ር.ሊ.ጳ. ብስነ ጥበብ ኣቢልካ ምስ ኢየሱስ ዘሎ ምርኻብ የዘንትዉ
ሰንበት ዕለት 17 ሚያዝያ በዓለ ፋሲካ ምሸት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምኡ እውን ብናይ ቫቲካን ቤተ መዘክር ስነ ጥበብን ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካንን ሮበርቶ በኒኚ ኢጣሊያዊ ተዋሳእን ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ኣበርክቶ ብዝገብረሉ ኣገባብ መሰረት፡ ዛዕባ ብስነ ጥበብ ኣቢልካ ምስ ኢየሱስ ዝህሉ ምርኻብ ዘርእይ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ጨንፈር ራይ ኡኖ “ገጽ ወንጌላት” ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ኢጣሊያ ተለቪዥን መደብ ባህን ብምትሕብባር ኣብ ዝቐርብ መደብ ከዘንትዉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ
በቶም ኣብ ወንጌል ዝግለጹ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብ ስብከት ኢየሱስ፡ እቶም ምስኡ ዝተራኸቡን ምሳታቶም ዘካየዶ ዘተን ርክባትን ዘርእይ ብስእልን ቅብእን ዝቐረቡ ስራሓት ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝተሓረዩሉ ዕለት ኣትሒዞም ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ዓመታት በቶም ኢየሱስ ዝተራኸቦም ኣብ ወንጌል ዝግለጹ ውልቀ ሰባት ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ስብከታትን ኣስተምሆሮታት መሰረት ዝገበረ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተሓትመን ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ክፍሊ ባህልን ምስ ሓዋርያዊ ቤተ መዝገብን ቤተ መዘክር ቫቲካንን ብምትሕብባር ዝቐርብ መደብ ኮይኑ፡ ነቲ ዝቐርብ መደብ ዘሰንይ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ብናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳእን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔሊን ሉቾ ብሩነሊን ኣሳእልን ቀረጻን ብረናቶም ቸሪሶላን ሚከላንጀሎ ፓልማቺ ብስደረስዎ ቅንይታዊ ሙዚቃ ዝተሰነየ መደብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ህያው ኢየሱስ ምርኻብ
ር.ሊ.ጳ. ኣብ መእተዊ እቲ መደብ “ምስ እተፍቅሮ ሰብ መዓልታዊ ርክብ እንተድኣ ዘይብልኩም ከተፍቅርዎ ስለ ዘይትኽእሉ፡ መዓልታዊ ምስ ወንጌል ርክብ ክህልወኵም እምሕጸን” ብዝብል ቃላቶም ዝብገስ ከም ዝኾነን “ፍቕሪ ቀጻሊ ምርኻብን ምትካፍን እያ፥ ቀጻሊ እትዛረብ ሓድሕዳዊ ምስምማዕን ምጥምማትን እያ። ከምዚ ምስ ዝኸውን እውን ንኻልኦት ተካፍሎ። ምስቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ህያው ክርስቶስ እንተድኣ ዘይትራኸብ ኴይንካ ምስ ሓሳብን ህልዮን ዝኾነ ክርስቶስ ጥራይ ኢኻ እትራኸብ” እንክብሉ ዝሃብዎ መብርሂ ብሰፊሕ ዘቕረበሉ መደው እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካ ይሕብር።
ሕጒስ ወጅሂ ኢየሱስ
ነቲ ዛንታ ዘሰንይ መሰረተ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ኢየሱስን ገጸ-ባህርያት ወንጌልን ዝራኸበሉ ኣጋጣሚ ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝህብዎ ምላሽ ከም ዝኾነን ኣብቲ መደብ እውን ተዋሳእን ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ሮበርቶ በኒኚ ብዛዕባ ሕጒስ ወጅሂ ኢየሱስ ዘቕርብዎ ዛንታ ድሕሪ ናይ ቅዱስነቶም ናይ መኽፈቲ ቃል ክቐርብ እዩ። እቲ ምሉኡ ዓምዲ ኣብ ሰለስተ ተኸታታሊ “ወጂሂ ወንጌላት” ብዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጽባቐ ወንጌል ዳግም ምርካብ
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ነዚ መደብ እዚ ንምልላይ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ፥ “ነዚ መደብ እዚ ኣብቲ ክፍኣት ዝመልኦ እዋን ንጽባቐ ወንጌል ንምርካብን ንምስትንትናን ዳግም ንምርካብ ዝድርኽ ኣጋጣሚ ገርና ኢና እንርእዮ። ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ዘይተገዳስነትን ሸልልትነት ንኻልእ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ባህልን ንህይወት ንምቁጽጻር መብዛሕቲኡ ግዜ ሓቂ ምጥዋይ ንዝብል ኣቃውማ ምላሽ ዝህብ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣስዒቦም እውን ሩፊኒ፥ በቲ ዝመሓላለፍ መደብ ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ብኢድና ሒዞም ናብ ሓቂ ገጾም ከም ዘሰንዩናን ክመርሑና ነስተውዕል፡ ስለዚ ቅድም ቀዳድም ስለ ቃሎም ነመስግኖ። ንቤተ መዘክር ቫቲካን ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካንን ንደረስትን ጸሕፍትን ኣመምትን እቲ መደብን ኵሎም ኣብቲ መደብ ንዝሳተፉን ነዚ መደብ እዚ ንዘመሓላልፎ ናይ ኢጣሊያ ራዲዮ ተለቪዥን ጣቢያ ነመስግን እቲ መደብ ኣብ በዓለ ፋሲካ ንነፍሲ ወከፍና ዝወሃብ ናይ በዓለ ትንሳኤ ህያብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።