ገንዘብካ ኣብ ኣጽዋር ውግእ ምውዓል ንሰብኣውነት የራኽስ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ካብተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መወዳእታ ፍርዲ መምዘኒ ዘቅርበን ሸውዓተ ናይ ምሕረት ሥራሓት ሓንቲ ዝኾነ ማለት ከም መልሲ ናይታ ‘ጸሚኤ ነረ ዝስተ ሂብኩምኒ’ እትብል መሪሕ ቃል ነተን ጸሚኤ ነረ ዝብላ ቃላት ብምምራጽ ማሕበር ኣቊሞምስ ንዝንቀሳቀሱ፣ ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታ እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግላጽ፣ ‘ኣብ መላእ ዓለም ምናዳ ኸኣ ኣብ ኣፍሪቃ ጉዳይ ማይ ምናዳ ዝስተ ማይ ናይ ሕይወት ዓለምናን ሰላም ሕዝብናን እዩ። እዚ ከኣ ንኩልና ዝምልከት እዩ’ ኢሎም። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ሰብ ብጽምኢ ደሪቁ ብጥሜት ተኣሊሹ ነዛ ርሑ ከድሕነላ ኣብ ዝቃለስ ዘሎ ኣጽዋር ውግእ ክትኩምር ኣብ ሸመተኡ ዝግበር ላዕልን ታሕትን ውድድርን ኢሞራላዊ ጥራይ ዘይኮነ ንሰብኣውነት ዘራኽስ ዓቢ ናይ ዘመንና ዕንቅፋት ምዃኑ እውን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ሓቀኛ ቃልሲ ምዕባሌ ንምቅላስ ኩሉ ሓይልታትን ትሕዝቶ ምትሕብባር!
ዓለምና ብሓደ ክልተ ሰብ ሕልና ንምዕባሌ ዘገልግላ ዝተፈላለየ ወፍርታትን ማሕበራትን ኣቊሙ ክሳብ ብዓለምለኸ ደረጃ ፋሕተርተር ምባሉ ዝነኣድ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ዘበርዕን ጉዳይ ከኣ ብዓለምና ከምዝካየድ እዚ ናብ ውግእ ምቅድዳም እዩ ምስ በሉ፣ ትርጉሙ ከኣ ንኩሉ ኣዕኒኻ ካብ ዜሮ ከምብሓዲሽ ምጅማር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይዚ ኣበር እዚ ሳዕቤን ምናዳ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብታ ዝበዝሐ ክፋል ህዝባ ነዛ ንጐሮሮኡ ዘተርከሰላ ማይ ስኢኒ ኣብ ዝሳቀየላ ኩናት ክተባርዕስ ምስ ምንታይ ይቁጸር። ከመይ ማይ ሕይወት ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣብ መሬት ክሳብ ዘሎና ከኣ ንሕናስ ይኹን ካልእ ፍጡር ብዘይማይ ክነብር ስለዘይክእል እታ ዝበለጸት ክንዲ ብሓይሊ ብኩናት ብዘተን ብምትሕብባርን ንጸገማት ምፍታሕ ከዘድሊ እውን ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ከም ደቂሰባት መጠን ብዘተ እሂን ምሂን ቢልና ክንፈትሖ እንኽእል ክንስና ስለምንታይ ኢና ናብ ውግእ ንቀዳደም! ዘሎና ሓይልን ትሕዝቶን ኣኪብና ክንዲ ኣብ ውግእን ዕንወትን ንወፍር ስለምንታይ ንዘሎ ቃልሲ ምዕባሌ ማለት ጥሜትን ጽምእን፣ ሕማምን ለበዳን፣ ድኽነትን ባርነት ሎምን ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዘይንኣቱ! ኢሎም።
ወለንታውነት ዝኸበረ ትሕዝቶ ዓለምና!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም፣ ኣብዛ ብኩሉ ኩሉ ዕንወት ጥራይ እትሰርዕ ትመስል ዓለምና ዘርኢ ድሕነትን ውሕስነት ምቅጻል ሕይወትን ዝኾኑ ሓደ ክልተ ኣይሰኣኑን እዚኦም ከኣ ተጻይ ኩሉ ገድላት ደው ቢሎም ብወለንታኦም ዝውፈዩን ከም ማሕበር ተወዲቦም ዝተኽእሎም ዘበርክቱን ወለኛታት እዮም። ሓደ ካብዞም ዝኸበረ ትሕዝቶ ዓለምና ዝኾኑ ማሕበር ወለንተኛታት ‘ጸሚኤ ነረ’ ዝብል ኮይኑ ኣብቲ ቀንዲ ጸገም ደቂሰብን ዓለምናን ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ። ከም ኩሎም ካልኦት ወለንታውያን ማሕበር ከኣ ጽቡቅ ይገብር ኣሎ እንክብሉ ብምምስጋን በዚ መንገዲ እዚ ንቅድሚት ንክግስግሱ ብምብርታዕ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።