ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ፍልልያት ኣህዛብ ዘሳንይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ እዩ!

. . . ውሁድ ጥዑም ድምጺ ከነዳሉ እንከለና ዝተፈላለየ ድምጺ ዝፈጥሮ ጥዑም ውሁድ ቅንይት ኢና እንፈጥር። ህብረኣውነት ኣህዛብ ዘሳንይ። እዚ ሰላም ማለት እዩ። ሰላም ፍልልያት ኣየተዓናቅፍን እዩ፡ ሰላም ከኣ ስኒት ፍልልያት ማለት እዩ!

ዕለት 19 መጋቢት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕጻናት ጉጅለ መዘምራን ኣንንያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጽርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቐቢሎም፥ “ውሁድ ጥዑም ሙዚቃን መዝሙርን ብእተፈላለየ ጽፍሕታት ድምጺ እዩ ዝቐውም፥ ስለዚ ድማ ኵሉ ሓደ ድምጺ እንተዝኸውን ነይሩ ስኒት ኣይምሃለወን፡ ሓደ ዘሰልኪ ድምጺ ጥራሕ ምኾነ ነይሩ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ጉጅለ ኣንቶናውያን መዘምራን ቈልዑ ኣብዚ ውግእ ኣብ ዘለሉ እዋን ነቶም ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ንዘለዉ ቈልዑ እው ተስፋ ኢኻትኵም- ቢሎም - ነቶም ካብ መላኣ ኢጣሊያ ዝመጹ መዘምራን ሕጻናት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ክልግሱ ዕድል ምርካቦም፡ ነዚ በዓል እዚ ምሳኻትኵም ሓቢረ ከብዕሎ ብምኽኣለይ ሓጐስ ይፈጥረለይ - ቢሎም - ሕጹይ ማርያን ንኢየሱስ ምስ ህዝቡ ዘተኣሳሰሮ ፍልዩ ካብ ሰማይ ዝመጸ ዘይኮነ ጭቡጥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝተወልደን ዝዓበየን ንኢየሱስ ከም ሕጊ ኣምላኽ ዝሃነጸን” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

. . . ቅዱስ ዮሴፍ ሓደ ከማና ክፍሊ ህዝቢ ኣምላኽ እዩ፡ ሳላ ኢየሱስ ሳላ መስቀሉን ዝሃበና ዓቢይ ፍቕሪ ካብ ኵሉ ቋንቋታት ካብ ኮሎም ኣህዛብ ከምኡ እውን ካብ ኵሉ ባህልታት ንዝመጹ ሰብኡትን ኣስንትን ሓንጐፋይ ቢሉ ዝተቐበለ እዩ። . . . ዝተፈላለየ ድምጽታትኵም ኣወሃሂድኵም ባህ ዜብል ስኒት ትምስክሩ፡ ድምጽዅን ሓደ ነይሩ እንተዝኸውን ዘሰልኪ ድምጺ ራጥይ ደኣ እምበር ስኒታዊ ድምጺ ኣምኾነን . . . ውሁድ ጥዑም ድምጺ ከነዳሉ እንከለና ዝተፈላለየ ድምጺ ዝፈጥሮ ጥዑም ውሁድ ቅንይት ኢና እንፈጥር።  ህብረኣውነት ኣህዛብ ዘሳንይ። እዚ ሰላም ማለት እዩ። ሰላም ፍልልያት ኣየተዓናቅፍን እዩ፡ ሰላም ከኣ ስኒት ፍልልያት ማለት እዩ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መዝሙር ዝተፈላለዩ ወለዶታት የሕብር

ነቲ ኣብ 1963 ዓ.ም. ዝተወልደ ኣንቶንያን ጒጅለ  ሕጻናት መዘምራን እናሓሰቡ፡ ነዚ ማሕበር እዚ ኣመስጊኖም፡ በዞም መዘምራን ሕጻናት ኣቢሎም እውን ንዅሉ ዘማርያም ዓበይትን ንኣሽቱን ኣመስጊኖም፥

ንውሉድ ወለዶ ስለ እተተሓባብሩ ኣመስግነኵም፡ . . . እዚ ማለት ከኣ መዝሙራትኵም ንመንእሰያትን ዓበይትን ብፍላይ ከኣ ንኣቦ ሓጎአታትን ኣደ ሓጐታትን ይማርኽ እዩ። . . . መዝሙራትኵም ንውሉድ ወለዶ ሓድነት ከም ዝህልዎ ዝገበረ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣዚዩ ምልኩዕን ኣገዳስን ይኸውን! እተፈላለየ ወልዶታት ዘተኣሳስር፡ ኣብ መንጐ ወለዶታት ዘተ ክህሉ ዘተባብዕ እዩ . . . ።

ሰራውር ዘድልዮ ጠጥዒ

ንኣቦ ሓጐታትኵምን ኣደ ሓጐታትኵምን ትበጽሕዎም ዶ? ናብኣቶም ከድኵም ከመይ ገርኵም ክትሰዕዎም ከም እትኽእል ትፈልጡ ዶ? ወይ ከኣ ቴለቪዥን እናረኣዅም ናይ ኢድ ተለፎን እናረኣዅም እዩ? እንክብሉ ቅዱስነቶም ነቶም ሕጻናት ነዘን ሕቶ እዚኣተን ኣቕሪቦም፥

ንኣቦ ሓጐታትኵም ኣኖ ሓጐታትኵም ብዛዕባ ህይወቶም ክነግሩዅም ሕተትዎም፡ ጽን ኢልኵም ከኣ ስምዕዎም፡ ሃብቲ ክትረኽቡ ኢዅም፡ እወ ኣብ ዝኽሮምን ኣብ ልቦምን እተሓብአ መዛግብቲ ኣሎ። ተዘክሮታት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጒዕዞ ህይወት ዝበሰለ ጥበብ ሓድሓደ ግዜ ናይ እምነት ሓሳብ እውን እዩ። ብፍላይ ነቶም እናዐበዩ ዝኸዱ ድማ ኣኽብርዎም እዚ ሰራውር እዩ። ንስኻኵም ጠጥዒ ኢኻትኵም ስለዚ ሰራውር የድልየኩም፡ ኣቕጽልቲ ትድርቡን ትዕምብቡን። እንተ ዘይኰነ ግን ብዘይ ሰራውር ከም ዝኾነ ዘይዕምብ ዘይጥጥዕ ተኽሊ ምዃን እዩ ዘጋጥም!

እንክብሉ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 Mar 2022, 17:20