ድለ

PORTUGAL RELIGION FATIMA PILGRIMAGE PORTUGAL RELIGION FATIMA PILGRIMAGE 

ኣብዛ ሰዓት’ዚኣ፣ ብኩሉኩሉ ዝተሓለሎን ዝገብሮ ዝጨነቆን ውሉድ-ሰብ፡ ምሳኺ ኣብ ትሕቲ መስቀል ደው ቢሉ ኣሎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ምሸት ነተን ወርሒ ምሉእ ኣብ ብርቱዕ ደማዊ ውግእ ዝርከባ ሃገራት ሩስያን ኡክራይናን ናብ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ናይ ምውፋይ ጸሎት ኣዕሪጎም። ቅዱስነቶም ካብ መንበረ ጴጥሮስ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እንከዕርጉ ካብ ደብረ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ሃገረ ፖርቱጋል ከኣ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ፍሉይ ልኡኾም ክንዳኦም ኰይኖም ነቲ ጸሎት ወፈያ ከምዝመርሑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዝኾነ ፍጡር ዓቢ ሓደጋ እንከጓንፎ እሞ ንሕይወቱ ምስ ዝሰግእ ብደመ ነፍስ ዝምራሕ እንስሳ ከይተረፈ ዝገብራ ቀዳመይቲ ነገር ናብ ወላዲቱ ናብ ኣዲኡ ምጒያይ እዩ። ደቂሰብ እውን ኣብ ገዛ ሰላም ምስ ዝሰኣን ንኩሉ ክተተሃዳድእ ናብ ኣደ ይጐዩ። ናይ ጳጳሳዊ ዓለምለኸ ኣካዳሚ ማርያም ፕረሲደንት ኣባ እስተፋኖ ቸቺን ነዚ ብቅዱስነቶም ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተባህሎም ብምዝካር ሰላም ምስ ዝሰኣን ኣመንቲ ደቂሰባት ዝገብርዎ እውን ናብታ ንግሥተ ሰላም ዝኾነት ኣዲኦም ድንግል ማርያም ብምሉእ ተኣማንነት ምምዕቋብ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ይብሉ ኣባቴ፣ ‘ሰላም ወትሩ ካብ እግዚአብሔር እያ ትምንጩ ስለዚ ምስታ መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ እተፍቅሮ ድንግል ማርያም ንጹሕ ልቢ ብምውህሃድ ነዛ ሰላም ክረኽቡ ይኽእሉ’ እንክብሉ ነቲ ኣብ መንጎ መስፍን ሰላምን ኣዲኡ ንግሥተ ሰላምን ዘሎ ምትእስሳር ገሊጾም።  

ቅዱስነቶም እውን ነዚ ምትእምማን እዚ ተኣንጊቦም ሎሚ ምሸት ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት ወፈያ ‘ንመጻኢ መላእ ስድራቤት ውሉድ-ሰብ፡ ግድነታትን ትጽቢታትን ሕዝብታት፣ ከምኡ እውን ስቃይን ተስፋን መላእ ዓለም ንዓኺ ነወፍዮ ኣሎና። ብኣኺ ኣቢሉ፡ ኣብ መላእ ምድሪ፡ መለኮታዊ ምሕረት ይፍሰስ፤ ጥዑም መቃልሕ ሰላም ንመዋዕልና የማሙቚ’ እንክብሉ ስለ እተን ብውግእ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራትን መላእ ዓለምን ተማህሊሎም።

እዚ ሥርዓት ጸሎት ወፈያ እዚ ኣብ እቲ ኣብ ኩሎም ደቂሰባት መንፈስ ሕላለን ሕርባቴን ትገብሮ ምጭናቅን ኣስፊኑ ዘሎ ኣስካሕካሒ ውግእ ሩስያን ኡክራይናናን ኣንጸላልይዎ ዘሎ ደመና ሣልሳይ ውግእ ዓለምን ንምድሓን ዝቀረበ ገዓር ኣብ ርእሲ ምዃኑ እቲ ካብ ንውሕ ዝበለ ዓመታት ከም ክፍሊ ጾመኣርባዓን ንስሓን ተኣታትዩ ዘሎ ኣብ ማእከል ጾአመኣርባዓ ሓንቲ ዓርቢ ናይ ንስሓን ኣምልኾን ስግደትን 24 ሰዓት ዝግበረላ ዕለት ናይዚ ዓመት እዚ ብምዃና እውን እዚ ጸሎት ወፈያ እዚ ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ ናይቲ ዕለት እቲ ጀሚሩ በታ ን24 ሰዓታት ምስ ጐይታ እትብል ኣብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ ዝሳተፍዎ ልዕሊ 80 ካህናት ኣብ መንበረ ኑዛዜ ኮይኖም ኣገልግሎት ዝህበሉ ህሞት ብምፍጻሙ በዚ ጸሎትን ንስሓን ን24 ሰዓታት ክስነ እዩ።

ማዕረ ማዕረ እቲ ካብ መንበረ ጴጥሮስ ብቅዱስነቶም ኣብ ደብረ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ሃገረ ፖርቱጋል ከኣ ብብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ዝፍጸም ሥርዓት ጸሎት ወፈያ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለምና ዝርከባ ካቶሊካውያን ሰበኻታት እውን ከምቲ ኣቀዲሞም ር.ሊ.ጳ ኣቅሪቦሞ ዝነበሩ ዕድመ ኣብ ነፍስወከፍ ሰበኻ ብመሪሕነት ኣቡናቶም ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ከምዝተፈጸመ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ምስ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ብወፈያ ምውህሃድ!

ቅዱስነቶም ነዚ ሥርዓት ጸሎት ወፈያ ከሐድሱሉ ዝመረጹ ብምንታይ ምኽንያት ኮን ይኸውን ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ስለዝቀርብ ነዚ ንምብርህራህ ኣብ ጳጳሳዊ ዓለምለኸ ኣካዳሚ ማርያም ፕረሲደንት ኣባ እስተፋኖ ቸቺን ረድዮ ቫቲካንን ዜና ቫቲካንን ምስ ተወከሰ ነዚ ዚስዕብ መልሲ ረኺቡ። ኣባ ቸቺን ብመጀመርያ ሥርዓት ወፈያ ናብ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ትምህርተ ንባባዊ ትርጉሙ እንክገልጹ ‘ሰላም ክትረክብ እንተደሊኻ ኣብቲ መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ ዘፍቅር ንጹህ ልቢ ድንግል ማርያም ክትውፈ ምሳኡ ከኣ ክትወሃሃድ የድሊ’ ዝብል ኰይኑ፣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዚ ተግባር እዚ ንምሕዳስ ዝወሰኑሉ ቀንዲ ምክንያት ከኣ ብወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓም ኣብ ኣካዳሚና መጺኦም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘ወትሩ ንናይ ግዜና ምልክታት ድንግል ማርያም ኣስተውዒልና ክንምልከቶም ሓደራ’ ኢሎምና ነሮም። ሕጂ ነዚ ውሳኔ’ዚ ክገብሩ እንከለው ከኣ ካብቲ ኣብ ኣደ ዘለዎም ፍሉይ ኣተኲሮ ዝነቀለ ኰይኑ ኣብ ገዛ ውግእ እንክልዓል ማለት ጸገም እንከጋጥም ንከትህድኦ እትጽዋዕ ብቀዳምነት ኣደ ስለዝኾነት ኣብዚ ዓለምና ወሪፉ ንዘሎ ውግእ ከኣ እንትርፊ ናብታ መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ እተፍቅረና ድንግል ማርያም ምጒያይን ኣባኡ ምምዕቋብን ካልእ ንገብሮ ብዙሕ ስለዘየለ ነዚ ሥርዓት ጸሎት ወፈያ ከሕድስዎ ወሲኖም’ እንክብሉ ገሊጾም።

ኣባቴ ብምቅጻል ትርጉም ንጹህ ልበ ድንግል ማርያም ዝብል ብሂል ልበ ድንግል ማርያም ካል ልቢ እግዚአብሔር ከምዘይፍለ እዚ ከኣ እታ ምስ እግዚአብሔር ኣብ እንኮ ውሉድ ዝተኻፈለት ብምዃኑ እዚ ውሉድ እዚ ከኣ ብእግዚአብሔር ኣብን ብእኖና ድንግል ማርያምን ብጣዕሚ ዝተፈቅረ ውሉድ እዩ። ነዚ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱሳን ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን ጳውሎስ ሻድሻይን ምሉእ ልማድ ቤተክርስትያንን የዘኻኽረና ኢሎም።

ማርያምከስ መንገዲ ፍቅሪ ከፊታትልና በዚ ከኣ ንሕና ምስቲ ቅዱስ ልባ ክንወሃሃድ ዝተጸዋዕና ኢና። ሰላም እንተደለና ኣብታ ምስ ንጉሥ ሰላም ዝተወሃሃደ ልቢ ማርያም ክንወሃሃድ ኣሎና እንክብሉ ዕዮ ገዛ ነፍስወከፍ ኣማኒ ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ኣባቲ ዝገለጽዎ እዚ ወፈያ እዚ ናይ መላእ ዓለም እውን ክኸውን ስለዝተደልየ ቅዱስነቶም ናብ ኣቡናት መላእ ዓለም ብዝጸሓፍዎ መልእክቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ምስ ምእመናኖም ሓቢሮም ነዘን ቈሲለን ዘለዋ ሃገራትን መላእ ዓለምን ናብ ንጹሕ ልበ ድንግል ክወፍዩ እሞ ጐይታ ንመላእ ዓለም ሰላሙ ክህብ እዚ ከኣ ኣብ ግዜ ጸገም ዝዝውተር ልማድ ቤተክርስትያን ምዃኑ ታሪኽ ይምህረና እንክብሉ ኣብሪሆም።

25 Mar 2022, 13:44