ድለ

2022.03.05 Progetto Agata Smeralda 2022.03.05 Progetto Agata Smeralda 

ሓቀኛ ሡርነቀል ለውጢ ረዳኢ ንዘይብሎም ክፍሊ ሕብረሰብና ምሕብሓብ እዩ!ር.ሊ.ጳ

ኣጋታ ስመራልዳ ፕሮጀክት ብዝብል ስም ኣብ ሻውላት ብራዚል ረዳኢ ንዘይብሎም ከልዕል ካብ ነዊሕ ግዜ ዘገልግልማሕበር ኣባላት ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተርኺቦም ኣብ ዝተዘራረቡሉ ቅዱስነቶም ‘ሓቀኛ ሡርነቀል ለውጢ ወይውን ሰውራ በቶም ዕለት ዕለት ንድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ከም ደቂ እግዚአብሔር ብዘለዎም ክብረት ክነብሩ ንክኽእሉ ንምሕጋዝ ብዝግበር ጻዕሪ ይግለጽ’ እንክብሉ ኣተባቢዖሞም።

ዜና ቫቲካን!

ፋቨላስ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ኣብ ሃገረ ብራዚል ደቡብ ኣመሪካ ዝርከብ ሻውላት ንዓለም ምሉእ ዘስካሕከሐ ድኽነትን ጭንቅን ኣብ ርእሲ ምእንጋዱ ኣብቲ ከባቢ ዘይፍጸም ዓመጽ ዳርጋ የለን ይበሃል። ካብ ዝውውር ዕጸ ፋርስን ምንዝርናን ክሳብ ምዝመዛ ሕጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ክብሪ ወዲሰብ ዝትንክፍ ብዙሕ ጸገማት ኣሎ። ቀንዲ ግዳይ ናይዚ ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብ ሕጻናት ብምዃኖም እዚ ኣብ ላዕሊ ስሙ ዝተጠቅሰ ማሕበር ምስ ልኡካነ ወንጌሉ ብምትሕብባር ኣብ ብራዚል ልዕሊ 10,000 ሕጻናት ኣብ 160 ዝኾኑ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ሳልቫዶር ዲ ባህያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣዕቊቡ ዘድሊ ነገራት እናገበረሎም ብውሉደ ክህነትን ውፉያት ምእመናንን ከምዝግልገሉ ይገብር ኣሎ።

ነዚ መደብ እዚ ዕውት ንምግባር ብርሑቅ ዝግበር ሞግዚትነት ድኻታትን ዘኽታማትን ሕጻናት እንክኸውን ንትምህርቶምን ንሕክምናኦምን ዓቢ ሓገዝ እዩ። እቲ ፕሮጀችት ኣብ ሃገረ ጣልያን ከተማ ፊረንጸ ከምዝድገፍን እዚ ደገፍ እዚ ኣብ ኢታፑዋ ዝበሃል ከባቢ ንውልቀ ኣደታት ዝኸውን መዕቆቢ ከምዝውዕል እውን ተሃቢሩ።

ኣድላይነት ኣቦነት!

ቅዱስነቶም ንኣባላት እቲ ማሕበር ስለኩሉ ድሕሪ ምምስጋን ብቀንዱ ‘ኣብ ግዜና ኣድላይነት ኣቦነትን ሓልዮትን ሓደ ካብ ዘድልዩ ኰይኑ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝሃብኩዎ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ልቦምን ገዛኦምን ብምኽፋት ሓደ ሕጻን ወይ ሓንቲ ሕጻን ንዝቅበሉ ስድራቤታት ንኢደ ነረ። ብተመሳሳሊ መንገዲ እዚ ስምዒት እዝን ኣቦነትን ኣደነትን ገዛኹምን ልብኹምን ምኽፋት ቀንዲ መለለዪ ማሕበርኩም ምዃኑ እምልከት ኣሎኹ። በዚ አመስግነኩም` ኢሎምዎም።

ቅዱስነቶም ነቶም እዚ ከምዚ ዓይነት ደገፍ ንክስጉም ሓደ ሕጻን ወይ ሓንቲ ሕጻን ብርሑቅ ብምምዋል ዝሕግዙ ስድራቤታት ድሕሪ ምምስጋን ካልኦት እውን ነዚ ኣብነት እዚ ክስዕቡ ሓደራ ኢሎም። ከመይ ከምዚ ብምግባር ለዋህነትን ሓልዮትን እግዚአብሔር ናብ ኩሉ ከምዝባጻሕ ንገብር ኢሎም። እዚ ከኣ ንብዙሓት መንእሰያትን ድኻታትን ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ ናብራ ንክነብሩ የኽእል። እዚ ኣገባብ እዚ ብሱቊታ ዝግበር ለውጢ ወይውን ሰውራ ክንብሎ ንኽእል ኢሎም።

ብሱቊታ ዝካየድ ሡርነቀል ለውጢ (ሰውራ)!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም እዚ ዕለት ዕለት ብሱቊታ ዝግባር ምግባረ ሠናይ እዚ ነቲ ጐይታ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጥ ንዝብል እንከዘኻኽር፣

“ሓቀኛ ሡርነቀል ለውጢ ወይውን ሰውራ በቶም ዕለት ዕለት ንድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ከም ደቂ እግዚአብሔር ብዘለዎም ክብረት ክነብሩ ንክኽእሉ ንምሕጋዝ ብዝግበር ጻዕሪ ይግለጽ። እዚ ከኣ ነቲ ጐይታ ንእሽቶ ዘርኢ መንግሥቲ እግዚአብሔር በብቁሩብ ተዓቢ ብፍቅሪ ዝዕጸት ፍረ እውን ትፈሪ ንዝብል ብግብሪ ስለዝገለጽ ነዚ ተግባር እዚ ብጸጋ እግዚአብሔር ንቅድሚት ኣሰጒምዎ’ እንክብሉ ተሰናበትዎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
05 Mar 2022, 18:25