ድለ

ውግእ ጽላለ እዩ

“ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ንጐደና ዘተን ሰላምን ዕድል ክወሃብ

ኣብዚ ኣብ ዩክረይን ብዘይ ምቍራጽ ቦምብታት ኣብ ዝዘንበሉ ዘሎ እዋን  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣጽዋር ዘይብሉ ቃላት ነቲ ኣብ ክልቲኡ ግንባር ብኣማኢት ዝቝጸሩ ንሞትን ማህሰይትን ብዙሓት ንምዝብልና ዝዳርግ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ ጥራሕ ዘይኰነስ ውግእ ጽላለ እዩ እንክብሉ እቲ ወግእ ደው ክብል ብዘተ መልሲ ክርከቦ ብዘይ ምቁራጽ ጻውዒት የቕርቡ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ 

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 2 መጋቢት ናይ 2022 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ፈላሚት መዓልቲ ጸሞ ነነዌ ወይ መዓልቲ ሓሙዅሽቲ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን መዓልቲ ጾምን ጸሎት ክኸውን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ከም እተፈጸመን እዚ ኸኣ “ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ንጐደና ዘተን ሰላምን ዕድል ክወሃብ ብተኸታታሊ ዘመሓላልፍዎ ልመና ዘቓልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

02 Mar 2022, 17:36