ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ማልታ፥ ኣብ ትእምርቲ እንግዶትን ሰላምን

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ከም እተደናጐየ ኣዘኻኺሮም ናይዚ ጉዕዞ እዚ ትእምርቲ ነቶም ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ዝስደዱ ነቲ ኣብ ማልታ ዝወሃቦም እንግዶት ልክዕ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብመርከብ ናብ ሮማ ኣብ ዝነቐለሉ ዘጓነፎ

ዕለት 29 መጋቢት ንጐሆ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ጽርሓ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃገረ እኵባት ደሴታት ማልታ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ኣማእኪሎም መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 2 – 3 ሚያዝያ ኣብ እኵባት ደሴታት ሃገረ ማልታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካይድዎ መበል 36 ሓዋርያዊ ጒዕዞ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥

ኣብ ትእምርቲ እንግዶትን ቅዱስ ጳውሎስን

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ከም እተደናጐየ ኣዘኻኺሮም ናይዚ ጉዕዞ እዚ ትእምርቲ ነቶም ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ዝስደዱ ነቲ ኣብ ማልታ ዝወሃቦም እንግዶት ልክዕ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብመርከብ ናብ ሮማ ኣብ ዝነቐለሉ እዋን ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ብዘጋጠመ ከቢድ ኵነታት ኣየር እታ ዝጓዓዘላ ዝነበረት መርከብ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት ኣብታ ደሴት ዝረኸቦ እንግዶትን ሓገዝን ከም ዝኾነን ነዚ ሓዋርያዊ ውርሻ እዚ ዘቃልሕ ምዃኑ የመላኽቱ።

ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ ዝርዝር መደባት

ቀዳም ንጐሆ ቅዱስነቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ማልታ ሕንጻ ዓቢይ መምህር ንናይ ማልታ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝተረኽብሉ ጒባኤ፡ ብናይታ ሃገር መንግስቲ ንኽብሮም ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኵም መደረ ምስ ቀረበሎም ቅዱስነቶም መደረ ከስምዑን ስዒቡ እውን ኣብ ደሴት ጎዞ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘታፒኑ ዝካየድ መደብ ጸሎት መሪሖም ክሳተፉ እዮም። ሰንበት ዕለት 3 ሚያዝያ ኣብ ማልታ ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ካህናት ናይ ግሊ ርክብ ከካይዱን ካብኡ ተሰናቢቶም ራባት ናብ ዝርከብ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝካየድ መደብ ጸሎት ክሳተፉ እዮም። ሰኑይ ዕለት 4 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ጋራናይ ዘፍሎሪያና መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክደግሙ እዮም። ኣስዒቦም እውን ዮሓንስ መበል 23 ናብ እተሰምየ ናይ ስደተይናታት ማእከል ምብጻሕ ከካይዱን ምስቶም ኣብኡ ዝርከብ 200 ኣፍሪቃውያን ስደተይናታት ክራኸቡ ከም ዝኾኑ ብሩኒ ኣፍሊጦም።

31 Mar 2022, 09:32