ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ውግእ ኡክራይና ደው ክብል ፍሉይ ጸሎት ኣዕሪጎም!
ዜና ቫቲካን!
ከም መቀጸልታ ናይ ብቀጻሊ ዘቅርብዎ ዘለው ጻውዒት ሰላምን ስለሰላም ኡክራይና ጾምን ጸሎትን ዘዕርግዎን ሎሚ ሮቡዕ እውን ነቲ ሊቀ ጳጳሳት ናፖሊ ብፁዕ አቡነ ዶመኒኮ ባታልያ ዝደረስዎ ጸሎት ኣመሓይሾም ደገሙ።
ቅዱስነቶም ብስም ኩልና እግዚአብሔር ንመላእ ዘመደ ኣዳም ስለጭካኔ ውግእ ምሕረት ክገብር እንክልምኑ እዚ ከኣ ደቂሰባት ንመሬት ክሰርሑን ኪሓልዩን ንዝተዋህቦም ኣእዳው ናብ መጋበሪ ቅትለት ብምልዋጦም ይቅረ በለልና እንክብሉ ምስቶም ኣብቲ ኣደባባይ ዝነበሩን ብቀጥታ ንዝኽተልዎምን እግዚአብሔር ምሕረትን ሰላሙን ንሃገረ ኡክራይና ክህብ ንማህለል ኢሎም። እታ ጸሎት ከምዚ ዚስዕብ ክትርጐም ይከኣል።
ኦ ጐይታ ውግእ ብምግባርና ይቅረ በለልና
ኦ ወልደ እግዚአብሔር ዝኾንካ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንሓጢኣተኛታት ይቅረ በለለና!
ኦ ኣብ ትሕቲ ጽላል ደብዳብ ቦምብታት ክየቭ ዝተወልድካ ኢየሱስ ይቅረ በለለና!
ኦ ኣብ መሕብኢ ጐዳጒዲ ኻርኪብ ዝሞተት ኣእዳው ዝተወልድካ ጐይታ ኢየሱስ ይቅረ በለለና!!
ኦ ወዲ ዕስራ ዓመት ኰንካ ኣብ ግንባር ውግኣት እትለኣኽ ጐይታ ኢየሱስ ይቅረ በለለና።
ኦ ኣብ ትሕቲ ጽላል መስቀልካ ሎሚ እውን ገና ብኣጽዋር ዝተኸበብካ ይቅረ በለለና!!
ኦ ጐይታ መሓረና!
ንጽምእና ብደም ናይቶም ብኣጽዋር ዝተዋደዱ ገና ክነርዊ ንቅጽል ዘሎና በቲ ነእዳውካ ኣብ መስቀል ብምሽካር ዝወዓላ ሽንካራት ገና ዘይዓገብና እንተመሰልና ኦ ጐይታ መሓረና።
እተን ንካልኦት ንምሕጋዝ ክዝርጋሓ ቢልካ ዝፈጥርካየና መጋበሪ ሞት እንክንገብረን ኦ ጐይታ መሓረና።
ኣሕዋትና ምቅታት እንተቀጺልና እውን ኦ ጐይታ መሓረና።
ከም ቃኤል ኣብ ግራውትና ንኣቤል ሓውና ክንቀትል ኣእማን ምልዓል እንተቀጸልና እውን ኦ ጐይታ መሓረና።
ንጭካኔና ብተግባራትና ክነመጻድቅን ንክፍኣተ ግብርና ከኣ ብስቃይና ክነቅንዖ እንተፊቲና እውን ኦ ጐይታ መሓረና።
ስለቲ ዝገበርናዮ ውግእ ኦ ጐይታ መሓረና! ስለቲ ዝገበርናዮ ውግእ ኦ ጐይታ መሓረና!
ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣእዳው ቃኤል ደው ክተብል ንልምነካ ኣሎ።
ሕልናና ኣብርህ!
ፍቃድና ኣይፈጸም!
ኣብ ተግባራትና ኣይትሕደገና።
ደው ኣብለና! ኦ ጐይታ ደው ኣብለና።
ኣእዳው ኣቤል ደው ምስ ኣበልካ እውን እንተኾነ ኦ ጐይታ ንቃኤል ተከናኸኖ ከመይ ንሱ እውን ሓውና እዩ።
ኦ ጐይታ ንዓመጽ ግታእ! ደው ኣብለና ኦ ጐይታ ኣመን።