ር.ሊ.ጳ.፥ ነቲ ናይ ክርስቶስ ተስፋ ዝኾነ ህያው ማይ ንኸተብጽሕ እትውጽእ ቤተ ክርስቲያን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ ካብ ዕለት 18 – 20 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ናብ ዝካየድ ዘሎ መበል 66 ዓውደ ጉባኤ “ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን” ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ልኡካነ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ መጠን “ወትሩ መልእኽቲ ምሕረት ኣምላኽ ናብቲ ዝተረስዐን ዝተነጸለን ወሰናስን ክፍሊ ህላወን ከተማታትን ንኸብጽሑ መታን ክሕደሱ ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ -19 ዝለዓለ ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ምሕረቱን ለውሃቱን ፍቕሩን ንኽንእውጅ ዝዓደመና ጐይታ፡ ነቲ ኣብኡ ዝተወከለ ተስፋና ብኣፍ ዘይኮነ ብሓቀይና ተግባር ከነሰንዩ ይደልየና፥” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣስዒቦም፡ ነቶም ኣብቲ መበል 66 ዓውደ ጉባኤ “ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን” ተጋባእያን ነቲ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ “ህያው ማይ ተስፋ” ዝብል ኣርእስቲ ጠቒሶም “ነዚ ተስፋ እዚ ብልሳን ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባራትና እውን ዝምስከር ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ልቢ ኢየሱስ
እቲ ምንጪ ምሕረት ዝኾነ ካብ ልቢ ኢየሱስ ንመላእ ዓለም ዚፈስስ ማይን ደምን ወትሩ ገዛእ ርእስና ብቐጻሊ ከነሐድስ ይዕድመና፡ ብዘይ እዚ ህያው ማይ እዚ ተልእኾና ኣብ ውሽጥና ዝተዓቖረን ዘይነካፍሎን ናብ ዘሳቕይ ሃይማኖት ክቕየር ይኽእል” ስለዚ “በዚ ምሕረት እዚ ገዛእ ርእስና እናተሓደስና ብቓልን ተግባርን ንኣውጆ፡”
መስቀል ተስፋና
እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ንዓለም ዘሳቕይ ዘሎ ለብዒ ንሓድሕድና ንኽንተሓላለ እዩ ዝዕድመና፥ እዚ ለብዒ እዚ ማሕበራዊ ምፍልላይን ምፍንትታን ህይወት ብዙሓት ሰባት ምጥፋእን እዩ ዘስዕብ፡ እዚ ኵነት እዚ ኣብ ዝፈጥሮ ፍርህን ምጥርጣርን ጐይታ ኣብ ምሕረቱን ለውሃቱን ፍቕሩን ዘሎና እምነት ክንእውጅ ይዕድመና፡ ኣብቲ ዘድሕንን ዚብጀውን መስቀል እንተ መልሒቕና ካብቲ ኵሉ ሓሳርን መከራን መምለጢ ንረክብ፡ ተስፋ ይህልወና፡ ኣብ መስቀሉ ተፈዊስናን ከም ኣሕዋት ድሒንናን ዝተሓቛቖፉ ንኸውን፡ ተስፋ ድማ ስለ ዘሎና ካብቲ መድሓኒ ፍቕሪ ዝፈልየና ዋላ ሓደ እኳ የሎን።” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናብ እትብል - እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን
ቅዱስነቶም በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ለምዘበን ኣብ ሰበኻ ሎስ ኣንጀለስ መበል 250 ዓመት እተብዕል ዘላ በቲ ናይ መክሲኮን ናይ ካሊፎርኒያን ሓዋርያዊ ተባሂሉ ብዝግለጽ ቅዱስ ኹኒፐሮ ሴራ ዝቖመት ቀዳመይትን ኣደን ኣቢያተ ክርስቲያን ሰበኻ ሎስ ኣንጀለስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ዘኪሮም ኣብ 2015 ዓ.ም. ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሓዋርያዊ እዚ ቅድስና ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን “ናይ ሓንቲ ናብ እትብል ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን” መስካሪ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምዝኽኻር “ቤተ ክርስቲያን ናብ እትብል እትወጽእ እምበር ኣብ ገዛእ ርእሳ ተዓጺፋን ኣብ ገዛእ ርእሳ እትዕጸው ኣይኰነትን፡ ስለዚ ብትብዓትን ብምህዞን ናይታ ናይ እትወጽእን ናብ እትብልን ቤተ ክርስትያን መሰኻኽር ኵኑ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
“ጐይታ በቲ ህያው ማይ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ ከምኡ እውን ከም ደቀ መዛሙርቲ ልኡካነ ወንጌል መጠን ዘለዎም ወንጌላዊ ቅንኣት ክሕድሶን ብእምነትን ነቲ ናቱ ተስፋ ናብ መላእ ዓለም ንምብጻሕ ብምቝር ቃላት ዘይኮነስ ብሓቀይና ምትሕብባር ከምኡ እውን በይንና ከም ዘይኰንና ብምስትውዓል ብተግባር ንዅሎም ሰባት ሓጐስ እነካፍሎም ክንክነው እጽሊ” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም በዚ ጸሎት እዚ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።