ድለ

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 25 መጋቢት ሩሲያን ዩክረይንን ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ከወፍዩ እዮም ር.ሊ.ጳ. ዕለት 25 መጋቢት ሩሲያን ዩክረይንን ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ከወፍዩ እዮም 

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 25 መጋቢት ሩሲያን ዩክረይንን ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ከወፍዩ እዮም

ዕለት 13 ሓምለ 1917 ዓ.ም. ማርያም ኣብ ፋጢማ ኣብ ዝተገልጸትሉ እዋን ሩሲያ ንንጹሕ ወቅዱስ ልቢ ማርያም ክትውፈ ሓቲታ ከም ዝዝከር ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ዕለት 31 ጥቅምቲ 1942 ዓ.ም. ፒዮስ መበል 12 መላእ ዓለም ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ከም ዘወፈዩን

ዕለት 25 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ በቆጻጽቅ ሮማ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስርዓተ ንስሓ ኣብ ዝሰርዕሉ ሊጡርጊያ ሩሲያን ዩክረይንን ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ከወፍዩ ከም ዝኾኑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓርቢ ዕለት 25 መጋቢት ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት ሓሙሽተ ቅዱስነቶም ስርዓተ ንስሓ ሰሪዖም ሩሲያን ዩክረይንን ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ከወፍዩን ልኡኾም ናይ ጳጳሳዊ ቤተ መጽዋት ገበዝ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኮ ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ተመሳሳሊ ስነ ስርዓት ክፍጽሙ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣፍሊጦም።

ዕለት 13 ሓምለ 1917 ዓ.ም. ማርያም ኣብ ፋጢማ ኣብ ዝተገልጸትሉ እዋን ሩሲያ ንንጹሕ ወቅዱስ ልቢ ማርያም ክትውፈ ሓቲታ ከም ዝዝከር ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ዕለት 31 ጥቅምቲ 1942 ዓ.ም. ፒዮስ መበል 12 መላእ ዓለም ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ከም ዘወፈዩን ዕለት 7 ሓምለ 1952 ዓ.ም. ድማ ቅዱስ ዓመተ ድንግል ብዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ መላእ ሃገረ ሩሲያ ንቕዱስ ንጹሕ ልቢ ማርያም ኣወፍዮም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዕለት 21 ሕዳር 1964 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቅድሚ ብጹዓን ኣበው ካልይ ጒባኤ ቫቲካን ከም ብሓድሽ ሩሱያ ንቅዱስ ንጽሕ ልቢ ማርያም ከም ዝወፈዩን ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን ዕለት 7 ሰነ 1981 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ንበዓለ ጰራቅሊጦስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ባዕሎም ዝደረስዎ መላእ ዓለም ንማርያም ሕድሪ ዝብል ጸሎት ከም ዝደገሙ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብ ቅዱስ ዓመተ ድሕነት እቲ ዕለት 7 ሰነ 1981 ዓ.ም. በማላድነት ማርያም ነፍሲ ወከፍ ሰብን ህዝቢ ዓለምን ንማርያም ሕድሪ ዘወፊይ ባዕሎም ዝደረስዎ ጸሎት ዕለት 13 ግንቦት 1982 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ከም ዘቕረብዎን ዕለት 25 መጋቢት 1984 ዓ.ም. ምስ መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንመንፈሳዊ ጒባኤ ኣብ ዝዓደምሉ እዋን ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መላእ ህዝቢ ዓለም ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ከም ዘወፈዩ የመላኽት።

ኣብ 2000 ዓ.ም. ቅዱስ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብቲ እዋን ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ደሓር ኣብ ር.ሊ.ጵጵስና በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነ እቲ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ዝፍጽምዎ ዝነበረ መላእ ህዝቢ ዓለም ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ናይ ምውፋይ ተግባር ኣብ ፋጢማ ዝተገልጸት ማርያም ዝሓተተቶ ምዃኑ ብወግዒ እተን ነቲ ራእይ ዝተቐበላ እናቴ ሉቺያ ዝሃበኦ ምስክርነት መሰረት ገይሮም ብወግዒ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

16 Mar 2022, 16:57