ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ምሕጽንታ ናብ ማርያም ካብዚ ጭካነ ዝመልኦ ኣልቦ ትርጉም ውግእ ከተናግፈና
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 25 መጋቢት ሰዓት 17.00 ስርዓተ ንስሓ መሪሖም ኣብ መዕጸዊ እቲ ስርዓት ንመላእ ፍጥረት ኣዳም ብፍላይ ከኣ ንህዝብታት ሩሲያን ዩክረይንን ንቅዱስ ልቢ ቅድስተ ማርያም ኣወፍዮም፥ “እዚ ስርዓተ ጸሎት እዚ ስሒራዊ ቀመር ኣይኰነን የግዳስ መንፈሳዊ ተግባር ናይቶም ናብ ኣደኦም ዝኸዱ ቈልዑ እዩ” ከም ዝበሉን ቅድስነቶም ኣብቲ ስርዓተ ንስሓ ኣብ ዝተፈጸመሉ ሊጡርጊያ ናብ መናዘዚ ቦታ ብምኻድ ተናዚዞም ምስ ኣብቅዑ ንምእመናን ምስጢረ ንስሓ ከም ዝሰርዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓርቢ ዕለት 25 መጋቢት ምሸት ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ መላእ ሰበኻታት ዓለም ዝፍጸም ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ን24 ሰዓታት ክፉታት ዝገብር ምእመናን ንጸሎትን ንምስጢረ ንስሓን ንምእንጋድ ዝብል መደብ “24 ሰዓት ምስ ጐይታ” መሰረት ዝፍጸም ስርዓተ ንስሓ መሪሖም መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ ህዝብታት ሩሲያን ዩክረይንን ንንጹሕ ቅዱስ ልቢ ማርያም ኣወፍዮም፡ ማርያማዊ ጸሎት ከም ዘዕረጉን ኣብዚ መንፈሳዊ መደብ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታት ብጳጳሳተን ተመሪሐን ከም ዝሓበራን ኣብ ፖርቱጋል ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ነዚ ስርዓተ ጸሎት እዚ ዝመርሑ ልኡከ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ገበዝ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ከም ዝኾኑን፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ነታ ኣብ ፋጢማ ዕለት 13 ሓምለ 1917 ዓ.ም. ንዝተገልጸት ቅድስተ ማርያም ህዝቢ ዓለምን ህዝቢ ሩሲያን ዩክረይንን ናይ ምውፋይ መንፈሳዊ ስርዓት ምክያዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መንፈሳዊ ትውክልቲ
ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ንስሓን ዕርቅን ስርዓተ ሊጡርጊያ ፈጺሞም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ደቅሰብ ኣምላኽ ይቕረ ክብሎም ከምዘድልዮምን ከምኡ እውን እቲ ኣብታ ዕለት እቲኣ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ህዝቢ ሩሲያን ዩክረይንን ንቅዱስ ልበ ማርያም ናይ ምውፋይ መንፍሳዊ ተግባር ትርጒሙ፥
እዚ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት እዚ ስሒራዊ ቀመር ዘይኮነስ መንፈሳዊ ተግባር እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ንዓለምና ዜስግእ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ትርጒም ኣልቦ ዝኾነ ግብረ ዕንወትን - ውግእ ኵሉ ፍርሆምን ስቓዮምን ኣብ ልባ ንምቕራብ ገዛእ ርእሶም ንኣኣ ንምሕዳግ ኣሚቶም ናብ ኣዲኦም ገዛእ ርእሶም ዘቕርብሉ መንፈሳዊ ተግባር እዩ!
እንክብሉ ገሊጾም፥
ኣብ ቅድሚ ወግእ ረዳኢ ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዓና
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ንብዙሓት ዘሳቕን ዝቐትልን ዘድምን መዓት ዘስዕብ ዘሎ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ውግእ ዝፈጥረሎም ጓሂ እንክግለጹ፥
ልክዕ ከምቲ ቦምብታት ንኣባይቲ እቶም መከላኸሊ ዘይብሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዩክራይናውያን ዘዕንው ልክዕ ከምኡ ነዚ ኵነት እዚ ዝሕብር ዜናን ጸብጻባትን ናብ ኣባይትና ይኣትው ኣሎ፥
ቢሎም - ኣስዒቦም እቲ ውግእ ነቲ ኣባና ዘሎን ዝስምዓናን “ረዳኢ ኣልቦነትን ኣልቦ ናይ ምክልኻል ብቕዓትን” የዘኻኽረና። ኣምላኽ - ንሱ ጥራሕ እዩ ነዚ እከይ ተግባር እዚ ኬወግድን ቂም ኣጽዋር ከጥፍእ ከምኡ እውን ናብ ልባትና ሰላም ከምጽእ ዚኽእል። ኣምላኽ ብዛዕባ “ድሕነትን ሰላምን” ዚገልጽ ሓድሽ ዛንታ ብምጅማርን ነዚ ታሪኽ እዚ ንኽቕይሮ ንድንግል ማርያም መረጸ፥ እቲ ናይ ድሕነት ታሪኽ ኣብኣ ስጋ ኣልበሶ፥ ስለዚህ
ዓለም ክልወጥ እንደሊ እንተድኣ ኴይንና ፈለማ ልብና ክልወጥ ኣለዎ!
ናይ ሓሴት ምስጢር
ማርያም ኣደ ኣምላኽ ንኽትከውን ኣምላኽ ከም ዝሓረያ ንኸበስራ ምስ ዝበጸሓ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ከም እተራኸበት ዝገልጽ ቃለ ወንጌል እንከስተንትኑ፥ ገብራኤል መልኣኽ ንማርያም እቲ ሓጐስ ከምጽኣላ ዝኽእል እንኰ ምኽንያት እንከቕርበላ፥ “እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ” በላ፡ ልክዕ ከምኡ ካቶሊካውያን ምእመናን እውን ኣብ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ዕርቂ ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዘጋጥሞም፡ ከመይሲ ኣምላኽ ብትሕትናን ብዝጠዓስ ልብን ክንቐርቦ እንከለና ገዛእ ርእሱ ቀረባና ይገበር።
ምስጢረ ንስሓ “ናይ ሓጐስ ምስጢር” እዩ። “ጐይታ ከምቲ ንማርያም ኣብ ከተማ ናዝሬት ዝገበሮ ናብ ቤትና ይኣትዉ ዘይተጸበናዮ ኣድናቖትን ሓጐስን ድማ የብጽሓልና” ብዘይካ እዚ ካህናት ምስጢረ ንስሓ ኪሰርዑ እንከለዉ ፈጺሞም ዝነጽግን ተሪር ቃልን ከቶ ከይጥቀሙ ተማሕጺኖም። ሓደ ካህን ነዚ እንተድኣ ዘየስተውዕል ኰይኑ እዚ ስምዒት እዚ ኣብ ልቡ እንተ ድኣ ዘይብሉ ኣበ ነፍስ እንተዘይኰነ ይሓይሽ” ኢሎም።
ድኽመትና ናብ ትንስኤ ተቐየረ
ገርብኤል መልኣኽ ንማርያም “ኣይትፍርሂ” ከም ዝበላ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣዘኻኺሮም ኣምላኽ ንድኽመትናን ፍርህናን ድሮ ይፈልጦ እዩ፡ እንተዀነ ግን ምስጢረ ዕርቂ ኣብ እንቕበለሉ እዋን ነዚ ፍርህናን ድኽመትናን ኣብ ቅድሚ ካህን ከነንብሮ ይዕድመና። ድሕሪኡ ድኽመትና “ኣጋጣሚ ትንሳኤ” ክኸውን እዩ። ማርያም እውን ብግዴኣ ናብቲ ምንጪ ህይወትና “ካብ ፍርህን ባዶነትን ፍጹም ፈውሲ” ናብ ዝኾነ” ጐይታክንምለስ ትዕድመና ቢሎም፥
ዘስምዕዎ ስብከት፥ ማርያም ነቲ ዝቐረበላ ዕድመ ዝሃበቶ ምላሽ “ባህ ዘብል ንኣምላኽ ምእዙዝ ናይ ምዃን ባህጊ” ዘረጋግጽ ምዃኑ ገሊጾም፥
ጉዕዞና ኣብ ኣእዳዋ ተንብሮ፡ እቲ ኣብ መገዲ ሰላም ዘድሊ ግና ኣድካምን ኣጻድፍን ዝመልኦ ናብ ሕውነትን ዘተን ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ትምራሓና!
ብዝብል ጸሎት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።