ሎሚ ከም ሎሚ እግዚአብሔር ካባና ዝደልዮን ባሪኹ ዝህበናን ግዜ ሕውነት እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ልክዕ ዓመት ይገብር በቲ ሓደ ወገን ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ጥርዙ በጺሑ ኩለን ሃገራት ዶባተን ዓጽየን ማንም ከይኣቱ ማንም ከኣ ከይወጽእ ኣብ ዝብላሉ ዝነበራ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንሰላሳ ዓመት ምስ መመላእታ ብወግእ ሓድሕድ ትሕመስ ኣብ ዝነበረት ሃገረ ኢራቅ ኣይንመኽረኩምን እንተተረፈ ይሓይሽ ዝብል ዝተፈላለየ ሓረጋት እናዘነበ ቅዱስነቶም ግን ንጐይታ ሒዘ ነዚ ዝሳቀ ሕዝቢ ክበጽሕ እየ ኢሎም ንዓለም ምሉእ ዘዛረበ ዕውት ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱ ዝዝከር እዩ።
ሎሚ ድሕሪ ዓመት ቅዱስነቶም ምስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ነቲ ታሪኻዊ ምብጻሕ ዘኪሮም ‘ዘይርሳዕ ሓውጾተ ኖለዎ’ እንክብሉ ከምዛ ሎሚ ብምዝካር እቲ ዝኽሪ ንዝፈጠረሎም ሓጐስን ባህታን ክሓብኡ ኣይከኣሉን።
ኣብ መዝገበ መጻሕፍቲ ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ከተማ ቫቲካን ኣብ ዝተገብረ ርክብ ቅዱስነቶም ሃገረ ኢራቅ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ መሬት ምዃኑ እዚ ከኣ ጥንታዊ ሥልጣኔ ማእከላይ ምብራቅስ ይኹን ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባት ዝጀመረሉ ከማኡ አውን ቀዳሞት ክርስትያን በዂሪ ተልእኮ ስብከተ ወንጌሎም ናብቶም ብቀዳማይ ስደት ክርስትና ፋሕፋሕ ዝበላ ዕብራውያን ዝርከብወን ማሕበራት ክርስትያን ዝጀመረሉ ምዃኑ ገለጹ። እንተኾነ እዚ ናይ ስደት ጉዳይ ሎሚ እውን እንተኾነ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ይቅጽል ኣሎ፣ ብስደትን ውግእን መሬት ስደታት ምዃኑ ሎሚ እውን ከምዝቅጽል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ክርስትያን ዘይብላ ኢራቅ ዘይሕሰብ እዩ!
ቅዱስነቶም ንኩነታት ስደትን መከራን ናይዘን ኣብያተ ክርስትያን ምናዳ ኸኣ ናይቲ ብዘይ ምቊራጽ ብቀጻሊ ዝውሕዝ ደም ሰማዕታት ብምዝካር ነፍሲወከፍ ነጥቢ ደም ሰማዕታት ዋጋ ከምዘለዋ አኳ ደኣ ከም ደም ክርስቶስ ደም እዞም ሰማዕታት እዚኦም ንቤተክርስትያን ከምዘዕምብብን ዘርኢ ሓድነት ኣብ መንጎ ክርስትያን ኰይኖም ምልክት ሓዲስ ጸደይ ክርስትና ምዃኑ እምነቶምን ተስፋኦምን ገሊጾም።
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ዝዘከርዎ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ኢራቅ ዘሎ መንፈስ ሕውነት ብጣዕሚ ዝነኣድ ምዃኑ ምናዳ እቲ ኣብ ዓውዲ ስብከተ ወንጌልን ጒስነትን ንኣገልግሎት ድኻታት ዝገብርዎ ኲስኰሳን ብምንኣድ ነዚ ኣብ ውህደት ክርስትያን ተመስሪቱ ዝዝራሕ ጐዳና ክቅጽልዎን ብጭቡጥ ተበግሶታትን ቀጻሊ ዘተን ከደንፍዕዎ ኣተባቢዖም።
ጓሶት ምስ ምእመናኖም ቅርበት ክህልዎም ይዕደሙ!
መንፈሳዊ ውርሻ ኢራቅ መበቆላውን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን መዝገብ ምዃኑ እንተኾነ ነዚ ንምዕቃብን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍን ብዙሕ ሰማዕትነትን ዋጋን ከምዝተኸፈሎ ዝገልጹ ቅዱስነቶም መራሕቲ ኣብያተክርስትያን ምናዳ ኸኣ ጓሶት ወትሩ ኣብ ጐድኒ ምእመናኖም ኰይኖም ቅርበቶም ብተግባር ከርእዩ ሓደራ ኢሎምዎም።
ንጒዕዞ ሕውነት ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ የድሊ!
ቅዱስነቶም ነቶም ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ሃገረ ኢራቅ ጒዳይ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዘይኮነ ምስቶም ምሳኣቶም ሓቢሮም ብማሕበራውን ባህላውን ጉዳያት ተኣሳሲሮም ብሓባር ዝነብሩ ተኸተልቲ ካልእ እምነታት እውን ሓልዮቶም ከስፍሑ ነዚ ከኣ ምስ ተኸተልቲ ካልእ እምነታት ብፍቅርን ስኒትን ብሓባር ንምባር ቀንዲ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ብክፉት ልቢ ከካይዱ በዚ ከኣ ሃይማኖታት ኩለን ንኣግልግሎት ሕውነት ዘመደ ኣዳም ከምዝውዕሉ ምግባር ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ኢራቅ ወትሩ ኣብ ልቦም ምዃኖም ብምግላጽ ክርስትያን ኢራቅ ጠመተኦም ካብቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ኢየሱስ ከርሕቁ ነግ ፈረግ ክብሉ ከምዘይብሎምን ነቲ ሃንዳሲ ሓድነት ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ከይሰልቸው ክልምኑ ኣብነት ፍጹም ውህደት ዝኾነ ቅድስት ሥላሴ ከኣ ነቲ ጐይታ ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ኢሉ ዝጸልዮ ከግህዱ ወግሐ ጸብሔ ክምህለሉ ብምዝኽኻር ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።