ር.ሊ.ጳ ሚእቲ ሕቶታት ድኻታት ብምምላስ ምስ ዓለም ይዋስኡ!
ዜና ቫቲካን!
ኣይሽንኳይ ኰፍ ቢሉ ከዕልልዎምን ሕቶታቶም ክምልሱን ኣብ ፈቀዶ ጉደናታት ኰይኖም ክልምንዎም እንከለው ከም ሰብ ቊሊሕ ንዘይብልዎም ገለ ክጸድቁ ዝደለዩ ሳንቲም ንዝድርብዩሎም ግዳም ሓደር ቤትኣልቦ ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ብማሕበር ግብረሠናይ ኣልኣዛር ኣብ ቤት ቅድስት ማርታ በብናኣሽቱ ጒጅለታት ምስ ቅዱስነቶም ከምዝዋስኡ ብምግባር ንዘለዎም ሕቶታት ከምዘቅረቡ ገበረ። ፋቨላስ ካብ ዝብሃል ሻውል ድኻታት ዝመጹ ቈልዑ ካብ ሻውላት ህንዲ ዝመጻ ደቂኣንስትዮ ካብ ምድረበዳ ኢራንን ግዳም ሓደር ኣመሪካውያንን ዝመጻ ኣዋልድን ካብ ኤስያን ስድራቤታት ማልጋሽ ዝመጻ ኣመንዝራታትን ብኣርባዕት ናኣሽቱ ጒጅለታት ኰይኖም ምስ ቅዱስነቶም ከምዝዘራረቡ ገበረ። ብጠቅላላ ኣብ 80 ሃገራት ንዝርከቡ ድኻታት ወኪሎም ንቅዱስነቶም ዝተፈላለየ ሕቶታት ኣቅሪቦም። እዚኦም ዓለምና ረሲዕዎም ዘሎ ድኻታት እዚኦም ካብ ኩሉ እምነታትን ጾታን ዕድመን ዝተወከሉ ነበሩ።
ንድኽነትን ምጒዳል ፍትሕን ዝምልከቱ ሕቶታት!
መኽፈቲ ሕቶን መልስን ንክኾኖም እዞም ሰባት እዚኦም ዝመርጽዎ ሕቶታት ንግላዊ ሕይወት ቅዱስነቶም ብዝምልከት ካብ ሓጺር ታሪኽ ሕይወቶም ጀሚሮም ብዛዕባ ጵጵስናኦምስ ይኹን ብዛዕባ እምነትን ቤተክርስትያንን ከማኡ እውን ስግር ኢሎም ብዛዕባ ሰላምን ውግእን ዝምልከታ ነበራ።
ናይ ምልላይ ግዜ ምስ ሓለፈ ብቀጥታ ዝቀረበት እታ ንዓለምና ኣብ ምረት ምረት እናወሰኻላ ዝነብራ ድኽነትን ምጒዳል ፍትሕን ትምልከት ኰይና ‘ኣብዚ ብሥልጣኔ ሰጒሙ ዝበሃለሉ መዓት መግቢ ዝሽመተሉን ዝጐሓፈሉን ዘመንሲ ገለ ክፋል ሕብረሰብ ብድኽነት ክሕመስ እንታይ ይመስለኩም! ቫቲካን ነዚ ኩሉ ሃብቱ ኣብ ምንታይ ይጥቀሞ! ቤተክርስትያን ነዚ ንዓለምና ዝድህኽ ዘሎ ድኽነትን ፍትሒ ምጒዳልን ንክትቃለስ እትገብሮ ጭቡጥ ጒይዳ እንታይ ኣሎ! ዝብላ ሰፍ ዘይብላ ሕቶታ ምስ ቀረባ ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ቅልል ብዝበለ መንገዲ ምስ መለሹ፤ እንደገና ናብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ምልስ ኢሎም ከኣ፤ ደሞዝ ር.ሊ.ጳ ክንደይ ኮን ይኸውን! ይብልዎም። ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ገሊኦም ናይ ቤተክርስትያን ሰባት ካህናት ጳጳሳት ካርዲናላት ናይ ቅንጦት መካይን ዝዝውሩን ከም መሳፍንቲ ዝነብሩን ብጣዕሚ ከምዘሕምሞም ምስ ገለጹ! ኣነ ምንም ደሞዝ የብለይን! ብሓቂ ዝብለኩም ምንም ደሞዝ የብለይን! ኣብዚ ክሳብ ዘሎኹ ይሓልዩለይ፤ ዘድልየኒ ነገር እንተሎ እሓቶም፤ ወትሩ ሕራይ ስለዝብሉኒ ኣይንቋየቊን! ንኣብነት ሳእኒ እንተድልዩኒ እሓትት! ርግጽ እዩ ከምዚ ናተይ ዝሓልየልካን ዝከላኸለልካን እንተሎ ጥራሕ ኢድካ ክትነብር ጸገም የብሉን፤ ሓቁ ክብለኩም ድኽነተይ ናይ ሓሶት ድኽነት እዩ ከመይ ዝጉድለኒ የብለይን እንክብሉ ናይ ሓቂ ድኻታት ንሳቶም ምዃኖም ኣብርሁሎም። ጉዳይ ድኻታት እንክለዓል ተልእኮኦም ኣብ ዝጀመረሉ ሽም ናይቲ ኣቦ ድኻታት ዝኾነ ቅዱስ ፍራንቸስስኮ ካብ ምምራጽ ጀሚርካ ብተግባር ስለ ድኻታት ዝገብርዎ ጥብቅና ክሳብ ኮሚንስት ጳጳስ ዘበሎም ብምዝካር ከኣ እንተደኣ ካብ ወንጌልና ድኻታት ኣሊና ኩሉ ዓነውነው ከምዝብልን ድኻታትን ማሕበራዊ ጸገማትን ፍታሕ ሕዝባውያን ምንቅስቃሳት ኣብ ምንዳይ ከምዝወድቁ ገሊጾም።
ካብቲ እቶም ድኻታት ኣቀዲሞም ዝለኣኽዎ ሕቶታት ብብዙሓት ዝቀረበት ንር.ሊ.ጳ ዝሓቶ ብዙሕ የብለይን ግን ከረጋግጻ ዝደሊ ር.ሊ.ጳ ብሓቂ ስለይ ዝጽልዩ ምዃኖም እያ ትብል ነበረት፤ ካልእ ድሕሪኣ እትስራዕ ልቢ እትትንክፍ ከኣ ‘ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ኣላትኒ ንክሕግዘኩም እንታይ ክገብር’ ትብል ነበረት።
ቅዱስነቶም ነዚ ኩሉ ሕቶታት ዝሃብዎ መልስታት ብሓንሳብ ተጠቃሊሉ ከም መጽሓፍ ቀሪቡስ ብቋንቋታት ጣልያንን ፈረንሳን እስንፓኒሽን ተሓቲሙ ሎሚ ናብ ኣንበብቲ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።
[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!]