ድለ

2022.02.28 Rappresentanti delle Chiese Cristiane presenti in Iraq 2022.02.28 Rappresentanti delle Chiese Cristiane presenti in Iraq 

ሎሚ ከም ሎሚ እግዚአብሔር ካባና ዝደልዮን ባሪኹ ዝህበናን ግዜ ሕውነት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሓውጾተ ኖልዎ ኢራቅ ኣብ ዝግበረሉ ግዜ ቅዱስነቶም ንወከልቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ መንበሮም ተቀቢሎም ኢራቅ ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ‘ኣጆኹም ህላዌኹም ኣብ ዘሎኹምዎ ዞባ ህያው ይኹን፣ ምስ ካልኦት እምነታት ከኣ ነቲ ኣድካሚ ግን ከኣ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ጒዕዞ ሓድነትን ዘተን ኣካይዱ’ እንክብሉ ኣተባቢዖም።

ዜና ቫቲካን!

ልክዕ ዓመት ይገብር በቲ ሓደ ወገን ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ጥርዙ በጺሑ ኩለን ሃገራት ዶባተን ዓጽየን ማንም ከይኣቱ ማንም ከኣ ከይወጽእ ኣብ ዝብላሉ ዝነበራ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንሰላሳ ዓመት ምስ መመላእታ ብወግእ ሓድሕድ ትሕመስ ኣብ ዝነበረት ሃገረ ኢራቅ ኣይንመኽረኩምን እንተተረፈ ይሓይሽ ዝብል ዝተፈላለየ ሓረጋት እናዘነበ ቅዱስነቶም ግን ንጐይታ ሒዘ ነዚ ዝሳቀ ሕዝቢ ክበጽሕ እየ ኢሎም ንዓለም ምሉእ ዘዛረበ ዕውት ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱ ዝዝከር እዩ።

ሎሚ ድሕሪ ዓመት ቅዱስነቶም ምስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ነቲ ታሪኻዊ ምብጻሕ ዘኪሮም ‘ዘይርሳዕ ሓውጾተ ኖለዎ’ እንክብሉ ከምዛ ሎሚ ብምዝካር እቲ ዝኽሪ ንዝፈጠረሎም ሓጐስን ባህታን ክሓብኡ ኣይከኣሉን።

ኣብ መዝገበ መጻሕፍቲ ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ከተማ ቫቲካን ኣብ ዝተገብረ ርክብ ቅዱስነቶም ሃገረ ኢራቅ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ መሬት ምዃኑ እዚ ከኣ ጥንታዊ ሥልጣኔ ማእከላይ ምብራቅስ ይኹን ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባት ዝጀመረሉ ከማኡ አውን ቀዳሞት ክርስትያን በዂሪ ተልእኮ ስብከተ ወንጌሎም ናብቶም ብቀዳማይ ስደት ክርስትና ፋሕፋሕ ዝበላ ዕብራውያን ዝርከብወን ማሕበራት ክርስትያን ዝጀመረሉ ምዃኑ ገለጹ። እንተኾነ እዚ ናይ ስደት ጉዳይ ሎሚ እውን እንተኾነ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ይቅጽል ኣሎ፣ ብስደትን ውግእን መሬት ስደታት ምዃኑ ሎሚ እውን ከምዝቅጽል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ማሕበረ ክርስትያናትኩም ምስ ጥንታዊ ታሪኽ ኢራቅ ዝተኣሳሰረ እዩ፣ ብሓቂ ዘስቅቅ ግዝያት ስደት ኣሕሊፈን አንተኾነ ንወንጌል ዘለዎም ተኣማንነት ተባዕ ምስክርነት ሂበን። በዚ ጉዳይ እዚ ንጐይታ አመስግን ንዓኹም እውን ወሮታይ እገልጸልኩም። ኣብ ቅድሚ ስቃይን ሰማዕትነትን ናይዞም ሕይወቶም ከይተረፈ ብምኽፋል እምነቶም ዝሓለው እምብርከኽ። ክርስትያን ዘይብላ ኢራቅ ዘይሕሰብ እዩ ኢሎም።”

ክርስትያን ዘይብላ ኢራቅ ዘይሕሰብ እዩ!

ቅዱስነቶም ንኩነታት ስደትን መከራን ናይዘን ኣብያተ ክርስትያን ምናዳ ኸኣ ናይቲ ብዘይ ምቊራጽ ብቀጻሊ ዝውሕዝ ደም ሰማዕታት ብምዝካር ነፍሲወከፍ ነጥቢ ደም ሰማዕታት ዋጋ ከምዘለዋ አኳ ደኣ ከም ደም ክርስቶስ ደም እዞም ሰማዕታት እዚኦም ንቤተክርስትያን ከምዘዕምብብን ዘርኢ ሓድነት ኣብ መንጎ ክርስትያን ኰይኖም ምልክት ሓዲስ ጸደይ ክርስትና ምዃኑ እምነቶምን ተስፋኦምን ገሊጾም።

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ዝዘከርዎ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ኢራቅ ዘሎ መንፈስ ሕውነት ብጣዕሚ ዝነኣድ ምዃኑ ምናዳ እቲ ኣብ ዓውዲ ስብከተ ወንጌልን ጒስነትን ንኣገልግሎት ድኻታት ዝገብርዎ ኲስኰሳን ብምንኣድ ነዚ ኣብ ውህደት ክርስትያን ተመስሪቱ ዝዝራሕ ጐዳና ክቅጽልዎን ብጭቡጥ ተበግሶታትን ቀጻሊ ዘተን ከደንፍዕዎ ኣተባቢዖም።

“እንደገና ከረጋግጾ ዝደልዮ ጉዳይ ኢራቅ ብዘይ ክርስትያን ክትሓስቦ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ እምንቶ እዚ ኣብ ሃይማኖታዊ መሠረት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ምትእስሳር እውን ይገሃድ። ኢራቅ ብዘይ ክርስትያን ኢራቅ ክትከውን እምበይምኸኣለትን። ምኽንያቱ ከኣ እቲኦም ክርስትያን ምስ ተኸተልቲ ካልእ እምነታት ኰይኖም ብሓባር ምንባርን ምጽውዋርን ነንሕድሕድካ ምቅባልን ዝመለለዩኡ ሕዝቢ ካብ ቀዳሞት ዘመናት ጀሚሩ ዝዓምበበሉ ንዓለም ማእከላይ ምብራቅ ምስ ፍልልያትካ ብሰላም ክትነብረሉ ዝከኣል ምዃኑ ብግብሪ ከርኢ ዝተጸውዔ ምዃኑ ዝገልጽ አዩ ስለዚ ጓሶት ነፍሳት ምስ ምእመናንኩም ጥቡቅ ቅርበት ይሃሉኹም ኢሎምዎም።”

ጓሶት ምስ ምእመናኖም ቅርበት ክህልዎም ይዕደሙ!

መንፈሳዊ ውርሻ ኢራቅ መበቆላውን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን መዝገብ ምዃኑ እንተኾነ ነዚ ንምዕቃብን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍን ብዙሕ ሰማዕትነትን ዋጋን ከምዝተኸፈሎ ዝገልጹ ቅዱስነቶም መራሕቲ ኣብያተክርስትያን ምናዳ ኸኣ ጓሶት ወትሩ ኣብ ጐድኒ ምእመናኖም ኰይኖም ቅርበቶም ብተግባር ከርእዩ ሓደራ ኢሎምዎም።

“ክርስትያን ኢራቅ ኢራቅ ሃገሮም ገዛኦም ከምዝኾነትን ምሉእ መሰል ዘለዎም ዜጋታታ ምዃኖምን በዚ ከኣ ኣብታ ወትሩ ዝነበሩላ መሬት እጃሞም ከበርክቱ ዝተጸውዑ ምዃኖምን ብቀጻሊ ክሕዝዎ ከይተንፈቀለ ዝተርፍ እምኒ ከይህሉ ሓደራ። ነዚ ንምግባር ከኣ ጓሶት ንምእመናኖምን ምእንቲ ክሕግዝዎምን ከጸናንዕዎምን ወትሩ ኣብ ጐድኖም ክኾኑ ብተግባር ከኣ ብኣብነቶም ክምስክሩ ኣለዎም። ነዚ ከኣ ኣብነት ናይቲ ሕያዋይ ጓሶ ዝኾነ ክርስቶስ ቅርበትን ርህራሔን ዝመፍለጢኡ ኣብነት ብተግባር ብምስዓብ እዩ። ምስቶም ዘይክርስትያን ዝኾኑ ከኣ ዘተን ብሕውነት ሓቢርካ ምጒዓዝን የድሊ ኢሎም።”

ንጒዕዞ ሕውነት ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ የድሊ!

ቅዱስነቶም ነቶም ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ሃገረ ኢራቅ ጒዳይ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዘይኮነ ምስቶም ምሳኣቶም ሓቢሮም ብማሕበራውን ባህላውን ጉዳያት ተኣሳሲሮም ብሓባር ዝነብሩ ተኸተልቲ ካልእ እምነታት እውን ሓልዮቶም ከስፍሑ ነዚ ከኣ ምስ ተኸተልቲ ካልእ እምነታት ብፍቅርን ስኒትን ብሓባር ንምባር ቀንዲ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ብክፉት ልቢ ከካይዱ በዚ ከኣ ሃይማኖታት ኩለን ንኣግልግሎት ሕውነት ዘመደ ኣዳም ከምዝውዕሉ ምግባር ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“ውስጠ ሃማኖታዊ ዘተ ንማለቱ ስለ ቃልዓለም ዝግበር ጉዳይ ከምዝኾነ ኣዳዕዲዕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከማኡ ኣይኮነን ክንዮኡ እዩ። ንዋጋ ዕዳጋን ንዲፕሎማስን ዝግበር እውን ኣይኮነን። ንሰላም ብምምዕዳው ዝግበር ሕውነታዊ ጒዕዞ እዩ። ኣድካሚ ጒዕዞ እዩ እንተኾነ እግዚአብሔር ኣብዚ ግዜ እዚ ዝሓተና ዘሎ ጒዳይን ብኣኡ ዝባርኸናን እዩ። ብዙሕ ትዕግስትን ምርድዳእን ዘድልዮ ጒዕዞ እዩ እንተኾነ ከም ክርስትያን ከም እንዓቢ ዝገበረና ጒዕዞ እዩ ምኽንያቱ ከኣ ከም ክርስትያን ልብና ክንከፍት ገበርቲ ሰላም ከኣ ክንከውን ንዝተዋህበና ዕዮ ገዛ ንክንፍጽም የኽእለና። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ኣብ ዘመንና ዝረኤ ዘሎ ንዝኾነ እምነት ዘየናሕሲ ሓደጋን ንሰላም ዝጻረርን ኣኽራርነት እምነት ብውስጠ ሃማኖታዊ ዘተ ጥራይ እዩ ዝቊጸ። እንተኾነ ካብ ዕጽው ኣተሓሳስባ ውሉደክህነታውነትን ካብ ደረቅ ምዃንን ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ኢራቅ ወትሩ ኣብ ልቦም ምዃኖም ብምግላጽ ክርስትያን ኢራቅ ጠመተኦም ካብቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ኢየሱስ ከርሕቁ ነግ ፈረግ ክብሉ ከምዘይብሎምን ነቲ ሃንዳሲ ሓድነት ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ከይሰልቸው ክልምኑ ኣብነት ፍጹም ውህደት ዝኾነ ቅድስት ሥላሴ ከኣ ነቲ ጐይታ ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ኢሉ ዝጸልዮ ከግህዱ ወግሐ ጸብሔ ክምህለሉ ብምዝኽኻር ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

01 Mar 2022, 11:42