ድለ

“ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሰላም እዮም ዝዛረቡ፡ ይዅን እምበር . . .” “ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሰላም እዮም ዝዛረቡ፡ ይዅን እምበር . . .”  ርእሰ ዓንቀጽ

“ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሰላም እዮም ዝዛረቡ፡ ይዅን እምበር . . .”

መንግስቲ ምዕራባውያን ዝኽተልዎ ፖለቲካ እተራቀ ኣጽዋር ዘፍስስዎ ዘለዉ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ገንንዘብ ክብ ክብል ዝገብር እዩ። ብሚሊዮናት ዝቑጸር ኣብ ድኽነትን ጥሜትን ዘለዉ ንምዕንጋልን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምቕራብን ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣርን እንግዶት ንኽረኽቡ ኣብ ዝሕግዝ መደብ ከውዕልዎ ግና ኣይክእሉን

ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔሊ፥ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ጻውዒትን ምሕጽንታ ኣትሒትካ ናይ ምጥማት ወይ ከከም ዘድልየካ ናይ ምጥቓምን ሜላ . . . ኣጽዋር ውግእ ምምራትን ምምሃዝን የብቅዕ . . . ውግእ ጽላለ እዩ ምባል . . . ! ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ቅድድም ኣጽዋር ውግእ ኣማእኪሎም ክዛረቡ እንከለዉ ከም ጳጳስ ጥራሕ እዮም ዝዛረቡ . . . ከም ር.ሊ.ጳ. ከይዛረቡ ኣይክእሉን ከም ር.ሊ.ጳ. ዘይምዝራብ ናቶም ክኸውን ኣይክእልን . . . ውግእ ኣይፋል ክብሉ እንከለዉ ነዚ ሓሳብ ቅዱስነቶም እዚ ከም ግዜን ከም ከባብን ከከም ኵነታቱ ክትሓዋውሶ ነቲ ዝብልዎ ኣትሒትካ ምርኣይ እዩ ዝኸውን። . . . ነቲ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘውርድዎ ዘለዉ መጥቓዕቲ ምኽንያት ዝገብር ቅልጡፍ ቅድድም ኣጽዋር ውግእ ዘይቅብል ቢሎም ይገልጽዎ . . . ነዘን ናይ ሮማ ኣቡን ቃላት እዚኣተን ከከም ዝደለኻዮ ምትርጓም ትኽክል ኣይኰነን . . . ከም ር.ሊ.ጳ. ስለ ዝዛረቡ . . . ስለዚ ንሶም ከም ር.ሊ.ጳ. እንክዛረቡ ከም ርእይቶ ገርካ ክትምልከቶ እቲ ውሳኔ ግና ናይ ፖለቲካ እዩ ብዝብል ኣዛራርባ ንኽትርጉም ዝድርኽ ኣይኮነን።

መንግስቲ ምዕራባውያን ዝኽተልዎ ፖለቲካ እተራቀ ኣጽዋር ዘፍስስዎ ዘለዉ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ገንንዘብ ክብ ክብል ዝገብር እዩ። ብሚሊዮናት ዝቑጸር ኣብ ድኽነትን ጥሜትን ዘለዉ ንምዕንጋልን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምቕራብን ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣርን እንግዶት ንኽረኽቡ ኣብ ዝሕግዝ መደብ ከውዕልዎ ግና ኣይክእሉን። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሰር እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘ውግእ ፈጺሙ መምለሲ ዘይብሉ ሓደገይና ፍጻሜ እዩ’ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ እዮም ዘቃልሑ። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ኣብ ዒራቕ ዝተኻየደ ክልተ ውግኣት ኣብ ባልካን እተኻየደ እውን ኣመልኪቶም ዝበልዎ ውግእ ጽላለ ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳቦም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ እውን ከይተረፈ ኣትሒትካ ናይ ምምልካት ፈተና ኣጋጢምዎ እዩ። እዚ ንቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ኣይኰነን።  

ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኽርስቶስ መዓጹና ክነርህወሉ ተማሕጺኖም እቲ ኣብ 2003 ዓ.ም. ምዕራባውያን መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ሳዳም ሑሴን ዝፍንውዎ መጥቓዕቲ ደው ንኽብሉ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዝመዓረረዮ መልሲ ኣይተወሃቦን። ድሕሪ ዕስራ ዓመት እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣንጻር ውግእ ዝተዛረብዎ ብዓውታ ዝገለጽዎ ቃል ትንቢታዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዓሚቝ ፖለቲካዊ ክውንነት እውን ግምት ዝሃበ ከምዝነበረ መን ክኽሕዶ ይኽእል? ዑናታትን መሬት ብዙሓት ሰማዕታት ዝዀነት ዒራቕ ናብ መአከቢ ግብረ ሽበራ እያ ተቐይራ። ስለዚህ እቲ ውግእ ከይካየድ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክምሕጸኑ እንከለዉ ክሳብ ክንደይ ኣርሒቖም ከም ዝጠመቱ ኢኻ ተስተውዕል። ነዚ ምርዳእ እዅል እዩ። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዜጋጥም ዘሎ። ውግእ ዘይተርፍ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኢዶም ዝህቡ ር.ሊ.ጳ. ክህልዉ ዘይሕሰብ እዩ። ምኽንያቱ ዓመጽን ብልሽውናን መዋጽኦ ዘይብሉ ጸላም እቲ ብልሽው ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ከምኡ እውን ክሳዕ እቲ ንዓለም ብተደጋጋሚ ንደቅሰብ ከጥፍእ ዝኽእል ብኑከልሳዊ ኣጽዋር ምዕልቕላቕ ዝብል ኣተሓሳስባ ክውገድ ዝሓትት ብምዃኑ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “እተወሰና ሃገራት ናብቲ ካብቲ ዓመታዊ ሓይሊ ሃብተን ክልተ ሚእታዊ ኣብ ምዕዳግ ኣጽዋር ውግእ ክውዕል ናብ ዝብል ሓሳብ ክምልሳ ምርኣይ ብሓቂ የሕፈረኒ” ቢሎም ‘ጽላለ’ እንክብሉ እዮም ዝገለጽዎ። እቲ መልሲ  በጽዋር ውግእ ምድላብ እገዳታትን ኣብ መንጐ ሃገራት ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ምቛም ዘይኮነስ ካብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ፍልይ ዝበለ ካልእ ዓይነት ዓለም ለኻዊ ምሕደራ ምቕራብ ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ንምፍጻም ከኣ ካብቲ ንወተሃደራዊ ጒዳያት ካብ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ዝተሓተ ወጻኢ ዝሓትት እዩ።

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. “ውግእ ኣይፋል” ዝብል ሱር በተኽ ኣመለኻኽታ ምስ ገለልተይና ምዃን ዝብል ዓይነት ፖለቲካ ምንም ዓይነት ርክብ የብሉን። እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ መጥቓዕቲ ዝፍንውን መጥቓዕቲ ዝወርዶን ከም ዘሎ ዘርእይ እዩ። ንጹሓን እያቶም ዝዕደዩ ዘለዉ። ነዚ ንጹሓን ንህልቂት ዝዳርግ ኣናጸባበቕኻ ፍሉዩ ወተሃደራዊ ስርሒት ብዝብል ኣገልጋልጻ ከተቕርቦ ግብዝና እዩ። ምእንቲ መሬቶም ዝቓልሱ ገዛእ ርእሶም ዝከላኸሉ ኣለዉ። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፍነው ዘሎ መጥቓዕቲ እቲ ውግእ ካብ እተባራዓሉ ዕለት ኣትሒዞም ኮኒኖሞን ይዅንንዎ እውን ኣለዉ።

ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግን ኤውሮጳ ካብ 2016 ዓ.ም. ንነጀው ንወተሃደራዊ መዓላ ወጻኢታታ ብ 24.5 ሚእታዊ ኣዛይዳቶ እዩ፡  ር.ሊ.ጳ. ናይ ምዕራብ ሃገራት ቆሞስ ኣይኮኑን። ሰላም ምድላይ ማለት ነቲ ዝግበር ቅድድም ኣጽዋር ውግእ ይብርኽዎ ማለት ኣይኮነን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእስኻ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘሎ ትኣምነሉ እያ። ይዅን እምበር ኣጽዋር ምጥቓም ካብቲ ክውገድ ዘለዎ ብዙሕ ተዛማዲ ጸገማት እከይ ምዃኑ እያ እትምህር። . . . ሎሚ ደቅሰብ ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት “ኣብ ዘመናዊ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ” መዓሙቕ ከም ዘሎ መን ክኽሕዶ ይኽእል?

ር.ሊ.ጳ. ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 27 መጋቢት ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ውግእ ዘይተርፍ ነገር ክኸውን የብሉን። ንውግእ ክንለማመዶ የብልናን! ኣብ ክንድኡስ ነቲ ሎሚ ዘሎ ዘይምስምማዕ ናብ ናይ ጽባሕ መብጽዓ ክንቅይሮ ኣሎና። ምኽንያቱ ቀደም እውን ከምኡ እዩ ዝግበር ዝነበረ እናበልና ንውግእ ከብ ቅቡል ንምልከት እንተ ድኣ ዄይና ኵላትና ገበነይናታት ኢና እንኸውን። ደቅሰብ ገዛእ ርእሶም ከጥፍኡ ኣብ ዘስግእ ደረጃ ምስ በጽሑ፡ ውግእ ንሰብ ካብ ታሪኽ ቅድሚ ምድስማሱ ሰብ ንውግእ ጠሪሹ ከወግዶ ከም ዝኽእል ክርድኦ ይግባእ፥ ካብ ታሪኽ ከይሓኸኸና ገና ብዓንተውኡ ነወግዶ” ከምዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣዘኻኪሮም፥ ስለዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣርዚንና ክንርእዮ ኣሎና። ፖለቲከይናታት ብዛዕባ እዚ ክሓስብ ቃል ኪኣትዉን ብልክዕ ዚዕድም ጻውዒት እዩ።

ስለዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣርዚንና ክንርእዮ ኣሎና። ነቲ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት እቲ ስነ ምህዳር ዝምልከት ከባቢ ኣየር ካብ ብከላ ንምክልኻል ዝብል መደብ ክሃስስ እዩ ዝረአ ዘሎ። ስለዚ ነዚ ብልሽው ዝኾነ ኣንፈት - ውግእ - ደው ንምባል ጽኑዕ መምርሒ ከምኡ እውን መሃዚ ክሌኣው ስነ መላዊ ርክብ የድልየና። ውግእ ሰዓትና ንድሕሪት መልሲና ካብቲ መንደቕ በርሊክ ክፈርስ እንከሎ ካብ ዝተበገሱ ተስፋታት ዘርሕቕ እዩ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርነሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

29 Mar 2022, 17:13