምቲ ዝገብሮ ዝነበረ ከኣ ብእንጌራ ከጽግቦም ዓበይቲ ተኣምራታት እናገበረ ናብ ዓለም ፍትሒ ከምጽኣሎም ይሓልሙ ነሮም ይኾኑ።

እንተኾነ ኢየሱስ ብዛዕባ እዚ ጒዳያት እዚ ፈጺሙ ኣይዛረብን። ከመይ ኣብ ቅድሚኡ ፍልይ ዝበለት ፋሲካ ትጽበዮ ኣላ፣ ዓወት ብዓወት ዘይኮነ ፋሲካ። ናብ ኢየሩሳሌም ኪኣቱ እንከሎ እንኮ ዝሓታ ተጻዒኑ ዚጐዓዘላ ‘ማንም ሰብ ዘይተጻዕኖ ጻዕብ ኣድጊ’ ነበረ። እነሆ እምበር ኢየሱስ ናብ ዓለም ዘምጽኦ ሰላም፣ እቲ ማንም ዘይተጻዕኖ ኣድጊ ብዘመልክቶ ትሕትናን ለውሃትን ይገብሮ። ማንም ዘይተጻዕኖ ትርጉማ ኣገባብ እግዚአብሔር ካብ ናይ ዓለም ዝተፈልየ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኢየሱስ ቀቅድሚ ፋሲካ ንሓዋርያቱ ‘ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን’ (ዮሓ 14,27) እንክብል ይገልጸሎም። ጒዳይ ሰላምከስ ብክልተ ጨሪሾም ዘይራኸቡ ኣገባባት ትግለጽ ኣላ! ዓለም ዝህበና ሰላም ንበይኑ እግዚአብሔር ዝህበና ሰላም እውን ንበይኑ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ፋሲካ ዝህበና ሰላም መደባት ዓለም ዝኽተል ሰላም ኣይኮነን፣ ዓለምና ንሰላም ብቅልጽሙ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓወት ብምምዝጋብን ዝተፈላለየ ተጽዕኖ ብምግባርን ትርከብ ኢሉ ይኣምን። እዚ ሰላም እዚ ግን ኣብ መንጎ ውግኣት ዘሎ ግዝያዊ ምቊራጽ ውግእ ምዃኑ ኣጸቢቅና ንፈልጦ ኢና። ናይ ጐይታ ሰላም ግን ብመንገዲ ትሕትናን መስቀልን እያ እትርከብ፣ እዚ ንካልኦት ተጽዕኖ ክንዲ ምዃን ብምጻሮም ትግበር። ስለዝኾነ ከኣ ክርስቶስ ኩሉ ክፍኣትና ተሰኪሙ ሓጢኣትናን ሞትናን ለቢስዎ። ነዚ ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ጽዒንዎ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ሓራ ኣውጺኡና። ንኩሉ ኩሉ ከፊሉልና። ሰላሙኸስ ፍረ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኮነት ካባኡ እያ ትውለድ። እንተኾነ ነዛ ትሕትን ተባዕን ሰላም እዚኣ ምቅባል ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ኣብ ዕለተ ሆሳዕና ንኢየሱስ ዝዝምርን ዘኽብርን ዝነበረ ሕዝቢ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ፍርሒ ወሪርዎ ኩሉ ድንግርግር ኢልዎ ኢዱ እናኣወጣወጠ ስቀሎ! ስቀሎ! እናበለ ጨርሐ።

ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ዶስቶቭሽክይ ዝበሃል ደራሲ ኣብታ ዓቢይ ኣሳዳዲ ዝብል ልበ ወለድ ታሪኹ ዝደረሶ ዳርጋ ወትሩ ክውን ኮይኑ ከምዝረኣየካ ይገብር። ኣብቲ ልበወለድ ታሪኽ ኢየሱስ ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ናብ ምድሪ ይምለስ፣ ብኡ ንብኡ ሕዝቢ ብዓቢ ዓጀብ ይቅበሎ! የለልዮ እሞ ‘ኦ ተመሊስካ እምበር እንቋዕ ደሓን መጻእካ ንዓ በል እቶ` እናበለ ይቅበሎ። ቅንይ ምስ በለ ግን እቲ ኣሳዳዲ ዝብሎ ናይ ስለያን ጸጥታን መርበብ ሓላፊ ብናይ ዓለም ኣተሓሳስባን ምጉትን ከሲሱ ይኣስሮ። ይምርምሮ ጸርጸር እናበለ ይነቅፎ። ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ንኩሉ ዝኽእል ክንሱ ናይዚ ዓለም ዚዓበየ ንጉሥ ክኸውን ኣይደለየን፣ እንደገና ዳግም ንደቂሰባት ክንዲ ዝመልኮምን ንጸገማቶም ብሓይሊ ዝፈትሖን ነጻ ገደፎም። ንሓርነት ልቢ ደቂሰባት ብሓይሊ ጠምዚዙ ኣብ ዓለም ሰላም ከንግሥ ምኸኣለ ነሩ እንተኾነ ኣይደለዮን። ሓርነት ደቂሰባት ኣኽቢሩ። እቲ ዝኸሰሶ መርማሪ ስለያን ጸጥታን ‘ነዚ እነቅርበልካ ዘሎና ንግሥነት ሓራይ ቢልካ ንዓለምን ዘውዲ ንግሥነት ቄሳርን እንተትቅበል ናይ ኩሉ ንጉሥ ኰንካ ሰፊሕ መንግሥቲ ምኣቆምካ ንኩሉ ከኣ ሰላም መንገሥካ’ ይብሎ፣ እሞ ‘እንተኾነ ንኩሉ ካብ ነጸግካ ንጨካን ፍርድና ክቅበል ዝግብኦ ሰብ እንተልዩ ንስኻ ጥራይ ኢኻ’ ቢሉ ናይ መወዳእታ ፍርዱ ይህብ። ናይ ግጉይ ሰላም ፈተናን ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ዝረኤ ምጥፍፋእንከስ እነሆ፣ ኣብ ሥልጣን ዝተመሥረተት ሰላም ብኡ ንብኡ ኣብ ጽልእን ክሕደት እግዚአብሔርን ትወድቅ እሞ ንነፍሲ ብዙሕ ምጸት ትፈጥረላ።

ኣብ መወዳእታ ከምቲ ልበ ወለድ ዝብሎ እቲ መርማሪ ኢየሱስ ገለ ክብሎ ወይውን ክገብሮ ዋላውን መሪርን ዘጨንቅን ምልክት ክህቦ ይደሊ። እንተኾነ ኢየሱስ ልኡምን ጥዑምን ግብረ መልሲ ይህቦ፣ ‘ብሱቊታ ናብቲ መርማሪ ይቀርብ እሞ ኣብታ ዝዓጠረት ምዕጒርቲ ይስዕሞ`። ናይ ኢየሱስ ሰላምከስ ኣብ ካልኦት ምንም ተጽዕኖ ኣይትገብርን! ናይ ኣጽዋር ሰላም ኣይኮነትን። ኣጽዋር ወንጌል ጸሎትን ሕያውነትን ምሕረትን ፍቅሪ ብጻይን ፍቅሪ ኩሎምን እዩ። በዚ ከምዚ ጥራይ ከኣ እዩ ሰላም እግዚአብሔር ኣብ ዓለም ክነመጽእ እንኽእል። ስለዝኾነ ከኣ ኣብዚ ቅንያት እዚ ዘሎ ውግእ ከም ማንም ካልእ ውግእ መቊጥዒ ኣምላኽ ኰይኑ ተጻይ ጐይታ ፋሲካ ዝቀርብ ጸርፊ ከክንዲ ንትሑት ገጽታኡ ምምራጽ ነቲ ሓሰተኛ ጐይታ ናይዚ ዓለም ምሕራይ እዩ። ውግእ ወትሩ ናብ ኣምልኾ ሥልጣን ንክትበጽሕ ዝግበር ሰብኣዊ ተግባር እዩ።

ኢየሱስ ነቶም ናቱ ቅድሚ እታ ናይ መወዳእታ ፋሲካኡ ‘ልብኹም ኣይሸበር ኣይትፍርሁ’ ይብሎም። ርግጽ እዩ ሥልጣን ዓለም ከምዚ ኣብዚ ዕለታት እዚ ንዕዘቦ ዘሎና ዕንወትን ሞትን ጥራይ እዩ ዘምጽእ፣ እንተ ናይ የሱስ ሰላም ግን ካብ ልቢ ነፍስወከፍ ዝቅበሎ ሰብ ጀሚሩ ታሪኽ ይሃንጽ። ፋሲካኸስ ሓቀኛ በዓል እግዚአብሔርን ሰብን እያ። ምኽንያቱ ከኣ እታ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ገዛእ ርእሱ ብምውፋይ ዝሃበና ሰላም ንዓና ትዕደል። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ብዕለተ ፋሲካ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ነቶም ናቱ ከመይ ቢሉ ሰላም ይብሎም! ‘ሰላም ንዓኻትኩም’ (ዮሓ 20.19) ይብሎም። እዚ እዩ እምበኣር ሰላምታ ናይቲ ዝተዓወተ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ።

ኣሕዋትን ኣሓትን ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ። ልዕሊ ኩሉ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ጒይትነት ዓለም ናብ እግዚአብሔር ክርስትያን፣ ካብቲ ኣብ ልባትና ሒዝናዮ ዘሎና ስስዔ ናብቲ ሓራ ዘውጽኣና ፍቅሪ፣ ካብ ብሓይሊ ዝመጸት ሰላም ምጽባይ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ንሰላም ኢየሱስ ክንምስክር ሓላፍነትካ ናብ ምስካም እንሰጋገረሉ ብሩኽ ኣጋጣሚ እዩ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነቲ ምንጪ ሰላምና ዝኾነ መስቀል ክርስቶስ ኣብ ቅድሜና ነንብሮ እሞ ሰላም ዓለምና ሰላም ልብናን ንማህለል።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 April 2022, 12:41
ንኩሉ ኣንብብ >