ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ኣብ እዋን በዓለ ፋሲካ ቶኽሲ ደው ክብል ጻውዒት የቕርቡ

ኣእዳውና ንላዕሊ ሓፈ ነብል፥ ምእንቲ ሰላም ኣብዚ ናብ በዓለ ፋሲካ ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ውግእ ደው ይበል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሚያዝያ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ሆሳዕና ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለተ ሰንበት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ ምእመናን ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም፥ “እቲ ዘስካሕክሕ ጃማላዊ ቅትለትን ኣብ ልዕሊ እቶም ተኣፋፍያን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘስካሕክሕ ቅትለት ዘስዕብ ዘሎ ውግእ” እናሓሰቡ “በተሓሳስባ ዓለም ክትፈትሖ ምፍታን ጥፍኣት ጥራይ እዩ ዘስዕብ - ቢሎም - ውግእ ደው ብምባል ጥራይ እዩ ሓባራዊ ሰናይ ተዓውት” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃል ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም “ብስራተ ለማርያምን ኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር የልቦን” ዝብል ሓሳብ ጠቒሶም፥ “ነቲ መዕለቢ ዘይብሉ ዝመስል ዘሎ ውግእ መዕለቢ ክረክብ፡ ማለት መዓልታዊ ኣብ ቅድሚ የዒንትና ዝርአ ዘሎ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቅትለትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ግብረ ጭካነ ደው ክብል” ሓቲቶም፥

ናብ በዓለ ትንሳኤ ኣብ እንሰጋገረሉ እዋን ኢና ዘሎና፡ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ዘረጋገጾ ዓወት ንምብዓል ንዳሎ ኣሎና። እዚ ዓወት ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ደኣ እምበር ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ ካልእ ነገር ኣይኮነን። ሎሚ ውግእ ኣሎ። ብውግእ ስርዓት ኮነ ዓወት የልቦን ኵሉ እዩ ዝጠፍእ!

ቢሎም፡ ዓወት ክርስቶስ ክንየው ናይ ሰብኣዊ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዩ፥

ንሱ ክስዕር ስለምታይ ኢና ዘይንፈቕድ? ክርስቶስ ካብ መግዛእቲ እከይ ሓራ ምንእቲ ከውጽኣና መስቀል ተሰከመ። ህይወትን ፍቕርን ሰላምን ክገዝእ ከኣ እዩ ዝሞተ!

ናብ በዓለ ፋሲካ ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ቶኽሲ ደው ምባል

ኣብ ዩክረይን ውግእ ካብ እተጀመረሉ ዕለት ኣትሒዞም ቅዱስነቶም ብሓይለ ቃልን ምሕንጽንታን እቲ ውግእ ደው ክብል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ብዓውታ ደጊሞም፥ ማሕበራዊ ሰናይ ምእንቲ ክዕወት ውግእ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ኣእዳውና ንላዕሊ ሓፈ ነብል፥ ምእንቲ ሰላም ኣብዚ ናብ በዓለ ፋሲካ ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ውግእ ደው ይበል፡ ቶኽሲ ምቁራጽ ምእንቲ ሰላም ደኣ እምበር ኣጽዋርካ ብጠያይጥ መልኢካ ሓይልኻ ኣኻኺብካ ንኽትለዓል ኣይዅን። ማለት ሰላም ንምምጻእ ናይ ሓቂ ውዕላት ብምግባር ምእንቲ ናይ ህዝቢ ረብሓ መስዋዕቲ ንምኽፋል ፍቓደይና ምዃኑ ማለት እዩ።

ዓወት ኣብ ልዕሊ ኩምራ ፍራስራስ ሰንደቕ ዕላማ ምትካል ማለት ድዩ? ኣይፋል!

ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር የሎን ዝብል ሓቂ ብምስትትውዓል ነዚ እምንቶ እዚ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያን ብሕድሪ ንሃብ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Apr 2022, 08:19