ድለ

2022.03.21 Membri dell'Organizzazione di volontariato "Ho avuto sete" 2022.03.21 Membri dell'Organizzazione di volontariato "Ho avuto sete"  

ገንዘብካ ኣብ ኣጽዋር ውግእ ምውዓል ንሰብኣውነት የራኽስ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ጸሚኤ ነረ’ ብዝብል ስም ንኩሉ ምናዳ ኸኣ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝስተ ማይ ንምውዳድ መደባት ዘካይድ ማሕበር ወለንታውያን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ንጥሜትን ጽምእን ሕማምን ለበዳን ኮታስ ንድኽነትን ባርነትን ዘመንና ንምቅላስ ካብ ንውግእ ንላዕሊ ሓይልታትናን ትሕዝቶናን ምውህሃድ የድሊ’ እንክብሉ ንኩሉ ከተሓባብሩ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ካብተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መወዳእታ ፍርዲ መምዘኒ ዘቅርበን ሸውዓተ ናይ ምሕረት ሥራሓት ሓንቲ ዝኾነ ማለት ከም መልሲ ናይታ ‘ጸሚኤ ነረ ዝስተ ሂብኩምኒ’ እትብል መሪሕ ቃል ነተን ጸሚኤ ነረ ዝብላ ቃላት ብምምራጽ ማሕበር ኣቊሞምስ ንዝንቀሳቀሱ፣ ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታ እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግላጽ፣ ‘ኣብ መላእ ዓለም ምናዳ ኸኣ ኣብ ኣፍሪቃ ጉዳይ ማይ ምናዳ ዝስተ ማይ ናይ ሕይወት ዓለምናን ሰላም ሕዝብናን እዩ። እዚ ከኣ ንኩልና ዝምልከት እዩ’ ኢሎም። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ሰብ ብጽምኢ ደሪቁ ብጥሜት ተኣሊሹ ነዛ ርሑ ከድሕነላ ኣብ ዝቃለስ ዘሎ ኣጽዋር ውግእ ክትኩምር ኣብ ሸመተኡ ዝግበር ላዕልን ታሕትን ውድድርን ኢሞራላዊ ጥራይ ዘይኮነ ንሰብኣውነት ዘራኽስ ዓቢ ናይ ዘመንና ዕንቅፋት ምዃኑ እውን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣጽዋር ንክትሽምት ዝግበር ወጻኢታት ዕንቅፋት እዩ። ንኣጽዋር ውግእ ክንደይ ከምዝወጽእ እሞ ሕሰብዎ! ዘርዕድ እዩ! ክንደይ ሚእታዊት ናይ ሓንቲ ሃገር ኣታዊ ከምዝኽፈል ኣይፈልጥን ሕጂ ኣይዝክሮን እንተኾነ ዝለዓለ ሚእታዊት ምዃኑ ርግጽ እየ። እዚ ዓቢ ገበን እዩ። እቲ ካልእ ገበን ከኣ እዚ ኩሉ ወጻኢታት ንምንታይ እንተቢልካ ኣጽዋር ውግእ ንምሽማት! እንታይ ክትገብረሉ እንተቢልካ ውግእ ከተካይደሉ! ውግእከ እንታይ እዩ እንተበልካ እዛ ሕጂ ትለልወና ዘላ ስደትን መከራን ሞትን ዕንወትን! ምናልባት ነዚ ናይ ትማሊ ናይ ኡክራይና ከይመስለኩም! ዓለምና ረሲዕዎ ዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ ኤስያ ወዘተ ክንደይ ኣስካሕካሒ ውግኣት ይቅጽል ኣሎ። እዚ ዓቢ ገበን እዩ። ኣብ ምዕዳግ ኣጽዋር ውግእ ጥራይ ዘድሃበ ሕልና ምውናን ናይ ዓገብ ዓገብ ኮይኑ ንነፍሲ የራኽስ ንልቢ የራኽስ ብዓንዱርእሱ ከኣ ንሰብኣውነት የራኽስ ኢሎም።”

ሓቀኛ ቃልሲ ምዕባሌ ንምቅላስ ኩሉ ሓይልታትን ትሕዝቶ ምትሕብባር!

ዓለምና ብሓደ ክልተ ሰብ ሕልና ንምዕባሌ ዘገልግላ ዝተፈላለየ ወፍርታትን ማሕበራትን ኣቊሙ ክሳብ ብዓለምለኸ ደረጃ ፋሕተርተር ምባሉ ዝነኣድ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ዘበርዕን ጉዳይ ከኣ ብዓለምና ከምዝካየድ እዚ ናብ ውግእ ምቅድዳም እዩ ምስ በሉ፣ ትርጉሙ ከኣ ንኩሉ ኣዕኒኻ ካብ ዜሮ ከምብሓዲሽ ምጅማር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እሞኸ ደኣ ባዕልኻ ሰሪሕካ ባዕልኻ ተዕንዎ ካብ ኮንካ እዚ ኩሉ ፋሕተርተር ብዓለምለኸ ደረጃ ከይተረፈ ብዕሊ ንድኽነት ንምጥፍእ ንጥሜት ንምውጋድ ብከላ ዓለምና ንምቅላስ ዝግበር ወፍርን ዘረባንሲ ጥቅሙ እንታይ እዩ። ማለት ደሓን ጸኒሕና ከም ሕዱር ሕማም ኣብቲ ጥንታዊ ውድቀት ውግእ እንተተመልስካ ከምኡ እውን ኣብቲ ሓይልኻ ንምርኣይ ኣጽዋር ኰምር ዝብል ኣምር ምምላስሲ ንኩሉን ንኩልናን ንድሕሪትዶ ኣይመልሰናን እዩ ኢሎም።”

ናይዚ ኣበር እዚ ሳዕቤን ምናዳ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብታ ዝበዝሐ ክፋል ህዝባ ነዛ ንጐሮሮኡ ዘተርከሰላ ማይ ስኢኒ ኣብ ዝሳቀየላ ኩናት ክተባርዕስ ምስ ምንታይ ይቁጸር። ከመይ ማይ ሕይወት ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣብ መሬት ክሳብ ዘሎና ከኣ ንሕናስ ይኹን ካልእ ፍጡር ብዘይማይ ክነብር ስለዘይክእል እታ ዝበለጸት ክንዲ ብሓይሊ ብኩናት ብዘተን ብምትሕብባርን ንጸገማት ምፍታሕ ከዘድሊ እውን ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ከም ደቂሰባት መጠን ብዘተ እሂን ምሂን ቢልና ክንፈትሖ እንኽእል ክንስና ስለምንታይ ኢና ናብ ውግእ ንቀዳደም! ዘሎና ሓይልን ትሕዝቶን ኣኪብና ክንዲ ኣብ ውግእን ዕንወትን ንወፍር ስለምንታይ ንዘሎ ቃልሲ ምዕባሌ ማለት ጥሜትን ጽምእን፣ ሕማምን ለበዳን፣ ድኽነትን ባርነት ሎምን ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዘይንኣቱ! ኢሎም።

ወለንታውነት ዝኸበረ ትሕዝቶ ዓለምና!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም፣ ኣብዛ ብኩሉ ኩሉ ዕንወት ጥራይ እትሰርዕ ትመስል ዓለምና ዘርኢ ድሕነትን ውሕስነት ምቅጻል ሕይወትን ዝኾኑ ሓደ ክልተ ኣይሰኣኑን እዚኦም ከኣ ተጻይ ኩሉ ገድላት ደው ቢሎም ብወለንታኦም ዝውፈዩን ከም ማሕበር ተወዲቦም ዝተኽእሎም ዘበርክቱን ወለኛታት እዮም። ሓደ ካብዞም ዝኸበረ ትሕዝቶ ዓለምና ዝኾኑ ማሕበር ወለንተኛታት ‘ጸሚኤ ነረ’ ዝብል ኮይኑ ኣብቲ ቀንዲ ጸገም ደቂሰብን ዓለምናን ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ። ከም ኩሎም ካልኦት ወለንታውያን ማሕበር ከኣ ጽቡቅ ይገብር ኣሎ እንክብሉ ብምምስጋን በዚ መንገዲ እዚ ንቅድሚት ንክግስግሱ ብምብርታዕ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 Mar 2022, 13:25