ጻውዒት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፥ “ውግእ ከቶ ኣይህሉ!”
“ነቲ ዲያብሎሳዊ ዕሽነት ዝሓርዮ ዓመጻ ብጸዋር እግዚኣብሔር እዚ ኸኣ ብጸሎትን ጾምን ከም ዝሰዓር ኢየሱስ ይምህረና”
“ውግእ ከቶ ከይህሉ” ሰላም ንመጻኢ ህዝብታትን ንዅሎም ደቅሰብን ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሓደ ካብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 16 መጋቢት 2003 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ “ውግእ ከቶ ኣይሃሉ” እንክብሉ ኣብ ዓለም ሰላም ክነግስ ዘቕረብዎ ጻውዒትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 22 መጋቢት 2022 ዓ.ም. “ነቲ ዲያብሎሳዊ ዕሽነት ዝሓርዮ ዓመጻ ብጸዋር እግዚኣብሔር እዚ ኸኣ ብጸሎትን ጾምን ከም ዝሰዓር ኢየሱስ ይምህረና” እንክብሉ ገሊጾም ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ጽልእን ዓመጻን ውግእን ኣይፋል ብምባል ኵሉ ምእንቲ ሰላም ክዓዪ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ውግእ ከቶ ኣይሃሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
05 Mar 2022, 16:39