ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውጽኢታዊ ክኸውን ዘቕረብዎ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውጽኢታዊ ክኸውን ዘቕረብዎ ጻውዒት 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውጽኢታዊ ክኸውን ዘቕረብዎ ጻውዒት

“እቲ ዝነኣድ ኣህጉራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ንመጻኢ ወለዶታት ዘተኣማምንን ዘሐጒስን መጻኢ ከም ዝህሉ መብጽዓ ክኸውን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዝበልዎን ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውጽኢታዊ ክኸውን ዘበራትዕ ዘቕረብዎ ሓሳብን ጻዕዊትን ንሃገራት ዓለም ስድራ ቤት ሃገራትን ጭቡጥ ነገር ዘቕርብ ክኸውን ዝምዕድ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ሕጂ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጒድለት ውድብ ሕቡራት መንግስታት የርእየና፡ ነዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ሚያዝያ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዝበልዎ ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ሓሳብ እዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ካብ ዝበልዎ ዝተፈልየ ኣይኮነን፥ “ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ናይ ሓድሽ ታሪኽ መሰረት ሰላም ክኸውንን ሰላም ንምስራጽ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ፡  እቲ ዘሕዝን ግን ካብቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ክንመሃር ዘይምኽኣልና እዩ። ናይ ዓበይቲ ሓገራት ሓድሕዳዊ ውደራ ገና ይቕጽል ኣሎ። ይኹን እምበር ቅዱስነቶም ኣብ ግደ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዋጋ ብዝሓ ጐናውነት ዚግበር ምንቅስቓስ ጹኑዕ እምነት ኣለዎም። ሎሚ ኣብቲ ንደቅሰብ ብሓብር ከም ዝነብሩ ንምግባር ኣብ ዝካየድ ኣድካሚ ጻዕሪ ዝያዳ ድልዱል እምነት ኣለዎም።” ቅዱስነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ከኣ ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምኡ እውን በነዲክቶስ መበል 16: ዝጠቕስዎ ድኽመታትን ናይ ኣህዛብ ስቓይን ናይ ተሓድሶ መስርሕ ዝጠልብ እዩ፡ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሕዳሴ ዝጽውዕ ምዃኑ ብዘፈላለየ እዋን ኣመላኺተምዎ እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፊት ተረኺቦም፥ “ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንዅለን ሃገራት ብዘይ ገለ ሓለፋ እጃም ናይ ምሃብ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሓቅን ቅንዕናን ጽልዋ ናይ ምግባር ናይ መወዳእታ ሸቶ ንምውቃዕ ወትሩ ምስዚ ግዜ እዚ ክኸይድ ምግባርን ምሕዳስን ኣድላዪ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ መደረ ከም ዘስምዑ ዝዝከር ኰይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ንኽዀኑ ካብ ዝተሓረዩሉ እዋን ካብ ናይ መጀመርታ ዓመታት ኣትሒዞም “ኣገዳስነት ዝዓበየ ማዕርነት” ደጋጊሞም ገሊጾምዎ እዮም። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ከም ባይቶ ጸጥታን ደሕንነትን ቍጠባዊ ትካላትን ንቝጠባዊ ቅልውላው ንምፍታሕ እተፈጥሩ ጉጅለታትን ወይ መጋበርያታት ዝኣመሰለ ውጽኢታዊ ክእለት ዘለዎ ኣካል ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ “እቲ ዝነኣድ ኣህጉራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ንመጻኢ ወለዶታት ዘተኣማምንን ዘሐጒስን መጻኢ ከም ዝህሉ መብጽዓ ክኸውን ይኽእል። ወከልቲ መንግስታት ነቲ ጐጃልን ፖለቲካዊ ህልኣዊ ረብሓታት ኣወጊዶም ነቲ ናይ ሓባር ረብሓ ንምግልጋል ካብ ልቦም ክጽዕሩ እንተድኣ ክኢሎም፡ ዘተኣማምንን ዘሐጒስን መጻኢ ክህሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝዋስኡ ይዀኑ” እንክብሉ ከም ዝገለጹን፡ ኣብ 2015 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ደጊሞም ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ነቲ ሓባራዊ ቤትና ንምክንኻን ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኣብ ሰባትን ህዝብታትን ዘተኰረ ኣህጉራዊ ግጭታት ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕን ቑጠባዊ ምዕባለ ኣብ መንጐ እተፈላለየ ጒዳያት ዘሎ ረብሓታትን ምትሕብባር ንምርካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበለጸ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣንቶኒዮ ጉተረሽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “ሰላም ዝመልኦ ዓለም ንምህናጽ ኣብ መንጐ ውልቀ - ሰባትን ኣብ መንጐ ሃገራትን ብዝሓ ጐናውነት መሰረት ዝግበር ዘተ ኣህጉራዊ ውድባት ዘለወን ግደ ከምኡ እውን ኣብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ከም መሳርሒ ሞሳን ምርድእን መጠን ምትእምማን ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ድሕሪ ሒደት እዋርሕ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምስ ተባርዐ እዚ ድማ ኵሎም ደቅሰብ ኣብ ሓንቲ ጀልባ ከም ዘለዉ ብምግንዛብ ብብዝሓ ጐናውነት ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ምውፋር ዝያዳ ኣድላዪ ይገብሮ እንክብሉ ኣብቲ ዕለት 25 መስከረም 2020 ዓ.ም. እተገብረ መበል 75 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣስዒቦም - ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ሃገራት ንምትሕብባርን ኣብ መንጐ ህዝብታት መራኸቢ ድልድል ክኸውን እዩ ተመስሪቱ፡” ስለዚህ እዚ ዝበልዎ ቃል እዚ ምስቲ ዕለት 6 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ውድብ ሕቡራት መንግስታታ ዓለም ኣማእኪሎም ምስ ዝበልዎ ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰር እዩ፥ ውሲኾም እውን “እታ ብግጭት እተወሓጠት ዓለምና ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ውጽኢታዊ ኣህጉራዊ ቤት ትምህርቲ ሰላም ክኸውን ከም ዝግብኦ የተሓሳስብ። ከምዚ ኪበሃል እከሎ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ብፍላይ ከኣ እቶም ቀወምቲ ኣባላት፡ ምእንቲ ሰላም ብዝዓበየ ሓድነትን ቘራጽነትን ስጒምቲ ኪወስዱ ኣለዎም ዝብል እዩ።” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝገብሮ ተሓድሶ ኣብቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ቦታ ረኺቡ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንብምሉኡ ሕጡብ ጽሑፍ ቍ. 173 ነዚ ሓሳብ እዚ እዮም ዘወፈይዎ። (ቅድም ኣቢሎም እውን ዮሓንስ መበል 23 ኣብታ ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቶም ሕጡብ ጽሑፍ ቍ. 75 ዘመላኽትዎ እውን እዩ)፥ “ኵለን ሃገራት ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝብል ኣምር ብጭቡጥ ክስክቆረን ኣብዚ ጒዳይ እዚ ብሓቂ ኣሚነን ክነብርኦ መታን፡ እቲ ኣህጉራዊ ውድብ  ኣብቲ ዘየከራኽር ልኡላውነት ስርዓተ  ሕግን ውዕላትን ዳንነትን ደኺመ ከይበለ ዝግበር ስጒምቲ” ከረጋግጽ ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ከም እተዛረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። ስለዚ ከምቲ ዕለት 6 ሚያዝያ እተዛረብዎ፥ “ጸገማትን ጒድለታትን ብሓባር ብፍትሓዊ ኣገባብ ክፍታሕ ስለ ዘለዎ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሕጋዊ መዝነት ዘይብሉ ገርካ ካብ ዘምስል ተግባራት ንምክልኻል እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም እተድኣ ዘየለ ሃገራት ሓድነት እንተ ዘይብለን ክህሉ ዝክእል ጸገም ምሕሳብ የድሊ፥ ስለዚ ህላወወ ሓባራዊ ምርድዳእ ክህሉ ግንድ ምዃኑ የመላኽተና፡ እዚ ኸኣ ንህላወ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቅዋመ መሰረታዊ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ የነጽሮ።  ውግእ ከብቅዕ ክትባት ንዅሉ ክባጻሕ ዝብል ፍቓድ ወይ ምውሳኽ ሙቐት ምድሪ ቃልሲ ብዘየገድስ ነፍሲ ወከፍ ብሓባር ምእንቲ ክረብሑ ውልቃውነት ንምእላይ ፍቓደይናታት ክዀኑ ኣለዎም። ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ብድሆ መጻኢ ደቂ ሰብ ኣብ ሓደጋ ምህላዉ ዘርኢ ኵነት” ምዃኑ ቅዱስነቶም የመላኽቱ።

09 Apr 2022, 09:05